2ይ ነገስት 12
12
ኢዮኣስ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 24፡1-16)
1ኢዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ፤ ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ኣርብዓ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሳብያ እትበሃል በዓልቲ ቤርሳቤህ ነበረት። 2ኢዮኣስ ከምቲ ኻህን ዮዳሄ ዝመሃሮ፥ ብዅሉ ዘመኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። 3ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዘምልኹሉ ስለ ዘየወገደ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
4ኢዮኣስ ድማ ነቶም ካህናት “ኵሉ እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣቱ ዝተቐደሰ ገንዘብ፥ ስለ ነፍሱ ዋጋ ዘቕርቦ ገንዘብን፥ ብፍቓድ ልቦም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ ገንዘብን ኣክብዎ። እቲ ህዝቢ ኽቝፀር እንተሎ ዝኸፍሎ ገንዘብን፥ እቲ ሰብ ብመብፅዓን ብድልየቱን ዝኸፍሎ ገንዘብን ኣክብዎ። #ዘፀ. 30፡11-16። 5እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ዝተኣከበ ይውሰዱ፥ ንዝፈረሰ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ይፀግንዎ” በሎም።
6ይኹን እምበር እቶም ካህናት ክሳዕ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ንንጉስ ኢዮኣስ ነቲ ቤተ መቕደስ ኣይፀገንዎን ነበሩ። 7ሽዑ ንጉስ ኢዮኣስ ብዛዕባኡን ዮዳሄን ነቶም ካልኦት ካህናትን ፀዊዑ “ስለ ምንታይ ኢኹም ነዛ ቤተ መቕደስ ዘይፀገንኩምዋ? ሕዚ ኸዓ እቲ ንመፀገኒ ቤተ መቕደስ ዝተቐበልኩምዎ ገንዘብ ኣምፅእዎ እምበር ኣባኻትኩም ኣይቀመጥ” በሎም። 8እቶም ካህናት ድማ ኻብቲ ህዝቢ ገንዘብ ከይወስዱ፥ ነቲ ዝፈረሰ ወገን ቤተ መቕደስ ከዓ ኸይፅግኑ ተሰማምዑ።
9ዮዳሄ ግና ሓደ ሳፁን ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረሉ፤ ኣብ ጥቓ መሰውኢ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር መእተዊ ብወገን የማን ኣንበሮ። እቶም በሪ ዝሕልዉ ኻህናት ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ዅሉ ገንዘብ ናብኡ ኣእተውዎ። 10ኣብቲ ሳፁን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረአዩ፥ ናይ ንጉስ ፀሓፍን እቲ ሊቀ ካህናትን ከይዶም፥ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ገንዘብ ቈፂሮም ኣብ ከረጢት ኣሰርዎ። 11እቲ ዝተመዝነ ገንዘብ ድማ ነቶም ዝሰርሑ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ሃብዎም። ንሳቶም ከዓ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ፀረብቲ ዕንፀይትን ሃነፅትን፥ 12ነደቕትን ወቐርቲ እምንን ይኸፍሉሉ ነበሩ። ከምኡውን ንምፅጋን እታ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ዕንፀይትን ውቑር እምንን ይዕድጉሉ ነበሩ፤ ኵሉ ንምፅጋን እታ ቤተ መቕደስ ዝወፀ ገንዘብ ድማ ይኸፍሉሉ ነበሩ።
13-14እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ነቶም ዝሰርሑ ሃብዎም፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ፀገኑሉ እምበር፥ ካብኡስ ንቤት እግዚኣብሄር ዘድሊ ፃሕሊ ብሩር፥ መሳቐዪታት፥ ጭሐሎታት፥ መለኸት፥ ሓደ እኳ ኣቕሓ ወርቂ ወይ ኣቕሓ ብሩር ኣይዓደጉሉን። 15#2 ነገ. 22፡7። ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ፥ እቲ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ብእምነት ይሰርሕዎ ስለ ዝነበሩ፥ ዝቈፃፀሮም ኣይነበረን። 16እቲ ኽንዲ መስዋእቲ በደልን ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝኽፈል ገንዘብ ንኻህናት ደኣ ኾነ እምበር ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ሳፁን ኣይኣተወን። #ዘሌ. 7፡7።
17ሽዑ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ደየበ እሞ፥ ንጌት ተዋጊኡ ሓዛ። ንኢየሩሳሌም ክወግኣ ድማ ገፁ ኣቕንዐ። 18ኢዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ እቲ ኣቦታቱ ኢዮሳፍጥን ኢዮራምን ኣካዝ፥ ነገስታት ይሁዳ፥ ንእግዚኣብሄር ዝወፈይዎ ዅሉ ቅዱስ ነገርን ንሱ ዝወፈዮን፥ ኣብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤተ መንግስትን ዝተረኽበ ዅሉ ወርቂ ኣኪቡ፥ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ። ንሱ ኸዓ ንኢየሩሳሌም ሓዲጉዋ ተመለሰ።
19እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 20ንኢዮኣስ ድማ ኣገልገቱ ሻራ ገበሩሉ፤ ኣብታ ናብ ሲላ እተውርድ መንገዲ፥ ኣብ ቤት ሚሎውን ቀተልዎ። 21እቶም ዝቐተልዎ ሹመኛታቱ፥ ዮዘካር ወዲ ሰምዓትን ዮዛባት ወዲ ሾሜርን ይበሃሉ ነበሩ። ምስ ሞተ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሜስያስ ነገሰ።
Currently Selected:
2ይ ነገስት 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in