2ይ ቆሮንቶስ 6
6
1 #
1 ቆሮ. 3፡9፥ ዕብ. 12፡15። ሓቢርና መሳርሕቲ ከም ምዃንና፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፥ ንልምነኩም ኣለና።
2 #
ኢሳ. 49፡8። “ብሕርይቲ ሰዓት ሰማዕኩኻ፤
ብመዓልቲ ምድሓን ረዳእኩኻ”
ኸም ዝብሎ፥ እንሆ፥ እታ ሕርይቲ ሰዓት ሕዚ እያ፤ እታ መዓልቲ ምድሓንውን ሕዚ እያ።
3 #
1 ቆሮ. 10፡32። ምእንቲ ኣገልግሎትና ኸይንቀፍ፥ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት፥ መዐንቀፊ ኣይንህብን ኢና። 4#2 ቆሮ. 4፡2፥8-10፥ 11፡23-27። እኳ ደኣ ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ንባዕልትና ነቕርብ። ብብዙሕ ትዕግስቲ፥ ብመከራ፥ ብጭንቂ፥ ብሽግር፥ 5#ግ.ሓ. 16፡23። ብመግረፍቲ፥ ብማእሰርቲ፥ ብሁከት፥ ብፃዕሪ፥ ድቃስ ብምስኣን፥ ብጥምየት፥ 6ነዙይ ከዓ ብቕድስና፥ ብምስትውዓል፥ ብዓቕሊ፥ ብለውሃት፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ብሓቀኛ ፍቕሪ፥ 7ብቓል ሓቂ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ብየማንን ብፀጋምን ኣእዳውና ኣፅዋር ፅድቂ ብምሓዝ፥ 8ብኽብርን ብሕስራንን፥ ፅቡቕ ክዛረቡልና ኾነ ኸፀልሙና፥ ንረአ ኣለና፤ ከም መስሐትቲ፥ ግናኸ ሓቀኛታት ኢና። 9#ግ.ሓ. 14፡19። ከም ዘይተፈለጥና፥ ግናኸ ኣፀቢቕና ፍሉጣት ኢና። ከም ዝሞትና፥ ግና እንሆ ህያዋን ኢና። ከም ቅፁዓት፥ ግናኸ ኣይተቐተልናን። 10#ሮሜ 8፡32፥ 12፡10። ከም ጕሁያት፥ ግናኸ ዅልሻዕ ሕጉሳት ኢና። ከም ድኻታት፥ ግና ንብዙሓት ነሀብትም ኢና። ኵሉ እንተለናስ፥ ሓንቲ ኸም ዘይብሎም ኴንና ንረአ ኣለና።
11ኣቱም ሰብ ቆሮንቶስ፥ ኣፍና ንኣኻትኩም ክፉት እዩ፤ ልብናውን ኣስፊሕና ኢና። 12ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝፀበበኩም እምበር፥ ኣባናስ ኣይፀበበኩምን። 13ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱ፥ ከም ደቀይ እየ ዝዛረበኩም ዘለኹ፤ ንስኻትኩምውን ከምኡ፥ ልብኹም ኣስፍሑ።
ምስ ዘይኣምኑ ዘይምሕባር
14 #
ኤፌ. 5፡7-8። ግቡእ ብዘይኮነ ኣካይዳ፥ ምስቶም ዘይኣምኑ ብሓደ ኣይትፀመዱ፤ ፅድቂ ምስ ሓጢኣት፥ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ? ወይ ከዓ ብርሃን ምስ ፀልማት፥ እንታይ ሕብረት ኣለዎ? 15#1 ቆሮ. 10፡21። ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት ኣለዎ? 16#ዘሌ. 26፡12፥ 1 ቆሮ. 3፡16። መቕደስ እግዚኣብሄር ምስ ጣዖታት፥ #6፡16 ምስ ጣዖታት፦ ግእዝ “ኣብ ቤት ጣዖት” ይብል። እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሄር፦
“ምስኣቶም ክነብር እየ፤
ኣብ ማእኸሎም ክመላለስ እየ፤
ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ፤
ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑ እዮም”
ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና።
17 #
ኢሳ. 52፡11፥ ራእይ 18፡4። “ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤
ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር።
‘ርኹስ ኣይትንክኡ፤
ኣነውን ክቕበለኩም እየ።
18 #
ኤር. 31፡1፥ ራእይ 21፡7። ኣቦ ክኾነኩም እየ፤
ንስኻትኩምውን
ኣወዳትን ኣጓላትን ክትኮኑኒ ኢኹም’ይብል፥
ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ።
Currently Selected:
2ይ ቆሮንቶስ 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: