YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ሳሙኤል 2

2
ዳዊት ኣብ ይሁዳ ኸም ዝነገሰ
1ድሕሪዙይ ዳዊት “ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ሓዲአንዶ ኽድይብ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ደይብ” በሎ። ዳዊት ድማ “ናበየነይቲ ኽድይብ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ናብ ኬብሮን” በሎ።
2ሽዑ ዳዊትን ክልቲአን ኣንስቱ፥ ምስ ኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤልን፥ ኣቢግያ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረትን፥ ኮይኖም ናብ ኬብሮን ደየቡ። #1 ሳሙ. 25፡42-43። 3ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፥ ንነፍሲ ወከፍ መምስ ስድራ ቤቱ ኣደየቦም፤ ኣብ ኬብሮንን ከተማታታን ከዓ ተቐመጡ። 4ሰብ ይሁዳ ድማ መፂኦም ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኽነግስ ኣብ ኬብሮን ቀብእዎ። #1 ሳሙ. 31፡11-13።
ሽዑ “ንሳኦል ዝቐበርዎ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ እዮም” ኢሎም ንዳዊት ነገርዎ። 5ዳዊት ድማ ናብ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ልኡኻት ሰዲዱ “ንጐይታኹም ሳኦል ብምቕባርኩም ሰናይ ጌርኩምሉ ኢኹም እሞ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም። 6ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ርህራሀን ሓቅን ይግበረልኩም። ኣነ ድማ እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበርኩም ሰናይ ክገብረልኩም እየ። 7ሕዚ እውን ጐይታኹም ሳኦል ሞይቱ እዩሞ፥ ኢድኩም ትፅናዕ ንስኻትኩምውን ሓያላት ኩኑ፤ ንኣይ ከዓ ንጉሶም ክኸውን ቤት ይሁዳ ቐቢኦሙኒ ኣለዉ” በሎም።
ቤት ዳዊትን ቤት ሳኦልን ከም ዝተዋግኡ
8ኣበኔር ወዲ ኔር፥ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና ንኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ወሲዱ፥ ናብ ማሓናይም ኣሳገሮ። 9ኣብ ልዕሊ ገለዓድን ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ኢይዝራኤልን ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤልን ድማ ኣንገሶ።
10ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ክልተ ዓመት ከዓ ነገሰ። ቤት ይሁዳ ግና ደድሕሪ ዳዊት ሰዓበት። 11ዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ።
12ኣበኔር ወዲ ኔርን ኣገልገልቲ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦልን ድማ ኻብ ማሓናይም ናብ ገባዖን ወፁ። 13ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ሹመኛታት ዳዊትን ከዓ ወፂኦም ኣብ ቃላይ ገባዖን ተራኸብዎም። እዚኣቶም ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ፥ እቲኣቶም ድማ ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ ተቐመጡ።
14ሽዑ ኣበኔር ንኢዮኣብ፥ “እዞም መናእሰይ ይተስኡ እሞ፥ ኣብ ቅድሜና ይዋግኡ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ይዋግኡ” በሎ።
15ሽዑ ኻብ ብንያምን ካብ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦልን ዓሰርተ ኽልተ፥ ካብ ኣገልገልቲ ዳዊት ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ተቘፀሩ እሞ ተስኡ። 16ነፍሲ ወከፍ ርእሲ መጋጥምቱ ኣፅኒዑ ሒዙ ሰይፊ ኣብ ጐድኒ መጋጥምቱ ሸኸለ፤ ተተሓሒዞም ከዓ ብሓደ ወደቑ። ስለዙይ እታ ቦታ ግራት ስሕለታም ሰይፊ #2፡16 ግራት ስሕለታም ሰይፊ፦ ብእብራይስጢ “ሔልቃትሃፁሪም” ይብል። ተብሃለት። ንሳ ድማ ኣብ ገባዖን ትርከብ።
17በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ የመና በርትዐ፤ ኣበኔርን እቶም ሰብ እስራኤልን ከዓ ብኣገልገልቲ ዳዊት ተስዓሩ።
18ኣብኡ ድማ ሰለስቲኦም ደቂ ፅሩያ ኢዮኣብን ኣቢሳን ኣሳሄልን ነበሩ። ኣሳሄል ከዓ ኸምታ ኣብ በረኻ ዘላ ሰስሓ ጐያዪ ነበረ። 19ኣሳሄል ንየማን ወይ ንፀጋም እንተየግለሰ ንኣበኔር ከርክቦ ብጕያ ሰዓቦ። 20ሽዑ ኣበኔር ንድሕሪት ግልፅ ኢሉ “ንስኻ ኣሳሄል ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “እወ ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
21ኣበኔር ድማ “ንየማንካ ወይ ንፀጋምካ ኣቢልካ ኣግልስ እሞ፥ ንሓደ ኻብዞም መናእሰይ ሒዝካ ኣፅዋሩ ግፈፎ” በሎ። ኣሳሄል ግና ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ከየግልስ እምቢ በለ።
22ኣበኔር ድማ መሊሱ ንኣሳሄል “ኣግልስ! ምስ ምድሪ ከየጣብቐካስ ኣይትስዓበኒ። ደሓርከ ኸመይ ገይረ ገፅ ሓውካ ኢዮኣብ ክርኢ እየ?” በሎ።
23ኣሳሄል ግና ካብኡ ምግላስ ኣበየ። ሽዑ ኣበኔር ብዂናት ከብዱ ወግኦ እሞ፥ እቲ ዂናት ብድሕሪቱ ወፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ወዲቑ ሞተ። ናብታ ኣሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመፀ ዅሉ ድማ ኣብኣ ደው ይብል ነበረ።
24ኢዮኣብን ኣቢሳን ግና ንኣበኔር ኣሳጐጕዎ። ኣብታ ኣብ መንገዲ ምድረ በዳ ገባዖን፥ ኣብ መንፅር ጋይ ዘላ ዀረብታ ኣማ ምስ በፅሑ ኸዓ ፀሓይ ዓረበት። 25ደቂ ብንያም ድማ ኣብቲ ኣበኔር ዘለዎ ቦታ ተኣኪቦም ሓደ ጭፍራ ኾይኖም፥ ኣብ ርእሲ ሓንቲ ዀረብታ ቖሙ።
26ሽዑ ኣበኔር ንኢዮኣብ ፀዊዑ “ኣታ፥ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእዶ ኣሎ እዩ? ንሓዋሩ መሪር ፅልኢ ኸም ዝሓድገልናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? ህዝብኻ ንኣና ነሕዋቶም ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘሳጕጉና? ኽምለሱኸ ኣይትእዝዞምን ዲኻ?” በሎ።
27ኢዮኣብ ከዓ “ብህያው ኣምላኽ እምሕል ኣለኹ፤ ንስኻ እንተ ዘይትዛረብስ እዞም ህዝቢ፥ ንኣኻትኩም ነሕዋቶም ካብ ምስጓጕ ቕድሚ ፅባሕ ንግሆ ኣይምተመለሱን ነይሮም” በሎ።
28ሽዑ ኢዮኣብ መለኸት ነፍሐ፤ ኵሉ ህዝቢ ድማ ደው በለ። ድሕሪዙይ ንእስራኤል ኣየሳጐጉዎምን፥ እቲ ውግእ ድማ ደው በለ።
29ኣበኔርን እቶም ሰባቱን ድማ እታ ለይቲ እቲኣ ብምልእታ ብጐልጐል ዮርዳኖስ ክይድ ሓዲሮም ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገሩ፤ ንዅላ ቢትሮን ሓሊፎም ድማ ናብ መሓናይም ኣተዉ።
30ኢዮኣብ ከዓ ንኣበኔር ካብ ምስጓጕ ተመለሰ፤ ንዅሉ ህዝቢ ምስ ኣከቦ ድማ፥ ካብ ኣገልገልቲ ዳዊት ዓሰርተ ትሽዓተ ሰብኡትን ኣሳሄልን ጐደሉ። 31እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ግና ኻብ ብንያምን ካብ ናይ ኣበኔር ሰባትን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ቀተሉ። 32ንኣሳሄል ድማ ወሲዶም ኣብቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ቐበርዎ። ኢዮኣብን እቶም ሰቡን ድማ ምሉእ ለይቲ ኽይድ ሓዲሮም፥ ክወግሕ እንተሎ ኣብ ኬብሮን በፅሑ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in