YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 33

33
ምናሴ ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 21፡1-9)
1ምናሴ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። 2#ኤር. 15፡4። ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ግብሪ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ርኽሰት ብምፍፃሙ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። 3ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘፍረሶ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፤ ንጣዖታት በዓል ከዓ መሰውኢታት ሰርሐ፤ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ገበረ። መምለኺ ዓፀዳትውን ተኸለ። ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ድማ ሰገደሎምን ኣምለኾምን። 4#2 ዜና. 6፡6። ኣብታ እግዚኣብሄር “ስመይ ንዘለኣለም ኣብኣ ኸንብር እየ” ኢሉ ዝተዛረበላ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ እንተይተረፈ ናይ ጣዖት መሰውኢታት ሰርሐ። 5ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ዘምልኹሉ መሰውኢታት ሰርሐ። 6ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም። ብስብሒ ድማ ይጥንቍል ነበረ። መናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑን ጠንቈልትን ኣከበ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባር ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ።
7ነቲ ዝገበሮ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ፤ ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን ከምዙይ ኢልዎም ነበረ፦ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ። 8#1 ነገ. 9፡3-5፥ 2 ዜና. 7፡12-18። እንተ ኾነ ኸምቲ ዅሉ ዝኣዘዝክዎም፥ ከምቲ ብባርያይ ሙሴ ገይረ ዝሃብክዎም ኵሉ ሕግን ስርዓታትን ትእዛዛትን ንምግባር ደኣ ይጠንቀቑ እምበር፥ ንደቂ እስራኤል ካብታ ነቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣይነቕሎምን እየ።” 9ምናሴ ግና ንህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ኣስሓቶም። ንሳቶም ከዓ ኻብቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝገደደ ሓጢኣት ገበሩ።
ምናሴ ኸም ዝተናስሐ
10እግዚኣብሄር ከዓ ንምናሴን ንህዝቡን ኣጠንቀቖም፤ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎን። 11ሽዑ እግዚኣብሄር ናይ ንጉስ ኣሶር ኣሕሉቕ ሰራዊት ሰዲዱ ንይሁዳ ኸም ዝወርዋ ገበረ። ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቓጥን ሓዝዎ፤ ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። 12ዓቕሉ ምስ ፀበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን የመና ርእሱ ኣዋረደ። 13ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ እግዚኣብሄር ድማ ራህርሀሉ፤ ፀሎቱውን ሰምዖ። ናብታ መንግስቱ ናብ ኢየሩሳሌምውን መለሶ። ሽዑ ምናሴ እግዚኣብሄር በይኑ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ፈለጠ።
14ድሕሪዙይ ምናሴ ንኸተማ ዳዊት ካብ ወገን ምዕራብ ግዮን ጀሚሩ፥ ኣብታ ለሰ በታ ዓሳ ዝኣትዉላ ኣፍ ደገ ሓሊፉ፥ ክሳዕ ዙርያ ዖፌል ናይ ወፃኢ መካበቢያ ነደቐላ፤ የመናውን ኣበረኾ። ኣብ ኵለን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ኸዓ ኣሕሉቕ መምስ ሓሻኽሮም ኣቐመጠ።
15ነቶም ባዕዳን ኣማልኽትን ነቲ ምስሊ ጣዖትን ድማ ኻብታ ቤት እግዚኣብሄር ኣውፅኦም፤ ነቲ ኣብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዎ ዀረብታን ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ነዲቕዎ ዝነበረ ዅሉ መሰውኢታት ኣርሒቑ ናብ ወፃኢ ኸተማ ደርበዮ። 16ነቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ድማ ሓደሶ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ መስዋእቲ ድሕነትን መስዋእቲ ምስጋናን ሰውአ። ንህዝቢ ይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከገልግልዎ ኣዘዞም። 17ግናኸ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ጥራይ ድኣ ይስውኡ ነበሩ እምበር፥ ኣብ በረኽቲ ምስዋእ ኣይሓደጉን።
መወዳእታ መንግስቲ ምናሴ
(2 ነገ. 21፡17-18)
18እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን እቲ ንኣምላኹ ዘቕረቦ ፀሎትን እቶም ነቢያት ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ ቓልን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ። 19ብዛዕባ ፀሎቱን እግዚኣብሄር ዝሃቦ መልስን፥ ብዛዕባ ቅድሚ ምንሳሑ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱን ክሕደቱን፥ ብዛዕባ እቲ ንጣዖት ከምልኹሉ ኢሉ ዝሰርሖ በረኽትን፥ ብዛዕባ እቲ ዘቖሞ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን፥ ብዛዕባ እቶም ዘምልኾም ዝነበረ ኣማልኽትን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነቢያት ተፅሒፉ ኣሎ። 20ምናሴ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ቤቱውን ቀበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሞፅ ነገሰ።
ኣሞፅ ንጉስ ይሁዳ
(2 ነገ. 21፡19-26)
21ኣሞፅ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ኽልተ ዓመት ገዝአ። 22ንሱውን፥ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ነቶም ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮም ኵሎም ምስልታት ሰውአሎምን ኣምለኾምን። 23ኣሞፅ ግና ነቲ በደል እናብዝሖ ደኣ ኸደ እምበር፥ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ርእሱ ዘዋረደ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርእሱ ኣየዋረደን።
24ሹመኛታቱ ኸዓ ሻራ ገበሩሉ እሞ፥ ኣብ ቤተ መንግስቱ ቐተልዎ። 25ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞፅ ሻራ ዝገበሩሉ ዅሎም ቀተልዎም። ክንድኡ ኸዓ ንወዱ ኢዮስያስ ኣንገስዎ።

Currently Selected:

2ይ ዜና 33: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in