2ይ ሳሙኤል 3
3
1እቲ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ዝነበረ ውግእ ነዊሕ ነበረ። ቤት ዳዊት እናበርትዐ ኸደ፤ ቤት ሳኦል ግና እናደኸመ ከደ።
ደቂ ዳዊት
2ንዳዊት ኣብ ኬብሮን እዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ ኣወዳት ተወለዱሉ፦
በዅሩ ኻብ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤል ዝተወለደ ኣምኖን፤ 3ካልኣዩ ኻብ ኣቢግያ፥ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረት፥ ዝተወለደ ዶሎሕያ፤ ሳልሳይ ካብ መዓካ ጓል ታልማይ ንጉስ ጌሹር ዝተወለደ ኣቤሴሎም፤ 4ራብዓይ ካብ ሓጊት ዝተወለደ ኣዶንያስ፤ ሓምሻይ ካብ ኣቢጣል ዝተወለደ ሰፋጥያስ፤ 5ሻድሻይ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት ዝተወለደ ይትረሃም፤ እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱሉ እዮም።
ኣበኔር ንዳዊት ከም ዝሰዓቦ
6በቲ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ውግእ ዝነበረሉ ጊዜ፥ ኣበኔር ኣብ ቤት ሳኦል እናሓየለ ኸደ። 7ሳኦል ሪፅጳ ዝስማ ጓል ኣያ፥ ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢያቡስቴ ድማ ንኣበኔር “ስለ ምንታይ ኢኻ ናብታ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝኣተኻ?” በሎ።
8ሽዑ ኣበኔር ብዘረባ ኢያቡስቴ የመና ተቘጢዑ “ኣነስ ንቤት ሳኦል ጠሊመ፥ ኣገልጋሊ ቤት ይሁዳ ዝኸውንዶ ይመስለካ? ካብ ቅድም ሒዘ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ነሕዋቱን ንፈተውቱን እሙን ኮይነ ኣገልገልኩ፤ ንኣኻውን ናብ ኢድ ዳዊት ኣሕሊፈ ኣይሃብኩኻን። ንስኻ ግና ሎሚ ናብዛ ሰበይቲ እዚኣ ብምእታወይ ከም በደል ትቘፅረለይ ኣለኻ። 9-10ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝመሓለሉ፥ እታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ከም እትሓልፍ፥ ዙፋን ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ከም ዝቐውም እንተ ዘይገይረ፥ ኣምላኽ ንኣይ ንኣበኔር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” በለ። #1 ሳሙ. 15፡28። 11ሽዑ ኢያቡስቴ ንኣበኔር ስለ ዝፈርሖ፥ ሓንቲ እኳ ኽዛረቦ ኣይደፈረን።
12ሽዑ ኣበኔር ናብ ዳዊት ልኡኻት ሰዲዱ “እዛ ሃገር ናይ መን ድያ? ኪዳን እተወለይ እሞ፥ ብምልእታ እስራኤል ናባኻ ኽትምለስ ክሕግዘካ እየ” በሎ።
13ዳዊት ድማ “ፅቡቕ፤ ኣነ ምሳኻ ኺዳን እኣቱ። እንተ ኾነ ኻባኻ ዝደልያ ሓንቲ ነገር ኣላ። ንሳ ኸዓ ናባይ ክትመፅእ እንተለኻ ንሜልኮል ጓል ሳኦል ተማሊእኻያ እንተ ዘይመፂእኻ ገፀይ ኣይትርእን ኢኻ” በሎ። 14#1 ሳሙ. 18፡27። ዳዊት ድማ ናብ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ልኡኻት ሰዲዱ “እታ ብሚእቲ ቝልፈት ፍልስጥኤማውያን ዝተመርዓኽዋ ሰበይተይ ሜልኮል ምለሰለይ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደ።
15ኢያቡስቴ ከዓ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ ጳልጢኤል ወዲ ሌሳ ወሰዳ። 16ሰብኣያውን ምሳኣ ኸደ፤ ክሳዕ ባሑሪምውን እናበኸየ ሰዓባ። ሽዑ ኣበኔር “ኪድ ተመለስ” በሎ። ንሱውን ተመለሰ።
17ኣበኔር ድማ ንዓበይቲ እስራኤል “ዳዊት ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ክኸውን ካብ ቀደም ደሊኹምዎ ኔርኩም ኢኹም። 18እግዚኣብሄርውን ብዛዕባ ዳዊት ‘ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ፀላእቶምን ብኢድ ዳዊት ባርያይ ከድሕኖም እየ’ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ እሞ ሕዚ ግበርዎ” ኢሉ ተዛረቦም።
19ንነገድ ብንያምውን ተዛረቦም። እቲ ንዅሉ እስራኤልን ንዅላ ቤት ብንያምን ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮም፥ ንዳዊት ክነግሮ ናብ ኬብሮን ከደ። 20ኣበኔር ዕስራ ሰብ ምስኡ ተማሊኡ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መፀ። ዳዊት ድማ ንኣበኔርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ምሳሕ ገበረሎም። 21ኣበኔር ከዓ ንዳዊት “ንዅሎም ደቂ እስራኤል ናባኻ ናብ ጐይታይ ክእክቦም እሞ ምሳኻ ኺዳን ክኣትዉስ ተሲአ ክኸይድ፥ ሽዑ ኸምቲ ዝደለኻዮ ጌርካ ትነግስ” በሎ። ዳዊት ድማ ንኣበኔር ሰደዶ። ንሱ ድማ ብሰላም ከደ።
ኢዮኣብ ንኣበኔር ከም ዝቐተሎ
22እንሆ ኸዓ ሹመኛታት ዳዊትን ኢዮኣብን ካብ ወራር መፁ፤ ምስኣቶም ድማ ብዙሕ ምርኮ ኣእተዉ። ኣበኔር ግና ዳዊት ኣፋንይዎ ብሰላም ከይዱ ነበረ እምበር፥ ኣብ ኬብሮን ኣይነበረን። 23ኢዮኣብን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ሰራዊትን ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ኣበኔር ወዲ ኔር ናብ ንጉስ መፂኡ ኸም ዝነበረን፥ ንጉስ ድማ ኣፋንይዎ ብሰላም ከም ዝኸደን፥ ንኢዮኣብ ነገርዎ።
24ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ንጉስ ኣትዩ “እዝ ዝገበርካዮ እንታይ እዩ? እንሆ ኣበኔር መፂኡካ እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ክኸይድ ዝሰደድካዮ? 25ኣበኔር ወዲ ኔር ከታልለካ፥ መውፅኢኻን መእተዊኻን ክፈልጥ፥ ኵሉ እትገብሮውን ከስተብህል ከም ዝመፀዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በሎ።
26ኢዮኣብ ሽዑ ኻብ ዳዊት ወፂኡ፥ ደድሕሪ ኣበኔር ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከዓ ኻብ ዒላ ሲራ መለስዎ፤ ዳዊት ግና ነዙይ ኣይፈለጠን ነበረ። 27ኣበኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኢዮኣብ ንበይኑ ኽዛረቦ ኸም ዝደሊ ኣምሲሉ ናብ ኣፍ ደገ ወሰዶ። ኣብኡ ድማ ሕነ ደም ሓዉ ኣሳሄል፥ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።
28ድሕሪዙይ ከዓ ዳዊት ሰምዐ እሞ “ኣነን መንግስተይን ካብ ደም ኣበኔር ወዲ ኔር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ንፁሃት ኢና። 29እዙይ ኣብ ልዕሊ ኢዮኣብን ኣብ ልዕሊ ዅላ ቤት ኣቦኡን ይውደቕ፤ ኣብ ቤት ኢዮኣብ ድማ ዝመግል ቍስሊ ዘለዎ፥ ለምፃም፥ ብምርኩስ ዝኸይድ ሓንካስ፥ ብሰይፊ ዝቕተል ወይ ዝበልዖ ዝሰኣነ ጥሙይ ኣይሰኣን” በለ።
30(ኣበኔር ንሓዎም ኣሳሄል ኣብ ገባዖን ኣብቲ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፥ ኢዮኣብን ኣቢሳ ሓዉን ከዓ ንኣበኔር ቀተልዎ።)
31ዳዊት ድማ ንኢዮኣብን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን “ክዳውንትኹም ቅደዱ፤ ወጮ ተኸደኑ፤ ንኣበኔር ከዓ ብኸዩሉ” በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ይኸይድ ነበረ። 32ንኣበኔር ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ፤ ንጉስ ድማ ኣብቲ መቓብር ኣበኔር ድምፁ ዓው ኣቢሉ በኸየ፤ ኵሎም ህዝቢ እውን በኸዩ።
33ንጉስ ድማ ንኣበኔር
“ኣበኔር እውንዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት?
34ኣእዳውካ እሱራት ኣይነበራን፤
ኣእጋርካውን ብመቝሕ ኣይተቐየዳን፤
ከምቲ ኣብ ቅድሚ ዓመፅቲ ዝወድቕ፥ ከምኡ ዄንካ ወደቕካ” ኢሉ ኣልቀሰሉ።
ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን በኸዩሉ።
35ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንዳዊት ገና ቐትሪ እንተሎ “እንጀራ ብላዕ” ኽብልዎ መፁ። ዳዊት ግና፥ “ፀሓይ እንተይዓረበት እንጀራ ኾነ ወይ ካልእ እንተ ጠዓምኩ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግብረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ መሓለ።
36ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ እዙይ ምስ ፈለጡ ተሓጐሱ፤ በቲ ዅሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ንጉስ ዝገበሮውን ሕጉሳት ነበሩ። 37ሞት ኣበኔር ወዲ ኔር፥ ካብ ንጉስ ከም ዘይኮነ፥ ኵሉ እቲ ህዝብን ኵሉ እስራኤልን በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ።
38ንጉስ ድማ ነቶም ሹመኛታት “ሎሚ መዓልቲ ኣብ እስራኤል መስፍንን ዓብዪ ሰብን ከም ዝሞተዶ ኣይፈለጥኩምን ኢኹም? 39ኣነ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኹ እኳ፥ ድኹም እየ፤ እዞም ደቂ ፅሩያ ድማ በርቲዖምኒ ኣለዉ። ነቲ ኽፉእ ዝገብርስ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ” በሎም።
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in