2ይ ሳሙኤል 12
12
ናታን ንዳዊት ከም ዝገሰፆ
1እግዚኣብሄር ድማ ንናታን ናብ ዳዊት ለኣኾ። ናታን ከዓ ናብ ዳዊት ኣትዩ “ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኡት ነበሩ። እቲ ሓደ ሃብታም ነበረ፤ እቲ ሓደ ድማ ድኻ ነበረ። #መዝ. 51፡1። 2እቲ ሃብታም እምብዛ ብዙሓት ኣባጊዕን ከፍትን ነበራኦ። 3እቲ ድኻ ግና ብዘይ እታ ዝዓደጋ ሓንቲ ንእሽተይ በጊዕ፥ ካልእ ኣይነበሮን። ንሱ ኣዕበያ፤ ኣብ ገዛኡውን ምስ ደቁ ብሓደ ዓበየት፤ ካብ ቍራሱ ትበልዕ፤ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲ፤ ኣብ ሕቝፉውን ትድቅስ ነበረት። ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት።
4“ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ጋሻ መፆ። ነቲ ጋሻ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣላሕሙን ወሲዱ ምግቢ ኸየዳልወሉ ነፈገ። ግና ነታ ናይቲ ድኻ በጊዕ ወሲዱ ነቲ ዝመፆ ጋሻ ሓሪዱ ኣዳለወሉ” በሎ።
5ሽዑ ዳዊት የመና ተቘጥዐ፤ ንናታን ከዓ “ብህያው እግዚኣብሄር! እቲ እዙይ ዝገበረ ሰብ ወዲ ሞት እዩ። 6እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበረን፥ ርህራሀውን ስለ ዘይነበሮን፥ ክንዲ እታ ዝወሰዳ በጊዕ ኣርባዕተ ገይሩ ይኽሓስ” በሎ።
7ሽዑ ናታን ንዳዊት “እቲ ሰብኣይ እቱይ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ኣነ ቐባእኹኻ፤ ካብ ኢድ ሳኦልውን ኣድሓንኩኻ። 8መንግስቲ ሳኦል ሃብኩኻ፤ ኣንስቱውን ኣብ ሕቝፍኻ ኣንበርኩልካ፤ ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ከዓ ኣንገስኩኻ፤ እዙይ ውሒዱ እንተ ዝኸውን ድማ ኸምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ። 9ስለ ምንታይ ኢኻ እቲ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ዝኾነ ኽትገብር ቃለይ ዝነዓቕካ? ነቲ ኬጢያዊ ኦርዮ ብሰይፊ ቐቲልካስ፥ ንሰበይቱ ንኣኻ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሲድካያ። ንእኡ ኸዓ ብሰይፊ ደቂ ኣሞን ቀተልካዮ። 10እምበኣር ስለ ዝነዓቕካኒ፥ ንሰበይቲ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ ድማ ሰበይትኻ ኽትከውን ስለ ዝወሰድካያ፥ ካብ ገዛኻ ሰይፊ ኣይርሕቕን እዩ።’
11“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ካብ ገዛኻ ክፉእ ከተስአልካ እየ። ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ነንስትኻ ወሲደ ንብፃይካ ኽህበን እየ። ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እዛ ፀሓይ እዚኣ ምስተን ኣንስትኻ ኽድቅስ እዩ። #2 ሳሙ. 16፡22። 12ንስኻ ብስዉር ጌርካዮ ኢኻ እሞ፥ ኣነ ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ፀሓይን ክገብሮ እየ’ ይብል ኣሎ” በሎ።
13ሽዑ ዳዊት ንናታን “ንእግዚኣብሄር በዲለ እየ” በሎ። ናታን ድማ ንዳዊት፦ “እግዚኣብሄር ከዓ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ፤ ኣይትመውትን ኢኻ። 14ግና በዝ ነገር እዙይ ነቶም ፀላእቲ እግዚኣብሄር ግሁድ መላገፂ ስለ ዝሃብካዮም እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ኽመውት እዩ” በሎ።
15ናታን ናብ ቤቱ ምስ ተመለሰ፥ ነቲ ሰበይቲ ኦርዮ ንዳዊት ዝወለደትሉ ቘልዓ፥ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ከቢድ ሕማምውን ሓሚሙ ነበረ። 16ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቘልዓ ናብ እግዚኣብሄር ለመነ፤ ዳዊትውን ፆመ፤ ኣትዩ ድማ ኣብ መሬት ደቀሰ። 17እቶም ዓበይቲ ቤቱ ኸዓ፥ ተልዒሎም ካብ መሬት ከተስእዎ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው በሉ። ንሱ ግና ኣበየ፤ ምስኣቶምውን እንጀራ ኣይበልዐን።
18በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ እቲ ህፃን ሞተ፤ እቶም ሹመኛታት ዳዊት ከዓ “እንሆ፥ እቲ ህፃን ብህይወቱ እንተሎ ተዛሪብናዮ እኳ ቓልና ዘይሰምዐስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ‘እቲ ህፃን ሞይቱ’ ኽንብሎ ኢና? ኣብ ባዕሉ ጕድኣት እንተብፅሐኸ?” በሉ። ስለዙይ እቲ ህፃን ከም ዝሞተ ኸይነግርዎ ፈርሑ።
19ዳዊት ግና እቶም ሹመኛታቱ ንስንሳቶም ሕሹዅሹዅ እንትብሉ ምስ ረአየ እቲ ህፃን ከም ዝሞተ ፈለጠ። ዳዊት ከዓ ነቶም ሹመኛታቱ “እቲ ህፃንዶ ሞይቱ እዩ?” በሎም።
ንሳቶም ድማ “እወ፥ ሞይቱ”። በልዎ።
20ሽዑ ዳዊት ካብ መሬት ተሲኡ፥ ተሓፂቡን ተቐቢኡን፥ ክዳውንቱ ለወጠ፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ ኸዓ ሰገደ። ናብ ቤቱ መፂኡውን ዝብላዕ ኣዘዘ፤ ምስ ኣቕረቡሉ ድማ በልዐ።
21ሽዑ እቶም ሓሻኽሩ “እዝ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ? እቲ ህፃን ብህይወቱ እንተሎ ምእንታኡ ፆምካን በኸኻን፤ እቲ ህፃን ምስ ሞተ ግና ተሲእካ እንጀራ በሊዕኻ” በልዎ።
22ንሱ ኸዓ “መን ይፈልጥ እግዚኣብሄር እንተ መሓረኒሞ፥ እቲ ህፃን ድማ እንተ ሓወየ፥ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፥ እቲ ህፃን ገና ብህይወቱ እንተሎ፥ ፆምኩን በኸኹን። 23ሕዚ ግና ሞይቱ እዩ፤ ንምንታይ ኢለ ደኣ ኽፀውም? ደጊምዶ ኽመልሶ ይከኣለኒ እዩ? ኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፥ ንሱስ ናባይ ኣይምለስን እዩ” በሎም።
24ዳዊት ድማ ንሰበይቱ ቤርሳቤህ ኣፀናንዓ፤ ናብኣውን ኣተወ፤ ምስኣ ድማ ደቀሰ፤ ወዲ ኸዓ ወለደት፤ ስሙውን ሰሎሞን ኢሉ ሰመዮ፤ እግዚኣብሄር ድማ ፈተዎ። 25ብነቢይ ናታን ልኢኹ ምእንቲ እግዚኣብሄር፥ ይዲድያ ኢሉ ሰመዮ።
ዳዊት ንኸተማ ረባት ኸም ዝሓዛ
(1 ዜና. 20፡1-3)
26ኢዮኣብ ከዓ ኣብ ራሞት ምስ ደቂ ኣሞን ተዋጊኡ ነታ ርእሲ ኸተማ ንጉስ ሓዛ። 27ኢዮኣብ ድማ ናብ ዳዊት ልኡኽ ሰዲዱ፥ “ንረባት ተዋጊአያ፤ ንማይ እታ ኸተማውን ሒዘዮ። 28ሕዚ ኸዓ፥ ነዛ ኸተማ ኣነ ምእንቲ ኸይሕዛ እሞ ብስመይ ከይትፅዋዕስ፥ ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣኽቲትካ ኽበባሞ ሓዛ” ኢሉ ልኡካት ለአኸ።
29ዳዊት ከዓ ንዅሉ ህዝቢ ኣኽቲቱ ናብ ረባት ኸደ እሞ፥ ተዋጊኡ ሓዛ። 30ንዘውዲ ንጉሶም ከዓ ኻብ ርእሱ ወሰዶ፤ ሚዛኑ ድማ ሰላሳን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ወርቂ ነበረ፤ ክቡር ኣዕናቝውን ነበሮ፤ ዳዊት ድማ ኣብ ርእሱ ገበሮ። ካብታ ኸተማ ኸዓ የመና ብዙሕ ምርኮ ኣውፅአ። 31ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢ እውን ኣውፂኡ ብመጋዝን ብመዅዓቲ ሓፂንን ብምሳርን ከም ዝሰርሑ ገበሮም፤ ጡብ ክሰርሑ ኸዓ ኣገደዶም። ንዅለን ከተማታት ደቂ ኣሞን ድማ ኸምኡ ገበረን። ድሕሪዙይ ዳዊትን ኵሉ እቲ ህዝብን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: