2ይ ዜና 35
35
ኢዮስያስ ፋሲካ ኸም ዘብዓለ
(2 ነገ. 23፡21-23)
1ኢዮስያስ ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ፋሲካ ኣብዓለ፤ በታ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ ኸዓ በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ። 2ኢዮስያስ ድማ ነቶም ካህናት በብእቲ ዝተውሃቦም ሓላፍነት መደቦም፤ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄርውን ብትግሃት ከገልግሉ ኣተባብዖም። 3ነቶም ንዅሉ እስራኤል ዝምህሩ፥ ንእግዚኣብሄር ተቐዲሶም ዝነበሩ ሌዋውያን ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ነቲ ቕዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት ዝሰርሓ ቤተ መቕደስ ኣቕምጥዎ፤ ደጊም ኣብ ማእገርኩም ኣይትፆርዎን ኢኹም። ሕዝስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም። 4#2 ዜና. 8፡14። ከምቲ ዳዊት ንጉስ እስራኤልን ሰሎሞን ወዱን ብፅሑፍ ዝኣዘዝዎ በብማይ ቤት ኣቦታትኩም፥ በብኽፍልኹም ተዳለዉ።
5“ንስኻትኩም በብማይ ቤት ተመዲብኩም ነንኽፍሊ ማይ ቤት ህዝቢ እስራኤል ክተገልግሉ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ቁሙ፤ መስዋእቲ ፋሲካውን ሕረዱ። 6ንስኻትኩምውን ተቐደሱ፤ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ምእንቲ ኽፍፅሙስ፥ ነሕዋትኩም ኣዳልዉሎም።”
7ንጉስ ኢዮስያስ ድማ እቶም ደቂ ህዝቢ ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝሓርድዎ፥ ካብ መጓሰኡ ሰላሳ ሽሕ ጡበታትን ወጣጡን ሰለስተ ሽሕ ኣብዑርን ሃቦም።
8እቶም ሹመኛታቱውን ብፍቓዶም ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝኸውን፥ ነቶም ህዝብን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ሃብዎም። እቶም ኣሕሉቕ ቤት እግዚኣብሄር ዝኾኑ ኬልቅያስን ዘካርያስን ይሒኤልን ድማ እቶም ካህናት ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝሓርድዎም ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእቲ ጡበታትን ወጣጡን ሰለስተ ሚእቲ ኣብዑርን ሃብዎም። 9እቶም ኣሕሉቕ ሌዋውያን ዝኾኑ ኮናንያን ሸማያን ናትናኤልን ኣሕዋቱን ሓሸብያን ይዒኤልን ዮዛባትን ድማ፥ ሌዋውያን ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝሓርድዎም ሓሙሽተ ሽሕ ጡበታትን ወጣጡን ሓሙሽተ ሚእቲ ኣብዑርን ሃብዎም።
10ኵሉ ኸምዙይ ኢሉ ምስተዳለወ፥ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብትእዛዝ ንጉስ በብኽፍሎም ኣብ በቦታኦም ቆሙ። 11መስዋእቲ ፋሲካ ሓረዱ እሞ፥ እቶም ካህናት ነቲ ደም ካብ ኢድ ሌዋውያን እናተቐበሉ፥ ኣብቲ መሰውኢ ነፀግዎ። እቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ቘርበት ገፈፍዎ። 12ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምእንቲ ኸቕርቡሉን፥ ነቶም ህዝቢ በብኽፍሊ ማይ ቤት ኣቦታቶም ምእንቲ ኽዕድልዎምን፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ስጋ ፈለይዎ። ነቶም ኣብዑርውን ከምኡ ገይሮም መቐልዎም። 13#ዘፀ. 12፡8-9። ነቲ መስዋእቲ ፋሲካ ድማ ኸምቲ ስሩዕ ኣብ ሓዊ ጠበስዎ፤ ነቲ ቕዱስ መስዋእቲ ኸዓ ብቝራዓትን መቕሎታትን ድስትታትን እናብሰሉ፥ ንዅሎም ነቶም ህዝቢ ቐልጢፎም ዓደልዎም። 14ድሕሪዙይ ድማ እቶም ሌዋውያን ብምጥባሕ፥ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ስብሕታትን ብምዕራግ ክሳዕ ለይቲ ስለ ዝሰርሑ፥ እቶም ሌዋውያን ንኣኣቶምን ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮንን ዝበልዕዎ ስጋ ኣዳለዉ።
15 #
1 ዜና. 25፡1። እቶም መዘምራን ደቂ ኣሳፍ ድማ፥ ከምቲ ዳዊትን ኣሳፍን ሄማንን ኤደታም እቲ ናይ ንጉስ ረኣዪን ዝሰርዕዎ፥ ኣብ ስፍራኦም ቆሙ፤ እቶም ሓለውቲ በርታትውን፥ ኣሕዋቶም ሌዋውያን የዳልዉሎም ስለ ዝነበሩ፥ ካብ ሰፈሮም ከግልሱ ኣየድልዮምን ነበረ።
16ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ዅሉ እቲ ንኣገልግሎት እግዚኣብሄር ዝኸውን በዓል ፋሲካን ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል መስዋእትን በታ መዓልቲ እቲኣ ተዳለወ። 17#ዘፀ. 12፡1-20። ከምኡ ኸዓ እቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ደቂ እስራኤል በዓል ፋሲካን በዓል ቅጫን ሸውዓተ መዓልቲ ኣብዓሉ። 18ካብ ዘመን ነቢይ ሳሙኤል ጀሚሩ፥ ኣብ እስራኤል ከምዙይ ዝበለ ኣበዓዕላ ፋሲካ ተገይሩ ኣይፈልጥን። ከምቲ ኢዮስያስን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ኢየሩሳሌምን ዘብዓልዎ ፋሲካ ኻብ ኵሎም ቀዳሞት ነገስታት ሓደ እኳ ኸምኡ ዝገበረ ኣይነበረን። 19እዝ በዓል ፋሲካ እዙይ ኢዮስያስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ ተገብረ።
መወዳእታ ዘመን መንግስቲ ኢዮስያስ
(2 ነገ. 23፡28-30)
20ድሕሪዙይ ኢዮስያስ ኵሉ ንቤተ መቕደስ ዘድሊ ምስ ገበረ፥ ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ኣብ ከርከሚሽ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ክዋጋእ ኢሉ ምስ ተልዓለ፥ ኢዮስያስ ከዓ ኽዋግኦ ወፀ። 21ኒካዑ ግና ልኡኻት ሰዲዱ “ኣታ ንጉስ ይሁዳ፥ ምሳኻ እንታይ ባእሲ ኣለኒ? ኣነስ ናብቲ ዝዋግአኒ ዘሎ ፀላእየይ እየ ዝመፅእ ዘለኹ እምበር ናባኻ ኣይኮንኩን። ኣምላኽ ክቕልጥፍ ኣዚዙኒ ኣሎ፤ ስለዙይ እቲ ምሳይ ዘሎ ኣምላኽ ከየጥፍአካስ ኣይትቃወመኒ” በሎ።
22ኢዮስያስ ግና ኽዋጋእ ተበረታተዐ እምበር፥ ገፁ ኻብኡ ኣይመለሰን፤ ካልእ ሰብ ምእንቲ ኽመስል ኢሉ ኸዓ ኽዳውንቱ ለወጠ። ነቲ ብኣፍ እግዚኣብሄር ዝተነግረ ቓል ኒካዑ ኣይሰምዖን፤ ስለዙይ ኣብ ለሰ መጊዶ ኽዋጋእ ከደ።
23ንጉስ ኢዮስያስ ብወርወርቲ ዂናት ተወግአ፤ ንሓሻኽሩ ድማ “ብብርቱዕ ተወጊአ እየ እሞ፥ ካብዙይ ኣውፅኡኒ” በሎም። 24ሽዑ ሓሻኽሩ ኻብቲ ሰረገላኡ ኣውሪዶም ናብታ ኣብኡ ዝነበረት ካልአይቲ ሰረገላኡ ኣሕለፍዎ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣብፅሕዎ ድማ፥ ንጉስ ኢዮስያስ ሞተ፤ ኣብ መቓብር ኣቦታቱውን ተቐበረ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከዓ ንኢዮስያስ ሓዘኑሉ።
25ነቢይ ኤርሚያስ ንኢዮስያስ ኣልቀሰሉ፤ ኵሎም መዘምራን ሰብኡትን ኣንስትን ድማ ንኢዮስያስ ዘኪሮም ከልቅሱ እንተለዉ ኽሳዕ ሎሚ ነቲ መልቀሱ ይደግምዎ ነበሩ። እዙይ ኣብ እስራኤል ልሙድ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ መፅሓፍ መልቀስ ተፅሒፉ ኣሎ።
26እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮስያስ ነገርን፥ እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተፅሒፉ ዘሎ፥ ንእግዚኣብሄር ዘርኣዮ ፍቕሩን ተግባሩን፥ 27እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ።
Currently Selected:
2ይ ዜና 35: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in