YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ሳሙኤል 19

19
ኢዮኣብ ንዳዊት ከም ዝወቐሶ
1ንኢዮኣብ ድማ “እንሆ፥ ንጉስ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ይበክን ይሓዝንን ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። 2እቲ ንጉስ ብዛዕባ ወዱ ኸም ዝሓዘነ፥ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሉ ህዝቢ እቲ ናይ ዓወት ታሕጓስ ናብ ሓዘን ተለወጠ። 3ካብ ኲናት ብምህዳሞም ሓፊሮም እናደነኑ ኸም ዝኸዱ ህዝቢ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ህዝቢ ብፍርሓት እናደነነ ናብ ከተማ ኣተወ። 4እቲ ንጉስ ከዓ ገፁ ኸደነ፤ ዓው ኢሉ ድማ “ወደይ ኣቤሴሎም! ኣቤሴሎም ወደይ! ወደይ!” ኢሉ በኸየ።
5ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ቤት ንጉስ ኣትዩ ንንጉስ “ሎሚ ነቶም ህይወትካን ህይወት ኣወዳትካን ኣዋልድካን፥ ህይወት ኣንስትኻን ኣንስቲ ወሰንካን፥ ንዘድሓኑ ዅሎም ኣገልገልትኻ ኣሕፈርካዮም። 6ነቶም ዝፀልኡኻ ብምፍታውካን፥ ነቶም ዝፈትዉኻ ድማ ብምፅላእኻን፥ ነቶም ሓሻኽርካ ኣሕሉቕን ግዲ ኸም ዘይብልካ፥ ሎሚ ኣፍለጥካ። ኣቤሴሎም ብህይወቱ እንተ ዝህሉ፥ ንሕና ዅልና ግና ሎሚ እንተንመውት፥ ዝሐሸ ኾይኑ ኸም ዝረአየካ፥ ሕዚ ፈለጥኩ። 7ሕዚ ኸዓ፥ ተሲእካ ውፃእሞ፥ ንሓሻኽርካ ኣተባብዕ። እንተ ዘይወፂእኻ ግና፥ በዛ ለይቲ እዚኣ ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኸም ዘየሓድር፥ ብእግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ካብቲ ብንእስነትካ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ዝበፅሐካ ኽፉእ ድማ፥ እዙይ ዝገደደ እዩ” በሎ።
8ሽዑ ንጉስ ተሲኡ ኣብ ደገ ተቐመጠ። “እንሆ፥ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ” ኢሎም ድማ ንዅሉ ህዝቢ ነገርዎ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ናብ ቅድሚ ንጉስ መፀ።
ዳዊት ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝተመለሰ
እስራኤል ግና፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሃዲሙ ነበረ። 9ኣብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ “እዝ ንጉስ ካብ ኢድ ፀላእትና ኣውፅአና፥ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንውን ኣድሓነና፤ ሕዚ ኸዓ ብሰንኪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሃዲሙ ኣሎ። 10እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞተ። ሕዚ ኸዓ፥ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለ ምንታይ ስቕ እትብሉ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተኻትዑ።
11ንጉስ ዳዊት ድማ ነቶም ካህናት፥ ሳዶቅን ኣብያታርን፥ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸሎም፤ “ንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዙይ ኢልኩም ተዛረብዎም፦ ‘ዘረባ ዅሉ እስራኤል ናባይ በፂሑ ሰሚዐዮ እየ፤ ስለ ምንታይከ ንስኻትኩም ንኣይ ናብ ቤተ መንግስተይ ንምምላስ ድሕሪ ዅሉ እትኾኑ? 12ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ዓፅመይን ስጋይን ኢኹም። ስለ ምንታይ ንምምላሰይ ድሕሪ ዅሉ እትኾኑ?’ 13ንኣሜሳይ ከምዙይ በልዎ፦ ‘ንስኻስ ዓፅመይን ስጋይን ኢኻ፤ ንስኻ ኽንዲ ኢዮኣብ ንዅልሻዕ ሓለቓ ሰራዊት ከም ዝገብረካ ብስም ኣምላኽ እምሕል ኣለኹ።’ ”
14ከም ልቢ ሓደ ሰብ ገይሩ ኸዓ ንልቢ ዅሎም ሰብ ይሁዳ ናብኡ መለሰ። ናብ ንጉስ ከዓ “ንስኻን ኵሎም ሓሻኽርካን ተመለሱ” ኢሎም ለኣኹ። 15ሽዑ ንጉስ ተመሊሱ ናብ ዮርዳኖስ መፀ። ሰብ ይሁዳ ድማ ኸይዶም ንንጉስ ተቐቢሎም ፈለግ ዮርዳኖስ ከሳግርዎ ናብ ጌልገላ መፁ። 16ሳሚ፥ ወዲ ጌራ ብንያማዊ በዓል ባሑሪም ድማ ምስ ሰብ ይሁዳ ኾይኑ ንንጉስ ዳዊት ክቕበሎ ቐልጢፉ ወረደ። #2 ሳሙ. 16፡5-13። 17ካብ ነገድ ብንያም ከዓ ሽሕ ሰብኡት ምስኡ ነበሩ። ሲባ ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ድማ፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ደቁን ዕስራ ኣገልገልቱን ሒዙ መፀ። ኵላቶም ከዓ ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ናብ ዮርዳኖስ መፁ። 18ንስድራ ንጉስ ከሳግሩን፥ ነቲ ንጉስ ዘድልዮ ኽገብሩሉን ነቲ ሩባ ተሳገሩ።
ሳሚ ወዲ ጌራ ኸዓ፥ ንጉስ ንዮርዳኖስ ክሳገር እንተሎ፥ ኣብ ቅድሚኡ ወዲቑ ሰገደሉ። 19ንንጉስ ድማ፦ “ጐይታይ! ነቲ በደለይ ይቕረ በለለይ፤ በታ ጐይታይ ካብ ኢየሩሳሌም ዝወፃእኻላ መዓልቲ ነቲ ኣነ ኣገልጋሊኻ ዝበደልኩኻ ኣይትዘክሮ፤ ኣብ ልብኻውን ኣይተሕድሮ። 20ኣነ ኣገልጋሊኻ ኸም ዝበደልኩኻ እፈልጥ ኣለኹ። እንሆ ኸዓ፥ ሎሚ ቕድሚ ዅላ ቤት ዮሴፍ ወሪደ፥ ንጐይታይ ንጉስ ክቕበል መፂአ ኣለኹ” በሎ።
21ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ግና “ሳሚ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ረጊሙ እዩ እሞ፥ ክመውት እዩ ዝግብኦ” ኢሉ ተዛረበ።
22ዳዊት ድማ “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ስለ ምንታይ ትፃረሩኒ? ምሳኻትኩምከ እንታይ ኣለኒ? ሎሚ ኣብ እስራኤል ኣነ እየ ንጉስ፤ ሎሚ ኸዓ ኣብ እስራኤል ሰብ ብሞት ኣይቕፃዕን እዩ?” በሎም። 23ንጉስ ከዓ ንሳሚ “ኣይትመውትን ኢኻ” ኢሉ መሓለሉ።
ዳዊት ንሜምፊቦስቴ ኸም ዝመሓሮ
24ሜምፊቦስቴ ወዲ ወዱ ንሳኦልውን ንንጉስ ክቕበሎ ወሪዱ ነበረ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም ዝተመለሰላ መዓልቲ እግሩ ኣይሓፀበን ጭሕሙውን ኣይላፀየን፤ ክዳኑውን ኣይሓፀበን ነበረ። #2 ሳሙ. 9፡1-13፥ 16፡1፥ 1፡4። 25ንንጉስ ክቕበሎ ኻብ ኢየሩሳሌም ምስ ወፀ ኸዓ፥ ንጉስ፦ “ኣታ ሜምፊቦስቴ፥ ስለ ምንታይ ምሳይ ዘይኸድካ?” በሎ።
26ንሱ ድማ “ጐይታይ ንጉስ፥ ኣነ ሓሽከርካ ሓንካስ እየ እሞ፥ ኣድጊ ፅዒነ ተቐሚጠ ምስ ንጉስ ክኸይድ ሓሲበ ነበርኩ፤ ግና ሲባ ሓሽከረይ ኣታለለኒ። 27ንሱ ኣባኻ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ሓስዩ ኣባኣሰኒ። ጐይታይ ንጉስ ግና ኸም መልኣኽ እግዚኣብሄር ኢኻ እሞ፥ ደስ ዝበለካ ግበር። 28ኵላ ቤት ኣቦይ ብዘይ ሞት ካልእ ኣይግብኣን ነበረ፤ ንስኻ ግና ጐይታይ ንጉስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑ ኣቐመጥካኒ። ድሕሪ ደጊምከ እንታይ መሰል ኣለኒ? ደጊምከ ኣብ ንጉስ እንታይ ኢለ ኽጠርዕ?” በለ።
29እቲ ንጉስ ከዓ፦ “ነቲ ርስቲ ሳኦል ንስኻን ሲባን ተማቐልዎ ኢለ እየ፤ ብዛዕባ ኻልእ ነገር ግና መሊስካ ኣይትዛረብ” በሎ።
30ሜምፊቦስቴ ድማ ንንጉስ፥ “እንኳዕ ደኣ ጐይታይ ንጉስ ብደሓን ናብ ገዛኻ ተመለስካ እምበር ኵሉውን ይውሰዶ” በሎ።
31ቤርዜሊ በዓል ገለዓድ ከዓ ሮግሊም ካብ ዝበሃል ቦታ ወሪዱ ኽሳዕ ሰገር ዮርዳኖስ ከፋንዎ ኢሉ ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ተሳገረ። #2 ሳሙ. 17፡27-29። 32ቤርዜሊ ወዲ ሰማንያ ዓመት ነበረ። እምብዛ ድማ ሸምጊሉ ነበረ። የመና ሃብታም ነበረ እሞ፥ ንንጉስ ኣብ መሓናይም እንተሎ ይቕልቦ ነበረ። 33ንጉስ ከዓ ንቤርዜሊ “ንስኻ ምሳይ ናብ ኢየሩሳሌም ተሳገር እሞ፥ ዘድልየካ ዅሉ ኽገብረልካ እየ” በሎ።
34ቤርዜሊ ግና ንንጉስ “ምሳኻ ናብ ኢየሩሳሌም ዝድይብስ ክንደይ ዓመትዶ ተሪፉኒ እዩ? 35ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ፤ ኣብ መንጎ ፅቡቕን ክፉእን ክፈሊ ኣይክእልን እየ፤ ጣዕሚ ዝበልዖ ኾነ ዝሰትዮ ኣይፈልጥን እየ፤ ድምፂ ዝደርፉን ዝደርፋን ኣይሰምዕን እየ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ኣገልጋሊኻ ንጐይታይ ንጉስ ሸኽሚ ዝኾነካ? 36እዝ ዅሉ ሞሳውን ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። ግና ዮርዳኖስ ክሳዕ እትሳገር ቁሩብ ከፋንወካ። 37ሽዑ ኣብቲ መቓብር ኣቦይን እኖይን ዘለዎ፥ ኣብ ከተማይ ክመውት ንኣይ ንሓሽከርካ ኽምለስ ፍቐደለይ። ወደይ ከመዓም ግና፥ ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገር፤ ንእኡ ደስ ዝበለካ ግበረሉ” በሎ።
38ንጉስ ከዓ “እምበኣር ከመዓም ምሳይ ይሳገር፤ ንኣኻ ደስ ዘብለካ ድማ ኽገብረሉ እየ፤ ንኣኻውን ኵሉ ኻባይ እትደልዮ ኽገብረልካ እየ” በሎ።
39ንጉስን ኵሉ እቲ ህዝብን ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገረ፤ ንጉስ ድማ ንቤርዜሊ ስዒሙ መረቖ። ቤርዜሊ ከዓ ናብ ቦታኡ ተመለሰ።
ቤት ይሁዳን ቤት እስራኤልን ከም ዝተኸራኸሩ
40ንጉስ ከዓ ናብ ጌልገላ ተሳገረ፤ ከመዓምውን ምስኡ ተሳገረ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ፈረቓ ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ድማ ንንጉስ ኣሳገርዎ።
41እንሆ ድማ፥ ኵሎም ሰብ እስራኤል ናብ ንጉስ መፂኦም፥ “ጐይታይ ንጉስ፥ ስለ ምንታይ እዮም እዞም ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ንኣኻን ንስድራኻን ንዅሎም ሓሻኽርካን እንተይነገሩና ንዮርዳኖስ ዘሳገሩኹም?” በልዎ።
42ኵሎም ሰብ ይሁዳ ኸዓ ንሰብ እስራኤል፥ “ንጉስ ንኣና ስለ ዝቐርብ ኢና፥ ስለ ምንታይ ኢኹም በዝ ነገር እዙይ እትዅርዩ? ኻብ ንጉስዶ ዝኾነ ብላዕ በሊዕና ኢና? ወይ ዝኾነ ውህብቶዶ ሂቡና እዩ?” ኢሎም መለሱሎም።
43እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብ ይሁዳ፥ “እቲ ንጉስ ንኣና ብዓሰርተ ኢድ ይቐርበና፤ ኣብ ዳዊትውን ካባኻትኩም ዝበለፀ መሰል ኣለና፤ ስለ ምንታይከ ነዓቕኩምና? ንንጉስ ‘ንምለሶ’ ኢልና ቕድም ዝተዛረብናስ ንሕናዶ ኣይኮንናን?” ኢሎም መለሱሎም፤ ግና ኻብ ዘረባ ሰብ እስራኤልስ ዘረባ ሰብ ይሁዳ ደኣ ረዘነ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in