2ይ ዜና 36
36
ኢዮኣካዝ ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 23፡30-35)
1ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኢዮኣክስ ወዲ ኢዮስያስ ወሲዶም ክንዲ ኣቦኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣንገስዎ። 2ኢዮኣክስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። 3ንጉስ ግብፂ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ መንግስቱ ሰዓሮ፤ ነታ ሃገር ከዓ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ወርቅን ክትግብር ኣዘዛ። 4#ኤር. 22፡11-12። እቲ ንጉስ ግብፂ ድማ ንሓዉ ኤልያቄም ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንገሶ፤ ስሙውን ኢዮኣቄም ኢሉ ለወጠሉ፤ ኒካኡውን ንሓዉ ኢዮኣክስ ሒዙ ናብ ግብፂ ወሰዶ።
ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 23፡36—24፡7)
5 #
ኤር. 22፡18-19፥ 26፡1-6፥ 35፡1-19። ኢዮኣቄም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ኽፉእ ገበረ። 6#ኤር. 25፡1-38፥ 36፡1-32፥ 45፡1-5፥ ዳን. 1፡1-2። ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ከዓ ተዋግኦ እሞ ብመቝሕ ነሃስ ኣሲሩ ናብ ባቢሎን ወሰዶ። 7ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወሲዱ ድማ ኣብ ባቢሎን ኣብ ቤተ መቅደሱ ኣቐመጦ።
8እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣቄም ነገርን እቲ ዝገበሮ ርኽሰትን መዘዝን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተፅሒፉ ኣሎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢኮንያን ነገሰ።
ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 24፡8-17)
9ኢኮንያን ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ገዝአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። 10#ኤር. 22፡24-30፥ 24፡1-10፥ 29፡1-2፥ 37፡1፥ ሕዝ. 17፡12-13፥ ኤር. 37፡1። እታ ዓመት ምስ ሓለፈት ድማ፥ ንጉስ ናቡከደነፆር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ኽቡር ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ንሴዴቅያስ ሓወቦኡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንገሶ።
ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 24፡18-20፥ ኤር. 52፡1-3)
11 #
ኤር. 27፡1-22፥ 28፡1-17። ሴዴቅያስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ። 12ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፉእ ገበረ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ብእግዚኣብሄር ኣፍውን ዝተዛረበ ነቢይ ኤርሚያስ፥ ርእሱ ኣየትሓተን።
ውድቀት ኢየሩሳሌም
(2 ነገ. 25፡1-21፥ ኤር. 52፡3-11)
13ሴዴቅያስ፥ ካብቲ ብስም እግዚኣብሄር ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ዓመፀ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስ ከዓ ኽሳዱ ኣትረረ፤ ልቡውን ኣጠንከረ። 14ኵሎም መራሕቲ ኻህናትን ህዝብን ድማ ኸምቶም ኣረማውያን ጣዖት ብምምላኽ ብዙሕ በደሉ። ነታ ባዕሉ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ ቤተ መቕደስውን ኣርከስዋ። 15እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከዓ ንህዝቡን ነታ ቤተ መቕደሱን ስለ ዝደንገፀሎም፥ ብልኡኻቱ ገይሩ ጊሓት ጊሓት የጠንቅቖም ነበረ። 16ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዝነድድ፥ ፈውሲውን ክሳዕ ዝሰኣን፥ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት እግዚኣብሄር ኣላገፁሎም፤ ነቲ ቓሉ ኸዓ ነዓቕዎ፤ ነቶም ነቢያቱውን ኣዋረድዎም። 17ስለዙይ እግዚኣብሄር ንንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊኣቶም ኣተስኦ። ንሱ ነጓብዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሰይፊ ቐተሎም፤ ንመናእሰይን ንደናግልን ንዓበይትን ንኣረጋውያንን ኣይራህርሀሎምን። እግዚኣብሄር ንዅሎም ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ኣሕሊፉ ሃቦም። 18ንሱ ኸዓ ንዅሉ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ዓቢይን ንእሽተይን፥ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ናብ ባቢሎን ወሰዶ። 19ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣንደድዋ፤ ነቲ መካበብያ ኢየሩሳሌም ከዓ ኣፍረስዎ፤ ንዅሉ ኣዳራሻታውን ብሓዊ ኣቃፀልዎ፤ ነቲ ዅሉ ኽቡር ኣቑሑታ ድማ ሰባበርዎ።
20ነቶም ኵሎም ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶም እሞ፥ ክሳዕ መንግስቲ ፋርስ እትለዓል፥ ንእኡን ንደቁን ባሮቱ ኾይኖም ኣገልገልዎ። 21ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ “እቶም ህዝቢ ነቲ እታ ምድሪ ብሸውዓተ ዓመት ክተዕርፎ ዝግብኣ ዕረፍቲ ሰንበት ስለ ዘይገበሩላ፥ ንሰብዓ ዓመት ክትባድም እያ እሞ ሽዑ ኽንድቲ ዘይሓለውዎ ዕረፍቲ ሰናብቲ ክኾነላ እዩ” ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ትንቢት ተፈፀመ።
ንጉስ ቂሮስ ኣይሁድ ንዓዶም ክምለሱ ኣወጀ
(እዝራ 1፡1-4)
22በታ መጀመርታ ዓመቱ ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ግና፥ እቲ ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ ተነጊሩ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍፀም፥ እግዚኣብሄር ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣለዓዓሎ። 23#ሕዝ. 17፡15። ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፥ ንመንግስታት ኵላ ምድሪ ሂቡኒ፤ ንሱ ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ቤት ክሰርሐሉ ኣዘዘኒ። ንስኻትኩም ከዓ፥ ኣቱም ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘለኹምዎ ናብ ኢየሩሳሌም ኪዱ፤ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን” ኢሉ ኣብ ኵሉ መንግስቱ ኣዋጅ ኣንገረ፤ መሊሱውን ብፅሑፍ ገበሮ።
Currently Selected:
2ይ ዜና 36: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in