2ይ ቆሮንቶስ 3
3
ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን
1 #
1 ቆሮ. 5፡12። ከምዙይ ክንብል እንተለና፥ ገና ንባዕልትና ንንእድ ዲና ዘለና? ወይ ከምቲ ገሊኣቶም ዝገብርዎ፥ ናባኻትኩም ወይ ከዓ ኻባኻትኩም፥ ናይ ናእዳ መልእኽቲ የድልየና ድዩ? 2#1 ቆሮ. 9፡2። እታ ዅሉ ሰብ ምእንቲ ኽፈልጣን ከንብባን፥ ኣብ ልብና #3፡2 ልብና፦ ኣብ ገሊኡ ፅሑፋት “ልብኹም” ይብል። ዝተፅሓፈት ናይ ናእዳ መልእኽትና፥ ንስኻትኩም ኢኹም። 3ንስኻትኩም፥ ካብ ክርስቶስ ዝተልኣኸት፥ ብኣናውን ዝበፅሐት፥ ብቐለም ዘይኮነ፥ ብመንፈስ እቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፈት፥ ኣብ ፅላት እምኒ ዘይኮነ፥ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተቐርፀት መልእኽቲ ምዃንኩም፥ ግሁድ እዩ።
4እዙይ እንብል ዘለና ኸዓ፥ በቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለና፥ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ እምነት እዩ። 5#ዮሓ. 15፡5፥ 2 ቆሮ. 2፡16። ዝኾነ ነገር ንምግባር፥ ብቕዓት ዝሃበና እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ባዕልና ዝኾነ ብቕዓት የብልናን። 6#ዮሓ. 6፡63፥ ሮሜ 7፡10-11፥ 8፡2፥ 2 ቆሮ. 5፡18። ናይታ ብፊደል ዝተፅሓፈት ሕጊ ዘይኮነስ፥ ናይታ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ሓዳስ ኪዳን፥ ኣገልገልቲ ኽንከውን ብቑዓት ዝገበረና እግዚኣብሄር እዩ፤ ፈደል ይቐትል፥ መንፈስ ግና ህይወት ይህብ እዩ እሞ።
ክብሪ ናይታ ሓዳስ ኪዳን
7 #
ዘፀ. 34፡29-30፥ ዘዳ. 10፡4። ደቂ እስራኤል፥ ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝኾነ ኽብሪ፥ ገፅ ሙሴ ምጥማት ሰኣኑ። እቲ ኣብ ፅላት እምኒ ብፊደል ዝተቐርፀ፥ ሞት ዘስዕብ ሕጊ፥ ብኽብሪ ኻብ ተገልፀ፥ 8እቲ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ደኣ፥ ከመይ በሊፁ ብኽብሪ ዘይግለፅ? 9#ዘዳ. 27፡26፥ ሮሜ 1፡17። እቲ ዅነኔ ዘስዕብ ኣገልግሎት ካብ ከበረ፥ እቲ ፅድቂ ዘስዕብ ኣገልግሎት ደኣ፥ ከመይ በሊፁ ዘይኸብር? 10እቲ ኽቡር ዝነበረ፥ እዝ ኻብኡ ዝኸበረ ብምምፃኡ ኽብሪ ኸም ዘይነበሮ ኾነ። 11#ዕብ. 7፡18፥24። እቲ እናሃሰሰ ዝኸይድ ሓላፊ፥ ብኽብሪ ኻብ መፀ፥ እቲ ፀኒዑ ዝነብር ደኣ ኸመይ ኣብሊፁ ብኽብሪ ዘይኸውን!
12 #
ኤፌ. 6፡19። ከምዙይ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና ኢና፥ ብትብዓት እንዛረብ ዘለና። 13#ዘፀ. 34፡35። ንሕና፥ ከምቲ ሙሴ ነቲ ዝሃስስ ዝነበረ ምንፅብራቕ ገፁ፥ ደቂ እስራኤል ከይሪእዎ ዝጕልበብ ዝነበረ ኣይኮንናን። 14#ሮሜ 10፡4፥ 11፡7-8። እንተ ኾነ ልቦም ተደፊኑ እዩ፤ ብሉይ ኪዳን ከንብቡ እንተለዉ፥ እቲ ጕልባብ ገና ኽሳዕ ሎሚ ኣይተቐልዐሎምን፤ እቲ ጕልባብ እቱይ ዝቕላዕ፥ ብክርስቶስ ጥራሕ እዩ እሞ። 15እወ፥ ክሳዕ ሎሚውን ሕጊ ኦሪት ክንበብ እንተሎ፥ ልቦም ብጕልባብ ክዉል እዩ። 16#ኢሳ. 25፡7። ሓደ ሰብ ናብ ጐይታ እንትምለስ ግና፥ እቲ ጕልባቡ ይቕንጠጠሉ እዩ። 17#ዮሓ. 8፡36፥ ሮሜ 8፡2። ጐይታስ፥ መንፈስ እዩ፤ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፥ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ። 18#ዘፀ. 34፡34፥ ሮሜ 8፡29፥ 2 ቆሮ. 4፡4፥6፥ 1 ዮሓ. 3፡2። ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና።
Currently Selected:
2ይ ቆሮንቶስ 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in