2ይ ዜና 1
1
ንጉስ ሰሎሞን ዘስተውዕል ልቢ ኽወሃቦ ኸም ዝለመነ
(1 ነገ. 3፡1-15)
1ሰሎሞን ወዲ ዳዊት መንግስቱ ኣፅኒዑ ሓዘ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ ስለ ዝነበረውን የመና ኣዕበዮ።
2ሰሎሞንውን ንዅሉ እስራኤል፥ ንኣሕሉቕ ሽሕን ንኣሕሉቕ ሚእትን ንፈረድትን፥ ንዅሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ንዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን፥ ተዛረቦም። 3እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ዝሰርሖ፥ ናይ ኣምላኽ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ገባዖን ስለ ዝነበረ፥ ሰሎሞንን እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤልን ናብኡ፥ ናብቲ ዀረብታ ኸዱ። 4#2 ሳሙ. 6፡1-17፥ 1 ዜና. 13፡5-14፥ 15፡25፥ 26፡1። ግና ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ድንኳን ተኺሉሉ ነበረ እሞ፥ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት የዓሪም ናብቲ ንሱ ዘዳለወሉ ቦታ ኣደዪብዎ ነበረ። 5#ዘፀ. 38፡1-7። እቲ ባስልኤል፥ ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር፥ ዝሰርሖ መሰውኢ ነሃስ ግና ኣብ ቅድሚ እቲ መሕደሪ እግዚኣብሄር ኣብ ገባዖን ነበረ። ሰሎሞንን ህዝቢ እስራኤልን ከዓ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር የምልኹ ነበሩ። 6ሰሎሞን ድማ ናብኡ ደዪቡ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብቲ ጥቓ ናይ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውኢ፥ ሽሕ ከፍቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ሰውአ።
7እግዚኣብሄር ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተገለፀሉ፤ “ክህበካ እትደልዮ ጠይቐኒ” ድማ በሎ።
8ሰሎሞን ከዓ ንእግዚኣብሄር “ነቦይ ዳዊት ዓብዪ ምሕረት ገበርካሉ፤ ንኣይ ድማ ኽንድኡ ኣንገስካኒ። 9#ዘፍ. 13፡16፥ 28፡14። ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! እቲ ነቦይ ዳዊት ዝሃብካዮ ተስፋ ሕዚ ፈፅሞ፤ ብዝሓቱ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ዝኾነ ህዝቢ ንስኻ ኣንጊስካኒ ኣለኻ። 10ነዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ መን ከመሓድሮ ይኽእል? እምበኣርከስ ነዝ ህዝቢ እዙይ ከመሓድሮ ምእንቲ ክኽእል ጥበብን ፍልጠትን ሃበኒ” በሎ።
11እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን “ድሌትካ እዙይ ካብ ኮነ፥ ሃብትን ገንዘብን ክብረትን ወይ ነፍሲ ፀላእትኻ ወይ ነዊሕ ዕድመ ስለ ዘይለመንካ፥ ክንድኡ ነዝ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምምሕዳር ምእንቲ ኽትክእል፥ ጥበብን ፍልጠትን ክወሃበካ ስለ ዝለመንካ፥ 12ጥበብን ፍልጠትን ሂበካ ኣለኹ። ቅድሜኻ ንዝነበረ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ዘይነበሮ፥ ብድሕሬኻ ዝለዓልውን ከምኡ ዝበለ ዘይረኽቦ ሃብትን ገንዘብን ክብረትን እውን ክህበካ እየ” በሎ።
ስልጣን ሰሎሞንን ሃብቱን
(1 ነገ. 10፡26-29)
13ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ኣብ ገባዖን ዝነበረ ዀረብታ፥ ካብቲ መራኸቢ ድንኳን ተመሊሱ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ። ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ነገሰ።
14 #
1 ነገ. 4፡26። ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣከበ፤ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰረገላን ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ። ኣብቲ ኸተማ ሰረገላታትን፥ ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣቐመጦም። 15እቲ ንጉስ ድማ ንወርቅን ብሩርን ኣብ ኢየሩሳሌም ከም እምኒ ኸም ዝበዝሕ ገበሮ፤ ንዝግባውን ብዝሓቱ ኣብ ቆላ ኸም ዘሎ ሳግላ ገበሮ። 16እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ከዓ ኻብ ግብፅን ካብ ቀዌን፥ በቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ካብ ቀዌ ተዓዲጎም ዝመፁ ነበሩ። #ዘዳ. 17፡16። 17ሓደ ሰረገላ ኻብ ግብፂ ብሽዱሽተ ሚእቲ ቕርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከዓ ብሚእትን ሓምሳን ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ንዅሎም ነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ሶርያን ድማ ኸምኡ እናገበሩ ብኢዶም የምፅኡሎም ነበሩ።
Currently Selected:
2ይ ዜና 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: