2ይ ነገስት 15
15
ኡዝያ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 26፡1-23)
1ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመቱ ኣዛርያስ ወዲ ኣሜስያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። 2ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ፤ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገዝአ። እኖኡ ኸዓ የኮልያ እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት። 3ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ኣሜስያስ ዝገበሮ፥ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። 4ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖት ዘምልኹሉ ስለ ዘየፍረሶ፥ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ኣብ ዘለዉ መስገዲታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
5እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ኣዛርያስ ቀሰፎ፤ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ ለምፃም ኮነ። ኣብ ፍሉይ ቤትውን ይቕመጥ ነበረ። ኢዮኣታም ወዲ ንጉስ ድማ ኽንዲ እቲ ንጉስ ኮይኑ ንህዝቢ እታ ሃገር የመሓድር ነበረ።
6እቲ ዝተረፈ ናይ ኣዛርያስ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 7ኣዛርያስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ኢዮኣታም ወዱ ነገሰ። #ኢሳ. 6፡1።
ዘካርያስ ንጉስ እስራኤል
8ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሸሞንተን ዓመቱ፥ ዘካርያስ ወዲ ኢዮርብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ሽዱሽተ ወርሒ ኸዓ ገዝአ። 9ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።
10ሰሎም ወዲ ኢያቢስ ድማ ተማሓሓለሉሞ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ወቒዑ ቐተሎ፤ ክንድኡ ኸዓ ነገሰ። 11እቲ ዝተረፈ ናይ ዘካርያስ ነገር፤ እንሆ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 12እቲ እግዚኣብሄር ንኢዩ “ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ትውልዲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም” ኢሉ ኣተስፍይዎ ዝነበረ ቓል እዙይ ነበረ፤ ከምኡ ኸዓ ኾነ። #2 ነገ. 10፡30።
ሰሎም ንጉስ እስራኤል
13ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ፥ ሰሎም ወዲ ኢያቢስ ኣብ እስራኤል ነገሰ፤ ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ድማ ሓንቲ ወርሒ ገዝአ። 14ምናሔም ወዲ ጋዲ ኸዓ ኻብ ቴርሳ ናብ ሰማርያ ደዪቡ፥ ንሰሎም ወዲ ኢያቢስ ኣብ ሰማርያ ወቒዑ ቐተሎ፤ ክንድኡውን ነገሰ።
15እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎም ነገርን እቲ ዝተመሓሓሎ ዓመፅን ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ።
16ሽዑ ምናሔም ንቲፍሳ ኽዋግኣ ኻብ ቴርሳ ምስ መፀ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ ክኸፍቱ ኣይደለዩንሞ፥ ንሱ ኸዓ ነታ ኸተማ ወቕዓ፤ ነተን ኣብኣ ዝነበራ ጥኑሳት ከዓ ኸብደን ቀደደን።
ምናሔም ንጉስ እስራኤል
17ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ፥ ምናሔም ወዲ ጋዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ዓሰርተ ዓመት ገዝአ። 18ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።
19ፎሓ ንጉስ ኣሶር ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ወፀ። ምናሔም ከዓ ነታ መንግስቱ ኣብ ኢዱ ንኸፅንዐሉ ኢድ ፎሓ ምስኡ ንክኸውን፥ ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር ሃቦ። 20እዝ ብሩር እዙይ ካብቶም ሃብታማት እስራኤል፥ ካብ ነፍሲ ወከፎም ሓምሳ ቕርሺ ብሩር ኣገዲዱ ዝኣከቦ እዩ። ንጉስ ኣሶር ከዓ ናብ ሃገሩ ተመለሰ፤ ኣብታ ሃገርውን ኣይተቐመጠን።
21እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሔም ነገርን ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 22ምናሔም ድማ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ፋቂስያስ ነገሰ።
ፋቂስያስ ንጉስ እስራኤል
23ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመቱ፥ ፋቂስያስ ወዲ ምናሔም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ኽልተ ዓመት ገዝአ። 24ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን፤ 25ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ሓለቓ ሰራዊቱ፥ ንፋቂስያስ ተመሓሓለሉ። ካብ ገለዓድ ሓምሳ ሰብ ምስኡ ወሲዱ ድማ ኣብ ሰማርያ ኣብ ዕርዲ ቤተ መንግስቲ ቐተሎ። ምስኡ ድማ ንኣርጎብን ኣርያን ቀተሎም። ክንድኡ ኸዓ ነገሰ።
26እቲ ዝተረፈ ናይ ፋቂስያስ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
ፋቁሔ ንጉስ እስራኤል
27ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሓምሳን ክልተን ዓመቱ፥ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ዕስራ ዓመት ገዝአ። 28ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።
29ብዘመን ፋቁሔ ንጉስ እስራኤል፥ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክወርር መፀ። ንኸተማታት ዒዮንን ኣቤልቤትማዓካን ኢያኖክን ቃዴስን ሓፆርን ሓዘን። ከምኡውን ንምድሪ ገለዓድን ንምድሪ ገሊላን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ሓዘን። ንህዝበን ማሪኹ ኸዓ ናብ ኣሶር ወሰዶም። 30ኢዮኣታም ወዲ ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፤ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ንፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ሻራ ገበረሉ። ወቒዑ ምስ ቀተሎ ድማ ኽንድኡ ነገሰ።
31እቲ ዝተረፈ ናይ ፋቁሔ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
ኢዮኣታም ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 27፡1-9)
32ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ ኢዮኣታም ወዲ ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። 33ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ኢየሩሳ እትበሃል ጓል ሳዶቅ ነበረት። 34ኢዮኣታም ከምቲ ኣቦኡ ዖዝያ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ። 35ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዝምለኸሉ ኣየወገዶን ነበረ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ገና ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። ንሱ ነቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐውን ኢዮኣታም ነበረ።
36እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣታም ነገርን፥ ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 37እግዚኣብሄር፥ ንረኣሶን ንጉስ ሶርያን ንፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ንጉስ እስራኤልን፥ ንይሁዳ ኽዋግእዋ ክሰዶም ጀመረ። 38ኢዮኣታም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ከዓ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።
Currently Selected:
2ይ ነገስት 15: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in