YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ሳሙኤል 11

11
ዳዊትን ቤርሳቤህን
1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ንዓመታኡ ኸዓ በቲ ነገስታት ንውግእ ዝወፁሉ ጊዜ፥ ዳዊት ንኢዮኣብ ምስቶም ሹመኛታቱን ምስ ዅሉ እስራኤልን ሰደዶ። ንሃገር ደቂ ኣሞን ኣጥፊኦም ድማ ንረባት ኸበብዋ። ዳዊት ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ተሪፉ ነበረ። #1 ዜና. 20፡1።
2ሓደ መዓልቲ ኣጋ ምሸት፥ ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተሲኡ ኣብ ሰገነት ቤተ መንግስቱ ይመላለስ ነበረ። ኣብ ሰገነቱ እንተሎ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕፀብ እንተላ ረአያ፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ትርኢታ የመና ፅቡቕ ነበረ። 3ዳዊት ድማ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ጠየቐ፤ እቲ ልኡኽ ከዓ “እዚኣስ ቤርሳቤህ ጓል ኤልያብ፥ ሰበይቲ እቲ ኬጢያዊ ኦርዮዶ ኣይኮነትን?” በሎ። 4ዳዊት ድማ ልኡኻት ሰዲዱ ኣምፅኣ፤ ናብኡውን ኣተወት፤ ካብ ፅጌኣ ዝነፅሀትሉ ጊዜ ነበረ እሞ፥ ምስ ተራኸባ ናብ ቤታ ተመለሰት፤ ጠነሰትውን። 5ናብ ዳዊት ድማ “ጠኒሰ እየ” ኢላ ለኣኸትሉ።
6ሽዑ ዳዊት “ንኦርዮ ኬጢያዊ ስደደለይ” ኢሉ ንኢዮኣብ ለኣኸሉ። ኢዮኣብ ከዓ ንኦርዮ ናብ ዳዊት ሰደዶ። 7ኦርዮ ናብኡ ምስ መፀ ድማ ዳዊት፥ ሃለዋት ኢዮኣብን እቶም ሰራዊት ከመይ ከም ዘለዉን ኵነታት እቲ ውግእን ጠየቖ። 8ዳዊት ከዓ ንኦርዮ “እምበኣር ናብ ገዛኻ ውረድ፤ እግርኻውን ተሓፀብ” በሎ። ኦርዮ ድማ ኻብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ንጉስ ከዓ ደድሕሪኡ ዝተመረፀ ምግቢ ኣስዓበሉ። 9ኦርዮ ግና ምስ ኵሎም ኣገልገልቲ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ ደቀሰ እምበር ናብ ቤቱ ኣይወረደን።
10ንዳዊት “ኦርዮ ናብ ቤቱ ኣይወረደን” ኢሎም ምስ ነገርዎ ድማ፥ ዳዊት ንኦርዮ “ንስኻ ኻብ በረኻ መፂእኻ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ናብ ገዛኻ ዘይኸድካ?” በሎ።
11ኦርዮ ኸዓ ንዳዊት “ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ኣብ ውግእ ኣለዉ፥ ታቦት ኪዳን ከዓ ምስኣቶም ኣሎ፥ ጐይታይ ኢዮኣብን ሓሻኽር ጐይታይን ድማ ኣብ ዓውዲ ውግእ እናሃለዉ፥ ሕዚዶ ኣነ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክሓድርን ኢለ ናብ ገዛይ ክኣቱ ኾይነ? ነዝ ነገር እዙይ ከም ዘይገብሮ ብህይወትካ እምሕል ኣለኹ” በሎ።
12ዳዊት ከዓ ንኦርዮ “ሎሚውን እምበኣር ኣብዙይ ፅናሕሞ፥ ፅባሕ ኽሰደካ እየ” በሎ። ኦርዮ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣን ብፅባሒታን ኣብ ኢየሩሳሌም ፀንሐ። 13ዳዊት ንኦርዮ ፀውዖሞ፥ ኣብ ቅድሚኡ በልዐን ሰተየን፤ ክሳዕ ዝሰክርውን ኣስተዮ። ምስ መሰየ ግና ምስቶም ኣገልገልቲ ጐይታኡ ኣብ መንፀፉ ደቀሰ፤ ናብ ገዛኡ ኣይወረደን።
14ንፅባሒቱ ንግሆ ድማ ዳዊት ንኢዮኣብ መልእኽቲ ፅሒፉ፥ ብኢድ ኦርዮ ሰደደሉ። 15ኣብታ መልእኽቲ ኸዓ “ንኦርዮ ናብቲ ብርቱዕ ውግእ፥ ኣብ ቀዳማይ ሰልፊ ኣእትውዎ፥ ተወጊኡ ምእንቲ ኽመውት ከዓ ሓዲግኩምዎ ህደሙ” ኢሉ ፀሓፈ።
16ኢዮኣብ ድማ ነታ ኸተማ ምስ ከበባ፥ ንኦርዮ ናብታ ብርቱዓት ተዋጋእቲ ፀላኢ ኣለዉዋ ኣብ ዝበላ ቦታ ኣሰለፎ። 17ሰብ እታ ኸተማ ኸዓ ወፂኦም ንኢዮኣብ ተዋግእዎ። ካብ ሰራዊት ዳዊት ድማ ውሑዳት ወደቑ፤ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊውን ኣብኡ ሞተ።
18ሽዑ ኢዮኣብ ብዛዕባ ኵሉ ዅነታት እቲ ውግእ ንዳዊት ለኣኸሉ። 19ነቲ ልኡኽ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኵሉ ዅነታት እቲ ውግእ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእኻ፥ 20ንጉስ ኰርዩ ‘ስለ ምንታይከ ኽትዋግኡ ኢልኩም ናብታ ኸተማ ቐረብኩም? ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ቀስቲ ኸም ዝውርውሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? 21እቲ ኣብ ቴቤፅ ዝሞተ ኣቢሜሌክ ወዲ የሩበሼት መን ድዩ ዝቐተሎ? ሰበይቲዶ ኣይኮነትን ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ዝደርበየትሉ? ስለ ምንታይ ናብ መንደቕ ቀረብኩም?’ እንተበለካ፥ ሽዑ ንስኻ፦ ‘ኣገልጋሊኻ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ ኸዓ ሞይቱ’ በሎ።” #መሳ. 9፡53።
22እቲ ልኡኽ ድማ ኸይዱ ዅሉ እቲ ኢዮኣብ ዝለኣኾ ንዳዊት ነገሮ። 23እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊት “እቶም ሰባት በርቲዖምናስ ናባና ናብ ሜዳ ወፁ፤ ንሕና ኸዓ ኽሳዕ እቲ ኣፍ ደገ ደፋእናዮም። 24እቶም ወርወርቲ ድማ ንኣገልገልትኻ ኻብ ልዕሊ መንደቕ ቀስቲ ወርወሩሎም፤ ካብቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት ንጉስ ከዓ ሞቱ፤ ኣገልጋሊኻ ኦርዮ፥ እቲ ኬጢያዊ፥ ድማ ሞይቱ” በሎ።
25ሽዑ ዳዊት ነቲ ልኡኽ “ንኢዮኣብ ‘ኲናት ሓንሳእ ነዙይ፥ ሓንሳእ ከዓ ነቱይ እዩ ዘጥፍእ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ኣየጨንቕካ፤ ነታ ኸተማ ኣፅኒዕኻ ተዋግኣያ፤ ኣፍርሳውን’ ኢልካ ኣተባብዓዮ” በሎ።
26ሰበይቲ ኦርዮ ኸዓ፥ ኦርዮ ሰብኣያ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት፥ ንሰብኣያ በኸየትሉ። 27መዋእል ሓዘና ምስ ሓለፈ ድማ፥ ዳዊት ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቱ ወሰዳ። ሰበይቱ ኸዓ ኾነት፤ ወዲውን ወለደትሉ። ግና እዝ ዅሉ ዳዊት ዝገበሮ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኮነ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in