2ይ ቆሮንቶስ 7
7
1 #
2 ጴጥ. 1፡4፥ 1 ዮሓ. 3፡3። እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።
ጳውሎስ ከም ዝተሓጐሰ
2 #
ግ.ሓ. 20፡33። ልብኹም ኣስፊሕኹም ክፈቱልና፤ ንሕና ንሓደኳ ኣይዓመፅናን፤ ንሓደኳ ኣይጐዳእናን፤ ንሓደውን ኣይተበለፅናሉን። 3#2 ቆሮ. 6፡11-12። እዝ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ክወቕሰኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም፥ ኣብ ልብና ኢኹም ዘለኹምሞ፥ ብህይወት እንተለና ወይ እንተ ሞትና፥ ኵልሻዕ ብሓደ ኢና። 4ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ኣለኒ፤ ብኣኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ኸዓ ዓብዪ እዩ፤ ተፀናኒዐውን ኣለኹ። ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ሃለወና፥ ሓጐሰይ ወሰን የብሉን።
5 #
2 ቆሮ. 2፡13፥ 11፡28። ኣብ መቄዶንያ ምስ በፃሕና ድማ፥ ብዅሉ ጨነቐና እምበር፥ ብስጋና ዕረፍቲ ኣይረኸብናን፤ ኣብ ወፃኢ ውግእ፥ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሓት ነበረና። 6እቲ ንዝሓዝኑ ዘፀናንዕ እግዚኣብሄር ግና፥ ብምምፃእ ቲቶ ገይሩ ኣፀናንዐና። 7#1 ተሰ. 3፡6-8። ግና በቲ ንሱ ኻባኻትኩም ዝረኸቦ ምፅንናዕ ደኣ እምበር፥ ብምምፃኡ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ናተይ ናፍቖት ከም ዘለኩም፥ ከም እተናሳሕኹም፥ ንኣይውን እምብዛ ኸም እትሓልዩ ምስ ነገረና፥ የመና ተሓጐስኩ።
8 #
2 ቆሮ. 2፡4። ብመልእኽተይ ኣጕህየኩም እንተ ኾንኩ እኳ፥ ኣየናስሐንን እዩ። ቅድም ግና ንጊዜኡ እኳ እንተ ኾነ፥ ከም ዘጕሀኹኹም ስለ ዝፈለጥኩ ኣናሲሑኒ ነይሩ። 9ሕዚ ግና ስለ ዘጕሀኹኹም ዘይኮነስ፥ ብኣና ምኽንያት፥ ዝኾነ ጕድኣት ስለ ዘይበፅሐኩምን፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ንንስሃ ስለ ዝጐሀኹምን፥ እሕጐስ ኣለኹ። 10#ማቴ. 26፡75፥ 27፡3-5፥ ሉቃ. 18፡13-14። ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምጕሃይ፥ ናብ ድሕነት ዘብፅሕ ንስሃ የስዕብ፤ ኣየናስሕን ከዓ እዩ፤ ጓሂ ዓለም ግና፥ ሞት የስዕብ እዩ። 11#2 ቆሮ. 2፡6-7። እንሆ እዝ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝጐሀኹምዎ፥ ክትፅዕሩን ካብ በደል ንፁሃት ምዃንኩም ክተረድኡን ገበረኩም። ሓጢኣት ምፅላእን፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ከም ዝህልወኩምን፥ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቅንኣት ከም ዝሓድረኩምን፥ ብቕንዕና ኸም እትፈርዱን እውን ገበረኩም። በዝ ነገር እዙይ፥ ብዅሉ ንፁሃት ከም ዝኾንኩም ኣመስከርኩም።
12 #
2 ቆሮ. 2፡4፥9። እምበኣር ኣነ ዝፀሓፍኩልኩም፥ ብኣና ኸም እትግደሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ግሁድ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ እምበር፥ ብዛዕባ በዳሊ ወይ ብዛዕባ ተበዳሊ ኢለ ኣይኮንኩን፥ ዝፀሓፍኩልኩም። 13ስለዙይ ድማ ተፀናናዕና። ኣብቲ ናትና ምፅንናዕ ብተወሳኺ፥ ቲቶ ብምሕጓሱን ንመንፈሱ ስለ ዘዕረፍኩምዎን፥ ብዝበለፀ ተሓጕስና ኣለና። 14#2 ቆሮ. 1፡12። ኣነ ኸም ዝምክሐልኩም ንቲቶ ነጊረዮ ነይረ፤ ንስኻትኩምውን ኣየሕፈርኩምንን። ከምቲ ዅሉ ንኣኻትኩም ዝነገርናኩም፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ብዛዕባኻትኩም ተመኪሕና ንቲቶ ዝነገርናዮውን፥ ሓቂ ምዃኑ ተረጋጊፁ ኣሎ። 15#2 ተሰ. 3፡4። ከም ዝተኣዘዝኩምዎን፥ ብፍርሓትን ብራዕድን ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምዎን እናዘከረ፥ ኣባኻትኩም ዘለዎ ፍቕሪ እምብዛ ዓብዪ እዩ። 16ብዅሉ እተኣማመነልኩም እየሞ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ።
Currently Selected:
2ይ ቆሮንቶስ 7: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: