2ይ ዜና 3
3
ሰሎሞን ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ከም ዝጀመረ
(1 ነገ. 6፡1-38)
1 #
ዘፍ. 22፡22። ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ እምባ ሞሪያ፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦኡ ዳዊት ዝተርአየላ፥ ዳዊት ከዓ ኣዳልዩ ዝመደባ ቦታ፥ ኣብ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሕ ጀመረ። 2ሰሎሞን ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ ብኻልአይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሕ ጀመረ።
3እቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ቤት እግዚኣብሄር፥ ምንዋሑ ዕስራን ሸውዓተን ሜትር፥ ምግፋሑ ኸዓ ትሽዓተ ሜትር ነበረ። 4እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ዝነበረ ገበላ ኸዓ፥ ምንዋሑ ኸም መጠን ምግፋሕ እቲ ቤት፥ ትሽዓተ ሜትር ነበረ። ቁመቱ ድማ ሓምሳን ኣርባዕተን ሜትር ነበረ።
ነቲ ውሽጡ ኸዓ ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ። 5ነቲ ዓብዪ ቤተ መቕደስ ድማ ብሉሕ ፅሕዲ ኸደኖ፤ ንእኡውን ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ምስሊ ስየታትን ሰንሰለታትን ስኢሉ ኣጌፆ። 6ነቲ ቤተ መቕደስ ድማ ብኽቡር ኣእማንን ካብ ፈርዋይም ብዝመፀ ወርቅን ገይሩ ሸለሞ። 7ነቲ ናይ ቤተ መቕደስ ሰረገላታትን ልዳውትን መናድቕን መዓፁን፥ ብወርቂ ለበጦ፤ ምስሊ ኪሩቤል ድማ ቐረፀሉ።
8 #
ዘፀ. 26፡33-34። እታ ቕድስተ ቅዱሳን ከዓ ምንዋሓ ኸም ምግፋሕ እቲ ቤተ መቕደስ ትሽዓተ ሜትር፥ ምግፋሓ ድማ ትሽዓተ ሜትር ገይሩ ሰርሓ፤ ብዕስራ ሽሕ ኪሎ ግራም ዝኣክል ፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለበጣ። 9ሓሙሽተ ሚእትን ሰብዓን ግራም ወርቂ ዝወድአ ሽንካራት ከዓ ገበረ። ነተን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኽፍልታት ድማ ብወርቂ ለበጠን።
10ኣብታ ቕድስተ ቅዱሳን ከዓ እቶም ወቐርቲ፥ ምስሊ ኽልተ ኪሩቤል ገበሩ፤ ብወርቂ ድማ ለበጥዎም። 11-13ምንዋሕ ሓደ ኽንፊ ናይ ሓደ ኪሩቤል ክልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ነበረ። ንኽንፊ ናይቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ከዓ ይነክእ ነበረ። ሓደ ኽንፊ ናይቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ድማ ኽልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ነበረ። ስለዙይ ናይ ክልቲኦም ኪሩቤል ኣኽናፍ ምንዋሑ ትሽዓተ ሜትር ነበረ። ካብ መንደቕ ናብ መንደቕ ከዓ ይበፅሕ ነበረ። በእጋሮም ደው ኢሎም ነበሩ፤ ገፆምውን ናብ ቤት ኣቢሉ ይርኢ ነበረ። #ዘፀ. 25፡18-20።
14ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ሃርን ልሕፂ እንጣጢዕን መጋረጃ ገበረ፤ ምስሊ ኪሩቤል ከዓ ጠለፈሉ። #ዘፀ. 26፡31።
ብነሃስ ዝተሰርሑ ኽልተ ኣዕምዲ
(1 ነገ. 7፡15-22)
15ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ፥ ዓዓሰርተ ሓሙሽተ ሜትርን ፈረቓን ዝቑመቱ፥ ክልተ ኣዕምዲ ሰርሐ። ኣብ ረርእሰን ከዓ ኸክልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝምንዋሑ ጕልላት ገበረለን። 16ንጫፍ እቲ ጕልላት ከዓ ብሰንሰለትን ብሚእቲ ሮማንን ገይሩ ኣጌፆ። 17ነተን ኣዕምዲ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ፥ ንሓንቲ ብወገን የማን፥ ነታ ሓንቲ ኸዓ ብወገን ፀጋም ኣቖመን። ነታ የማነይቲ ዓምዲ ያቁም፥ #3፡17 ያቁም፦ “እግዚኣብሄር ይሃንፅ” ማለት እዩ። ነታ ፀጋመይቲ ኸዓ በለዝ #3፡17 በለዝ፦ “ብሓይሊ እግዚኣብሄር” ማለት እዩ። ኢሉ ስም ኣውፅአለን።
Currently Selected:
2ይ ዜና 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: