2ይ ነገስት 11
11
ጎቶልያ ንግስቲ ይሁዳ
(2 ዜና. 22፡10—23፡15)
1ጎቶልያ እኖ ኣካዝ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረአየት፥ ተሲኣ ንዅሉ ዘርኢ መንግስቲ ኣጥፍኣት። 2ግና ዮሳቤት ጓል ንጉስ ኢዮራም፥ ሓፍቲ ኣካዝ፥ ንኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ካብ ማእኸል እቶም ዝተቐትሉ ደቂ ንጉስ ኣምሊቛ ወሰደቶ እሞ፥ ንእኡን ንመጕዚቱን ናብ ሕልፍኚ ዓራት ኣእትያ ኻብ ቅድሚ ጎቶልያ ሓብአቶ፤ እንተይተቐተለ ድማ ተረፈ። 3ምስኣ ተሓቢኡ ኸዓ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሽዱሽተ ዓመት ተቐመጠ። ኣብታ ሃገር ድማ ጎቶልያ ነጊሳ ነበረት።
4በታ ሻውዐይቲ ዓመት ከዓ ኻህን ዮዳሄ ነቶም ኣዘዝቲ ሓለውቲ ንጉስን ሓለውቲ ቤተ መንግስትን ልኢኹ ኣምፅኦም፤ ናብኡ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎም፤ “ኪዳን እተዉለይ” ኢሉ ኸዓ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምሓሎም፤ ነቲ ወዲ ንጉስ ድማ ኣርኣዮም። 5ከምዙይ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ሓደ ሲሶ ኻብቶም ብሰንበት ስራሕ ዝኣትዉ፥ ቤተ መንግስቲ ይሓልዉ፤ 6ሓደ ሲሶ ድማ ነታ ሱር እትበሃል ደገ ይሓልዉ፤ እቶም ዝተረፉ ሓደ ሲሶ ኸዓ ብድሕሪ እቶም ነታ ቤተ መቕደስ በብተራ ዝሕልዉ ሓሻኽር ኮይኖም ይሓልዉዋ። 7እቶም ብሰንበት ዘዕርፉ ኽልተ ኽፍሊ ድማ ንንጉስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ይሓልውዎ። 8ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ ኣፅዋርኩም ኣብ ኢድኩም ሒዝኩም ንንጉስ ኢዮኣስ ብዙርያኡ ኽበብዎ። ነቲ ኣብ ማእኸል ሰልፍኹም ዝኣቱ ድማ ቕተልዎ። እቲ ንጉስ ክወፅእን ክኣቱን እንተሎ ኸዓ፥ ምስኡ ኹኑ” በሎም።
9እቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ድማ ኸምቲ ኻህን ዮዳሄ ዝኣዘዞም ኵሉ ገበሩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ሰሰቦም ሒዞም ነቶም ብሰንበት ዝሰርሑን ብሰንበት ዝዓርፉን ሒዞም ናብ ካህን ዮዳሄ መፁ። 10እቲ ኻህን ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ኲናታቱን ዋልታታቱን ነቶም ኣሕሉቕ ሃቦም። 11እቶም ሓለውቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ብኢዱ ሒዙ ኻብ የማናይ መኣዝን እታ ቤተ መቕደስ ጀሚሮም ክሳዕ ፀጋማይ መኣዝን እታ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤተ መቕደስን፥ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ቆሙ።
12ሽዑ ኻህን ዮዳሄ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውፂኡ ዘውዲ ደፍአሉ፤ መፅሓፍ ኪዳን ድማ ሃቦ። ቀቢኦምውን ኣንገስዎ፤ እናጣቕዑ ድማ “ንጉስ ሽሕ ዓመት ይንገስ” በሉ።
13ጎቶልያ ድማ ድምፂ እቶም ሓለውትን ህዝብን ምስ ሰምዐት፥ ናብቲ ህዝቢ ዘለዎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት። 14እንተ ጠመተት ከዓ፥ እንሆ፥ እቲ ንጉስ ከምቲ ስርዓት ኣብ ጥቓ ዓምዲ ቖይሙ ነበረ፤ እቶም ኣዘዝትን እቶም መለኸት ዝነፍሑን ድማ ምስ ንጉስ ነበሩ። ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርውን ተሓጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። ሽዑ ጎቶልያ ብጓሂ ኽዳውንታ ቐዲዳ “ዓመፅ እዩ፤ ዓመፅ እዩ” ኢላ ኣእወየት። #2 ነገ. 23፡3።
15ዮዳሄ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትሙት” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ሰራዊት ዝመርሑ ኣሕሉቕ ሚእቲ “ብመንጎ እቶም ተሰሪዖም ዘለዉ ሓሻኽር ኣውፅእዋ፤ ነቲ ኸድሕና ዝስዕባ ኸዓ ብሰይፊ ቕተልዎ” ኢሉ ኣዘዞም። 16ሽዑ ሓዝዋ፤ ናብቲ ኣፍራስ ዝኣትዉሉ ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ እውን ወሰድዋ፤ ኣቡኡ ድማ ቐተልዋ።
ዮዳሄ ዝገበሮ ምምሕያሽ
(2 ዜና. 23፡16-21)
17ዮዳሄ ድማ እቶም ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ቃል ኪዳን ገበረ፤ ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ ህዝብንውን ቃል ኪዳን ገበረ።
18ኵሎም ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ቤት ጣዖት በዓል ኣትዮም ነቲ ቤት ኣፍረስዎ፤ መሰውኢታቱን ምስልታቱንውን ሰባበሩ፤ ንማታን ካህን ጣዖት በዓል ከዓ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ሓረድዎ።
ዮዳሄ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ገበረ። 19ዮዳሄ ምስቶም ኣዘዝትን ሓለውቲ ንጉስን ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ሓሻኽርን ህዝብን ኮይኑ፤ ንንጉስ ኢዮኣስ ካብ ቤት እግዚኣብሄር በታ ኣፍ ደገ ሓለውቲ ገይሮም ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅእዎ። ኢዮኣስ ከዓ ኣብ ዙፋን ነገስታት ተቐመጠ። 20ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ተሓጐሰ። ጎቶልያ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተቐቲላ ስለ ዝነበረት እታ ኸተማ ሃድአት።
21ኢዮኣስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ።
Currently Selected:
2ይ ነገስት 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in