YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 4

4
ኣቑሑ ቤተ መቕደስ
(1 ነገ. 7፡23-51)
1 # ዘፀ. 27፡1-2። ንጉስ ሰሎሞን ብነሃስ ገይሩ ምንዋሑ ዕስራ እመት፥ ምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት፥ ምብራኹ ኸዓ ዓሰርተ እመትን ፈረቓን፥ ዝኾነ መሰውኢ ሰርሐ። 2ብዝፈሰሰ ነሃስ ገይሩ ኽልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝቑመቱ፥ ኣርባዕተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝሰንጣቒቱ፥ ዙርያኡ ኸዓ ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝኾነ መዕቘሪ ማይ ሰርሐ። 3ኣብ ትሕቲ ኸንፈሩ ድማ ንዅሉ እቲ መዕቘሪ ማይ ዙርያኡ ዝኸብዎ ምስሊ ኣብዑር ነበርዎ፥ ምስሊ እቶም ኣብዑር ከዓ ኽልተ መስርዕ ኮይኑ ምስቲ መዕቘሪ ማይ ብዝፈሰሰ ነሃስ ብሓደ ዝተሰርሐ ነበረ።
4ነቲ መዕቘሪ ማይ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣብዑር ኣንበሮ። እቶም ኣብዑር ሰለስተ ንሰሜን ገፆም፥ ሰለስተ ንምዕራብ ገፆም፥ ሰለስተ ንደቡብ ገፆም፥ ሰለስተ ድማ ንምብራቕ ገፆም ይጥምቱ ነበሩ። 5ከንፈር እቲ መዕቘሪ ማይ ምርጓዱ ስድሪ ነበረ፤ ኣሰራርሓኡ ድማ ኸም ፅዋዕን፥ ከም ዕምበባ ሱፍን ነበረ። ስሳ ሽሕ ሊትሮ ከዓ ዝሕዝ ነበረ።
6 # ዘፀ. 30፡17-21። ዓሰርተ ጋብላታት ሰርሐ፤ ሓሙሽተ ብወገን የማን፥ ሓሙሽተ ብወገን ፀጋም ከዓ ኣንበሮ። ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ከዓ ኣብኡ ይሓፅብዎ ነበሩ። በቲ ኣብ መዕቘሪ ማይ ዘሎ ማይ ግና እቶም ካህናት ይሕፀቡ ነበሩ።
7 # ዘፀ. 25፡31-40። ብወርቂ ገይሩ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዓሰርተ ቐዋሚ ቐንዲል ገበረ። ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ድማ ሓሙሽተ ብየማን ሓሙሽተ ብፀጋም ገይሩ ኣንበሮም።
8 # ዘፀ. 25፡23-30። ብወርቂ ገይሩ ዓሰርተ ሰደቓ ሰርሐ፤ ኣብ ውሽጢ መቕደስ ከዓ ሓሙሽተ ብየማን፥ ሓሙሽተ ብፀጋም ገይሩ ኣቖሞ፤ ሚእቲ ጭሐሎ ወርቂውን ገበረ።
9ኣደባባይ ካህናትን፥ ገፊሕ ኣደባባይን ገበረ፤ መዓፁታት እቲ ኣደባባይውን ሰርሐ፤ ነቲ መዓፁታቱውን ብነሃስ ለበጦ። 10ነቲ መዕቘሪ ማይ ድማ ብደቡብ ምብራቕ ናይቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ሓደ ዅርናዕ ኣንበሮ።
11ኪራም ከዓ ድስትታትን መፅሓሪታትን ጭሐሎታትን ሰርሐ።
ስለዙይ ኪራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝሰርሖ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣቑሑ ሰሪሑ ፈፀሞ።
12ክልተ ኣዕምዲ፥ ኣብ ርእሲ እተን ኣዕምዲ ኸዓ ኽልተ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት፥ ነተን ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ዘለዋ ጕልላት ዘጊፃ ድማ ኽልተ ዓይኒ ርግቢ ሰርሐ።
13ነተን ክልተ ዓይኒ ርግቢ ዝኾና ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን፥ (ነተን ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ዘለዋ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት ዘመልክዓ ነሓደ ዓይኒ ርግቢ ኽልተ ዘውሪ ሮማን) ገበረ።
14መቐመጢታትን ኣብ ልዕሊ እቲ መቐመጢታት ዝቕመጡ ናይ መሕፀቢ ኵስኵስትታትን፥
15ንሓደ ባሕሪ ኣብ ትሕቲኡ ዝኾኑ ዓሰርተ ኽልተ ኣብዑር ሰርሐ።
16ድስትታትን መፅሓሪታትን ሻኳታትን ንእኡ ዝመስል ካልእ ኣቑሑን ሰርሐ።
ኪራም እቲ ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሰርሐሉ ኣቑሑ ብዘንፀባርቕ ነሃስ ሰርሖ። 17እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንጎ ሱኮትን ፅሬዳን፥ ኣብ ዝርከብ መፍሰሲ ኣፍሰሶ። 18ሰሎሞን ዝሰርሖ ኣቑሑ ነሃስ የመና ብዙሕ ስለ ዝነበረ፥ ክምዘን ኣይተኽኣለን።
19ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ዝሰርሖ ኣቑሑ እዙይ እዩ፦ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ሰደቓታት፥ 20ከም ስርዓቱ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ዝበርሃ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሓ ቐወምቲ መቕረዛት መምስ ቀንዲለን ገበረ። 21ብምሉኡ ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ዕምበባታትን ቀናዲል መንቀርቀርን ገበረ። 22ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ጕጠታትን ጭሐሎታትን ማንካታትን ፅንሃሃትን፥ ብወርቂ ሰርሐ፤ ናይ ቤተ መቕደስ መዓፁን ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓፁን ከዓ ካብ ወርቂ ነበረ።

Currently Selected:

2ይ ዜና 4: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in