YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ቆሮንቶስ 2

2
1ስለዙይ ብሓዘን፥ መሊሰ ናባኻትኩም ከይመፅእ ወሰንኩ። 2ኣነ እንተሕዚነኩም፥ እቲ ብኣይ ምኽንያት ዝሓዘነ እንተ ዘይኮይኑ ደኣ፥ መን እዩ ዘሐጕሰኒ? 3#2 ቆሮ. 7፡16። እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ክመፅእ እንተለኹ፥ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዝግበአኒ፥ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ ኢለ እየ። ምኽንያቱ ሓጐሰይ፥ ሓጐስ ኵልኻትኩም ከም ዝኾነ፥ ከም እትፈልጡ ስለ ዝኣምን እየ። 4#7፡8-9፥ 11፡2። ብብዙሕ መከራን ጭንቀት ልብን፥ ብብዙሕ ንብዓትን ዝፀሓፍኩልኩም፥ ክሳዕ ኽንደይ ኣፀቢቐ ኸም ዘፍቅረኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር፥ ምእንቲ ኸሕዝነኩም ኢለ ኣይኮንኩን።
ንዝበደለ ይቕረ ምባል
5 # 1 ቆሮ. 5፡1-5። ሰብ ዘሕዘነ #2፡5 ሰብ ዘሕዘነ፦ ግእዝ “ዘሕዘነኒ” ይብል። እንተ ሃልዩ፥ ንኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ከየኽብዶ ደኣ እምበር፥ ንዅልኻትኩም እዩ ዘሕዘነ። 6ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ እቲ ኻብቶም ብዙሓት ዝረኸቦ ተግሳፅ ይኣኽሎ እዩ። 7#ገላ. 6፡11፥ 1 ተሰ. 5፡14። እኳ ደኣ፥ ብብዝሒ ሓዘን ከይወሓጥ፥ ይቕረ በሉሉን ኣፀናንዕዎን። 8ስለዙይ ምስኡ ፍቕርኹም ክተፅንዑ እምዕደኩም ኣለኹ። 9ነዙይ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ነቲ ፈተና ስዒርኩም፥ ብዅሉ ነገር እዙዛት ምዃንኩም፥ ምእንቲ ኽፈልጥ ኢለ እየ። 10ነቲ ይቕረ እትብሉሉ፥ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣለኹ። እቲ ይቕረ ዝበልኩሉ ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ፥ ይቕረ ዝበልክዎ። 11#ኤፌ. 4፡27፥ ቈላ. 3፡13። እዙይ ማለተይ ከዓ፥ ተንኰል ሰይጣን ከመይ ከም ዝኾነ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፥ ከየታልለና ኢለ እየ።
ዓወት ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን
12 # ግ.ሓ. 16፡8፥ 20፡1-2፥ 1 ቆሮ. 16፡9፥ 2 ቆሮ. 7፡5-6። ወንጌል ክርስቶስ ክሰብኽ ናብ ጢሮኣዳ ምስ መፃእኹ፥ ንስራሕ ጐይታ ዝተኸፈተለይ ኣፍ ደገ ረኸብኩ። 13ንቲቶ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ ግና፥ ኣብ መንፈሰይ ዕረፍቲ ኣይነበረንን፤ ስለዙይ ካብኣቶም ተሰናቢተ፥ ናብ መቄዶንያ ኸድኩ። 14#ሮሜ 8፡37፥ ኤፌ. 3፡8-9። ግና ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ፥ ኵልሻዕ ናብ ዓወት ዝመርሐና፥ ብኣና ገይሩውን ክርስቶስ ከም ዝፍለጥ ንምግባር፥ ከም ጥዑም መዓዛ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝገልፅ እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ። 15#1 ቆሮ. 1፡18። ኣብ ማእኸል እቶም ዝድሕኑን እቶም ዝጠፍኡን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መዓዛ ክርስቶስ ኢናሞ። 16#ሉቃ. 2፡34፥ 2 ቆሮ. 3፡5-6። ነዚኣቶም፥ ካብ ሞት ናብ ሞት ዘብፅሕ መዓዛ፥ ነቲኣቶም ከዓ፥ ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዘብፅሕ መዓዛ ኢና። ነዝ ነገርዙይ ብቑዕ እየ ዝብልከ መን ኣሎ? 17#2 ቆሮ. 1፡12፥ 4፡2። ብእግዚኣብሄር ተልኢኽና፥ ብቕንዕና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ኴንና፥ ንዛረብ ኣለና እምበር፥ ከምቶም ብዙሓት፥ ብቓል እግዚኣብሄር ዝነግዱ ኣይኮንናን።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in