YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 13

13
ኢዮኣካዝ ንጉስ እስራኤል
1ኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ኢዮኣካዝ ወዲ ኢዩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፤ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ከዓ ገዝአ። 2ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ሓጢኣት ናይቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ተኸተለ፤ ካብኣውን ኣይረሓቐን። 3ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ። ብዅሉ እቲ ዘመን እቱይ ኣብ ኢድ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያን ኣብ ኢድ ወዱ ወልደ ኣዴርን ኣሕሊፉ ሃቦም።
4ኢዮኣካዝ ከዓ ንእግዚኣብሄር ለመነ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንጉስ ሶርያ ንእስራኤል ዘጨነቖም ጭንቀት ሪኡ ናይ ኢዮኣካዝ ፀሎት ሰምዐ። 5እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ሶርያውያን ዘድሕኖም መራሒውን ሃቦም፤ ካብ ኢድ ሶርያውያንውን ደሓኑ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸም ቀደሞም ኣብ ድንኳናቶም ተቐመጡ። 6ግና ብኣኣ ኸዱ እምበር፥ ካብቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ሓጢኣት ቤት ኢዮርብዓም ኣይረሓቑን። ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብ ሰማርያ ቖይማ ነበረት።
7እቲ ንጉስ ሶርያ ኣጥፊኡዎም ነበረሞ፥ ኣብ ዓውዲ ኸም ዘሎ ብቝቡቕ ኣድቂቑዎም ነበረሞ፥ ንኢዮኣካዝ እንትርፊ ሓምሳ ፈረሰኛን ዓሰርተ ሰረገላን ዓሰርተ ሽሕ ኣጋርን ካልእ ኣየትረፈሉን ነበረ።
8እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣካዝ ነገርን ኵሉ ዝገበሮ ጅግንነቱን ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 9ኢዮኣካዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ሰማርያውን ቀበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣስ ነገሰ።
ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል
10ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ከዓ ገዝአ። 11ኢዮኣስ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ከደ እምበር፥ ካብኣ ኣይርሓቐን።
12እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን እቲ ምስ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ዝተዋግአሉ ጅግንነቱን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 13ኢዮኣስ ሞተ፤ ምስ ነገስታት እስራኤል ከዓ ኣብ ሰማርያ ተቐበረ። ወዱ ኢዮርብዓም ድማ ኣብ ዙፋኑ ተቐመጠ።
ሞት ኤልሳዕ
14ኤልሳዕ ከዓ ዝሞተላ ሕማም ሓመመ፤ ክመውት ምስ ቀረበ ኸዓ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ናብኡ ወሪዱ “ኣቦይ! ኣቦይ! ናይ እስራኤል ሰረገላን ፈረሰኛታቱን” ኢሉ በኸየ። #2 ነገ. 2፡12።
15ኤልሳዕ ከዓ “ቀስትን ፍላፃታትን ውሰድ” በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላፃታትን ወሰደ። 16ነቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ “ክትውርውር ተዳሎ” በሎ። ንሱ ድማ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ኤልሳዕ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ንጉስ ገይሩ፥ 17“ነቲ ናይ ምብራቕ መስኮት ክፈቶ” በሎ። ንሱ ድማ ኸምኡ ገበረ። ኤልሳዕ ከዓ “ወርውር” በሎ። ምስ ወርወረ ድማ፥ ኤልሳዕ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ፍላፃ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ብኣኻ ገይሩ ንሶርያውያን ክስዕሮም እዩ፤ ክሳዕ እትስዕሮም ከዓ ኣብ ኣፌቅ ክትዋግኦም ኢኻ” በሎ።
18መሊሱ “ካልእ ፍላፃታት ኣልዕል እሞ ንምድሪ ውቕዓያ” በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ሰለስተ ሻዕ ወቒዑ ደው በለ። 19ሽዑ ኤልሳዕ ኰረየሉ እሞ “ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሻዕ ወቒዕካያ እንተ እትኸውን ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ምስዓርካዮም ኔርካ። ሕዚ ግና ሰለስተ ሻዕ ጥራሕ ክትስዕሮም ኢኻ” በሎ።
20ኤልሳዕ ሞተ እሞ ቐበርዎ። ዓመት ዓመት ከዓ ሓደጋ ዘብፅሑ ኻብ ሞኣብ ናብ ምድሪ እስራኤል ይመፁ ነበሩ። 21ሓደ እዋን ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ክቐብሩ እንተለዉ፥ እንሆ፥ እቶም ሓደጋ ዘብፅሑ ተርኣዩ፤ እቶም ቀባሮ ድማ ነቲ ሬሳ ናብቲ መቓብር ኤልሳዕ ደርበይዎ። እቲ ሬሳ ኸዓ ኣዕፅምቲ ኤልሳዕ ምስ ነኽአ፥ ሓወየ፤ በእጋሩ ድማ ደው በለ።
ውግእ እስራኤል ምስ ሶርያ
22ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ብዅሉ ዘመን ኢዮኣካዝ ንእስራኤል ኣጥቅዖም። 23እግዚኣብሄር ግና ይቕረ ኢሉ ራህርሀሎም፤ ስለ እቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳኑ ኢሉ ድማ ገፁ መለሰሎም እምበር ከጥፍኦም ኣይደለየን። ክሳዕ ሕዚ እውን ካብ ቅድሚኡ ኣየርሓቖምን።
24ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ወልደ ኣዴር ነገሰ። 25ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ድማ ንወልደ ኣዴር ሰለስተ ሻዕ ሰዓሮ፤ ነተን ኣዛሄል ብውግእ ካብ ኢድ ኣቦኡ ኢዮኣካዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ከዓ ኣምለሰን።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in