YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 7

7
እቲ ቤተ መቕደስ ከም ዝተባረኸ
(1 ነገ. 8፡62-66)
1 # ዘሌ. 9፡23-24። ሰሎሞን ፀሎቱ ምስ ወድአ ድማ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዖ፤ ነታ ቤተ መቕደስውን ክብሪ እግዚኣብሄር መልኣ። 2ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብታ ቤተ መቕደስ ስለ ዝመልአ ኸዓ እቶም ካህናት ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ክኣትዉ ኣይከኣሉን። 3#1 ዜና. 16፡34፥ 2 ዜና. 5፡13፥ እዝራ 3፡11። ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ እቲ ሓዊ ኽወርድ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ቤተ መቕደስ መሊእዋ ምስ ረአዩ፥ ኣብታ ብእምኒ ዝተነፀፈት ቦታ ብገፆም ናብ ምድሪ ፍግም በሉ፤ ሰጊዶም ድማ ንእግዚኣብሄር፥
“ብሓቂ ንሱ ሰናይ እዩ፤
ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር እዩ”
ኢሎም ኣመስገንዎ።
4ሽዑ እቲ ንጉስን ኵሎም እቶም ህዝብን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ። 5ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኣብዑርን ሚእትን ዕስራን ሽሕ ኣባጊዕን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ። በዙይ ድማ እቲ ንጉስን ኵሉ እቲ ህዝብን ነታ ቤት እግዚኣብሄር ቀደስዋ። 6እቶም ካህናት ድማ ኣብቲ ዝተመደበሎም ቆይሞም ነበሩ፤ እቶም ሌዋውያን ከዓ በቲ ንጉስ ዳዊት ዘዳለዎ መሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ። ከምቲ ዳዊት ዝኣዘዞም ድማ “ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብኡ ደው ኢሎም እንተለዉ ኸዓ እቶም ካህናት ኣብ መንፅር እቶም ሌዋውያን ኮይኖም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ።
7ሰሎሞን ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ማእኸላይ ዓፀድ ቀደሶ። እቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ናይ ነሃስ መሰውኢ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ናይ እኽሊ ቝርባን ስብሑንውን ምሓዝ ኣይከኣለንሞ፥ ስብሒ ናይቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ኣቕረበ።
8በቲ ጊዜ እቱይ ሰሎሞን ምስ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ካብታ ንሃማት እተእቱ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ካብ ወሰን ግብፂ ዝመፁ ህዝቢ ኾይኖም ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ገበሩ።
9ሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ቐዲሶም ሸውዓተ መዓልቲ እውን በዓል ገይሮም ነበሩሞ፥ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ዝተቀደሰ ጉባኤ ገበሩ። 10ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ሰሎሞን ነቶም ህዝቢ ነናብ ድንኳናቶም ሰደዶም። ንሳቶም በቲ እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ፅቡቕ ነገር ሕጉሳትን ፍሱሓትን ኮይኖም ከዱ።
እግዚኣብሄር ንሰሎሞን መሊሱ ተርኣዮ
(1 ነገ. 9፡1-9)
11ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስቱን ሰሪሑ ፈፀመ፤ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ናይ ባዕሉ ቤትን፥ ከምቲ ዅሉ ኽሰርሖ ብልቡ ዝሓሰቦ ኣከናወነ። 12እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተገለፀሉ እሞ ኸምዙይ በሎ፦
“ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ነዛ ቦታ እዚኣውን ነኣይ ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ሓርየያ ኣለኹ።
13“ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዓፀኽዎ፤ ነንበጣውን ንምድሪ ኽበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፥ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፥ 14እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ህዝበይ ከዓ ርእሶም ኣዋሪዶም እንተ ለመኑ፥ ገፀይውን እንተ ደለዩ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ድማ እንተ ተመለሱ፥ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፤ ሓጢኣቶም ከዓ ይቕረ ኽብለሎም፥ ምድሮምውን ክፍውስ እየ። 15ሕዚ እውን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዝፅለ ፀሎት ኣዒንተይ ክኽፈታ፥ ኣእዛነይውን ፅን ክብላ እየን። 16ሕዚ ድማ ስመይ ንዘለኣለም ኣብኣ ንክኸውን፥ ነዛ ቤት እዚኣ መሪፀያ ኣለኹ፤ ቀዲሰያውን ኣለኹ፤ ኣዒንተይን ልበይንውን ኵልሻዕ ኣብኣ ክኾኑ እዮም።
17“ንስኻ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዝኩኻ እንተ ገበርካ፥ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ዝገበሮ ሕግጋተይን ስርዓታተይን ብምሕላው እንተ ነበርካ፥ 18#1 ነገ. 2፡4። ከምቲ ነቦኻ ዳዊት፥ ኣብ እስራኤል ሓለቓ ዝኸውን ሰብ ካብ ዘርእኻ ኣይሰኣንን ኢለ ቓል ኪዳን ዝኣተኹሉ፥ ንዙፋን መንግስትኻ ኸፅንዖ እየ።
19“ንስኻትኩም ግና ነኣይ ካብ ምኽታል እንተ ተመለስኩም፥ ነቲ ዝሃብኩኹም ስርዓታተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓደግኩምዎ፥ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምለኽኩምዎምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፥ 20ሽዑ ኻብዛ ነቦታትኩም ዝሃብኩዎም ምድሪ ኽነቕለኩም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከዓ፥ ካብ ቅድመይ ክድርብያ እየ፤ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ድማ መመሰልን መሳለቕን ክገብራ እየ። 21ነዛ ልዕል ልዕል ኢላ ዝነበረት ቤት እናረአዩ፥ ኵሎም እቶም ብኣኣ ዝሓልፉ ሰባት ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ኣብዛ ሃገር እዚኣን፥ ኣብዛ ቤት እዚኣን ከምዙይ ዝገበረ?’ እናበሉ ኽግረሙ እዮም። 22እቶም ህዝቢ ኸዓ ‘ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ነቦታቶም ዘውፅአ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ስለ ዘምለኽዎምን ስለ ዘገልገልዎምን እዝ ዅሉ ክፉእ ነገር ኣብ ልዕሊኣቶም ኣምፅአሎም’ ኢሎም ክምልሱ እዮም።”

Currently Selected:

2ይ ዜና 7: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for 2ይ ዜና 7