2ይ ዜና 34
34
ኢዮስያስ ዝገበሮ ምምሕያሽ
(2 ነገ. 22፡1-2)
1 #
ኤር. 3፡6። ኢዮስያስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝአ። 2ንሱ ኸዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም እንተየግለሰ፥ ኣሰር ኣቦኡ ዳዊት ብምስዓብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ገበረ።
3ኣብ ሻምነይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ገና ቘልዓ እንተሎ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ከምልኽ ጀመረ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት መንግስቱ፥ ነቲ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነበረ፥ ጣዖታት ዘምልኹሉ በረኽትን ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ነቲ ፅሩብ ምስልታትን ነቲ ናይ ፍሲ ምስልታትን ከፅሪ ጀመረ። 4#2 ነገ. 21፡3፥ 2 ዜና. 33፡3። ነቲ መሰውኢታት በዓልውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍረስዎ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ምስሊ ፀሓይን መምለኺ ኣፀዳትን ቈራረፆ፤ ነቲ ዓምዲ ጣዖት ኣስታሮትን ነቲ ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ኣድቂቑ ሰባበሮ፤ ኣብ መቓብር እቶም ዝስውኡሎም ዝነበሩ ሰባት ድማ በተኖ። 5#1 ነገ. 13፡2። ነዕፅምቲ ኻህናት ጣዖት ድማ ኣብቲ መሰውኢታቶም ኣቃፀሎ እሞ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ኣፅረየን። 6ኣብ ከተማታት ምናሴን ኤፍሬምን ስምኦንን ክሳዕ ምድሪ ንፍታሌምን ኣብተን ኣብ ዙርያአን ዝነበራ ድማ ኸምኡ ገበረ። 7መሰውኢታት ኣፍረሰ፤ ንመምለኺ ዓፀዳትን ዝተቐረፁ ምስልታትን ከዓ ሓመድ ክሳዕ ዝኸውን ኣድቀቐ። ኣብ ኵሉ ሃገር እስራኤል ምስሊ ፀሓይ ቈራረፀ። ብድሕሪኡ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
መፅሓፍ ሕጊ ኸም ዝተረኽበ
(2 ነገ. 22፡3-20)
8ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፤ ነታ ሃገርን ነታ ቤተ መቕደስን ካብ ኣምልኾ ጣዖት ምስ ኣፅረየን፥ ንሳፋን ወዲ ኤዜልያስን ንመዕሴያ ሹም እታ ኸተማን ንእዮኣክ ወዲ ኢዮኣካዝ እቲ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፅግንዋ ለኣኾም።
9ነቲ እቶም ሌዋውያን ሓለውቲ በሪ፥ ካብ ነገድ ምናሴን ኤፍሬምን፥ ካብቶም ኵሎም ካብ ምርኮ ዝተረፉ ደቂ እስራኤልን፥ ካብ ኵሉ ህዝቢ ይሁዳን ብንያምን፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጡ ህዝብን ኣኪቦምዎ ዝነበሩ እሞ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘእተውዎ ገንዘብ ንሊቀ ካህናት ኬልቅያስ ሃብዎ። 10እዝ ገንዘብ እዙይ ድማ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሰራሕቲ ቤት እግዚኣብሄር ዝተሸሙ ተውሃበ። ንሳቶም ከዓ ነቶም ንቤት እግዚኣብሄር ክፅግንዋን ከዐርይዋን ዝተመረፁ ሰራሕተኛታት ሃብዎም። 11ነተን ነገስታት ይሁዳ ዘፍረስወን ኣባይቲ፥ ኣግማል ክገብሩለንን ውቑር እምንን ንመጋጠሚ ዝኸውን ኣዕፃውን ምእንቲ ኽዕድጉ፥ ንፀረብትን ንሃነፅትን ሃብዎም።
12እቶም ሰባት ከዓ ነቲ ስራሕ ብተኣማንነት ሰርሕዎ። ክሕልውዎም ዝተመረፁ ሌዋውያን ድማ፥ ካብ ደቂ ሜራሪ ያሓትን ኣብድያን፥ ካብ ደቂ ቀሃት ከዓ ዘካርያስን ሜሱላምን ነበሩ። እቶም ሌዋውያን ኵሎም ብመሳርሒ ሙዚቃ ምዝማር፥ ክኢላታት ነበሩ። 13ገሊኣቶም ሌዋውያን ኣብ ልዕሊ እቶም ሸኽሚ ዝፆሩ ሓለፍቲ ነበሩ፤ ገሊኣቶም ነቶም ንዅሉ ዓይነት ስራሕ ኣገልግሎት ዝሰርሑን፥ ዝሕልዉን ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ ፀሓፍትን ኣሕሉቕን ሓለውቲ በርታትን ነበሩ።
14ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ከውፅኡ እንተለዉ፥ ካህን ኬልቅያስ ነቲ ብሙሴ ዝተውሃበ መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ረኸቦ። 15ኬልቅያስ ድማ ንሳፋን እቲ ፀሓፊ “ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ረኺበዮ ኣለኹ” ኢሉ ነገሮ። ኬልቅያስውን ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ንሳፋን ሃቦ።
16ሳፋን ድማ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ናብ ንጉስ ኣምፅኦ። ንንጉስ ከዓ “እቲ ንሹመኛታትካ ዝኣዘዝካዮም ኵሉ ይፍፅምዎ ኣለዉ። 17ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦም፥ ኣብ ኢድ እቶም ዋናታትን ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ስራሕ ዝሰርሕዎን ሂቦምዎም ኣለዉ።” 18ሳፋን እቲ ፀሓፊ ኸዓ ወሲኹ ንንጉስ፥ “ካህን ኬልቅያስ ሓደ መፅሓፍ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ዓው ኢሉ ኣንበቦ።
19እቲ ንጉስ፥ ቃል እቲ መፅሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ደንጊፁ ኽዳውንቱ ቐደደ። 20ንኬልቅያስን ንኣኪቃም ወዲ ሳፋንን ንዓብዶን ወዲ ሚካን ንሳፋን እቲ ፀሓፍን፥ ንዓሳያ ሓሽከር ንጉስን ፀዊዑ፥ 21“ኣቦታትና ንቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ስለ ዘይገበሩ፥ እቲ ኣባና ወሪዱ ዘሎ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ። ስለዙይ ኪዱ፥ ብናይ እዝ ኣብዙይ ዝተረኽበ መፅሓፍ ዘሎ ቓል ምእንታይን ምእንቲ እዞም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝተረፉ ህዝብን ንእግዚኣብሄር ጠይቑ” ኢሉ ኣዘዞም።
22ሽዑ ኻህን ኬልቅያስን እቶም እቲ ንጉስ ዝኣዘዞምን ናብ ነቢዪት ሕልዳና ኸዱ። ንሳ ኣብቲ ናይ ኢየሩሳሌም ክፋል ከተማ እትቕመጥ ነበረት። ሰብኣያ ሴሌም ወዲ ቲቂዋ ወዲ ሓስራ፥ ሓላዊ ክዳውንቲ ቤተ መቕደስ ነበረ። ንሳቶም ነቲ ዝኾነ ነገር ነገርዋ።
23ንሳ ድማ ኸምዙይ በለቶም፦ “ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ በልዎ፦ 24እንሆ፥ ከምቲ ኣብቲ መፅሓፍ ዘሎ መርገም ነቲ ንጉስ ከዓ ዘንበቡሉ ንኢየሩሳሌምን ንህዝባን መከራ ኸውርደሎም እየ። 25ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዓጠኑ፥ ብኢዶም ጣዖታት ብምስራሕ ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ቝጥዓይ ክነድድ እዩ፤ ኣይጠፍእን ከዓ እዩ። 26ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትሓቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ኸምዙይ በልዎ፦ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕኻዮ ነገር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ 27ስለ ዝተነሳህካን ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን፥ ንኢየሩሳሌምን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ክቐፅዖም እየ ዝብል ፍርደይ ምስ ሰማዕኻ፥ ኣብ ቅድመይ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን ክዳውንትኻ ስለ ዝቐደድካን ኣብ ቅድመይ ከዓ ስለ ዝበኸኻን ሰሚዐካ ኣለኹ። 28ስለዙይ ንስኻ ናብ ኣቦታትካ ክትእከብ ኢኻ፤ ናብ መቓብርካውን ብሰላም ክትእከብ ኢኻ። ነቲ ኣነ ናብ ኢየሩሳሌምን ናብቶም ኣብኣ ዝነብሩን ዘምፅኦ ዅሉ መከራ በዒንትኻ ኣይትሪኦን ኢኻ።” ንሳቶም ድማ ነዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ኢዮስያስ ነገርዎ።
ኢዮስያስ ንእግዚኣብሄር ክእዘዝ ኪዳን ከም ዝኣተወ
(2 ነገ. 23፡1-20)
29ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰዲዱ፥ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣከቦም። 30እቲ ንጉስን ኵሎም ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን እቶም ካህናትን ሌዋውያንን፥ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽተይ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ መፅሓፍ ኪዳን ከዓ ንዅሎም ኣብ ኣእዛኖም ኣንበበሎም። 31ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኣብቲ ነገስታት ደው ዝብሉሉ ዓምዲ ደው ኢሉ፥ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን ንእግዚኣብሄር ከገልግል፥ ትእዛዛቱን ስርዓታቱን ሕግጋቱን ክሕሉ፥ ነቲ ኣብዚ መፅሓፍ ኪዳን እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ክእዘዝ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣተወ።
32ንኵሎም ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ብንያምን ዝነብሩ በዝ ነገር እዙይ ኣምሓለ። ስለዙይ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ቃል ኪዳን ኣምላኽ ኣቦታቶም እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበሩ።
33ኢዮስያስ ድማ ኻብ ኵሉ ምድሪ ደቂ እስራኤል፥ ኵሉ ርኹስ ዝኾነ ነገር ኣወገዶ። ኣብ እስራኤል ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዘገልግልዎ ገበሮም። ኢዮስያስ ብህይወት ክሳዕ ዝነበረሉ ዘመን ድማ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ካብ ምምላኽ ኣይረሓቑን።
Currently Selected:
2ይ ዜና 34: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: