YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 5

5
1 # 2 ሳሙ. 8፡11፥ 1 ዜና. 18፡11። በዝ ኸምዙይ እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሖ ዅሉ ስራሕ ተፈፀመ። ሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዘወፈዮ፥ ነቲ ብሩርን ወርቅን ንዅሉ ኣቑሑን ኣምፂኡ፥ ኣብ ውሽጢ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ዝነበረ ቤተ መዛግብቲ ኣንበሮ።
ታቦት ኪዳን ናብ ቤተ መቕደስ ከም ዝኣተወ
(1 ነገ. 8፡1-9)
2 # 2 ሳሙ. 6፡12-15፥ 1 ዜና. 15፡25-28። ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ነገዳትን እቶም ሹመኛታት ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤል፥ ንታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፥ ካብ ፅዮን ከደይብዎ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም። 3ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ዝኸብር በዓል ናብ ንጉስ ተኣከቡ።
4ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ ተኣከቡ ኸዓ፥ እቶም ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ። 5እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ፥ ነቲ ታቦትን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዅሉ ንዋየ ቅድሳትን፥ ናብ ቤተ መቕደስ ኣእተውዎ። 6ንጉስ ሰሎሞንን ኵሎም እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደቂ እስራኤልን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኮይኖም፥ ካብ ምብዛሐን ዝተልዓለ ዘይቚፀራን ዘይግመታን ኣባጊዕን ከፍትን ሰውኡ።
7እቶም ካህናት ከዓ ነቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፥ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ። 8እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ስለ ዝነበሩ ነቲ ታቦት ምስ መፃውራቱ ኻብ ላዕሊ ጋረድዎ። 9እቲ መፃውራት ነዊሕ ስለ ዝነበረ፥ ጫፉ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ መቕደስ ኴንካ ይረአ ነበረ፤ ብወፃኢ ግና ኣይረአን ነበረ፤ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ። 10ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት፥ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፁ፥ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ቃል ኪዳን ኣብ ዝኣተወሉ ጊዜ፥ እንትርፊ እተን ሙሴ ኣብ ኮሬብ ዘቐመጠን ክልተ ፅላት ካልእ ኣይነበረን። #ዘዳ. 10፡5።
ክብሪ እግዚኣብሄር
11እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻህናት ካብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ወፁ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኻህናት ከዓ ናይ ኣየንኡ ኽፍሊ ምዃኖም እንተይተፀበዩ ተቐዲሶም ነበሩ። 12ኵሎም እቶም መዘምራን ዝነበሩ ሌዋውያን ከዓ፥ ኣሳፍ፥ ኤማን፥ ኤዶታም፥ ከምኡውን ደቆምን ኣሕዋቶምን ብፅሩይ ሃሪ ዝተኣልመ ኽዳን ለቢሶም፥ ፀናፅልን መሰንቆን በገናን እናወቕዑ፥ ነቲ መሰውኢ ብወገን ምብራቑ ደው ኢሎም ነበሩ። መለኸት ዝነፍሑ ሚእትን ዕስራን ካህናትውን ምስኣቶም ደው ኢሎም ነበሩ። 13እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን ድምፆም ብሓደ ኣስምዑ። ብመለኸትን ብፀናፅልን ብኻልእ ዓይነት መሳርሒ ሙዚቃን ተሰንዮም፥ “እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ምሕረቱ ኸዓ ንዘለኣለም እዩ” እናበሉ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። #1 ዜና. 16፡34፥ 2 ዜና. 7፡3፥ እዝራ 3፡11። ሽዑ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደመና መልኦ። 14#ዘፀ. 40፡34-35። ክብሪ እግዚኣብሄር ነቲ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዎ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደመና ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን።

Currently Selected:

2ይ ዜና 5: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in