YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ሳሙኤል 9

9
ሳሙኤል ንሳኦል ከም ዝቐብኦ
1ካብ ነገድ ብንያም ቂስ ዝበሃል ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ ኣቢኤል፥ ወዲ ፀሮር፥ ወዲ ብኮራት፥ ወዲ ብንያማዊ ኣፌቅ ፅኑዕ ሓያል ሰብ ነበረ። 2ንሱ ኸዓ ሳኦል ዝበሃል መልክዐኛ መንእሰይ ወዲ ነበሮ፤ ካብ ደቂ እስራኤል ካብኡ ዝፅብቕ ሰብ ኣይነበረን፤ ምንዋሑ ኻብ ማእገሩ ንላዕሊ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ፀብለል ዝበለ ነበረ።
3ንቂስ ኣቦ ሳኦል ኣእዱግ ጠፍኣኦ። ቂስ ድማ ንሳኦል ወዱ “ካብዞም ኣገልገልቲ ሓደ ምሳኻ ውሰድ እሞ፥ ኪድ ነተን ኣእዱግ ድለየን” በሎ። 4ሽዑ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬምን ኣብ ምድሪ ሻሊሻን ዘይሮም ደለይወን፤ ግና ኣይረኸብወንን። ብምድሪ ሻዓሊም ሓሊፎም ድማ ደለይወን፤ ኣብኣውን ኣይነበራን፤ ኣብ ምድሪ ብንያማውያንውን ዘይሮም ደለይወን፤ ግና ኣይረኸብወንን።
5ናብ ምድሪ ፁፍ ምስ መፁ፤ ሳኦል ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣገልጋሊ “ኣቦይ ናይ ኣእዱግ ሓዲጉ ብኣና ይጭነቕ ከይህሉስ፥ ንዓናይ ንኺድ ንመለስ” በሎ።
6እቲ ኣገልጋሊ ግና “እንሆ፥ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣሎ፥ ንሱ ኽቡር ሰብኣይ እዩ፤ ዝበሎ ዅሉ ይፍፀም እዩ እሞ፥ ሕዚ ናብኡ ንኺድ፤ ንሱ ምናልባሽ እንኸደሉ መንገዲ ይነግረና ይኸውን” በሎ።
7ሳኦል ድማ ነቲ ኣገልጋሊ “እሺ ምኻድስ ንኺድ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንታይ ክንወስደሉ ኢና? ኣብ ለቖታና ዝነበረ እንጀራ ተወዲኡ እዩ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እነቕርበሉ ውህብቶ የብልናን፤ እንታይ ድኣ ኽንወስደሉ ኢና?” በሎ። 8እቲ ሓሽከር ከዓ ንሳኦል “እንሆ ሰለስተ ግራም ብሩር ኣብ ኢደይ ኣለኒ፤ እምበኣር መንገድና ምእንቲ ኽሕብረናስ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ክህቦ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
9(እዝ ሎሚ ነቢይ ዝበሃል ዘሎ፥ ቀደም ረኣዪ ይበሃል ነበረ እሞ፥ ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ክጥይቕ እንትኸይድ “ንዑ ናብ ረኣዪ ንኺድ” ይብል ነበረ።)
10ሳኦል ድማ ነቲ ኣገልጋሊኡ “ፅቡቕ ተዛሪብካ፤ ንዓናይ ንኺድ” በሎሞ፥ ናብታ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዋ ኸተማ ኸዱ።
11ንሳቶም በቲ ናብታ ኸተማ ዘደይብ ዓቐበት ክድይቡ እንተለዉ፥ ማይ ክወርዳ ዝወፃ ኣዋልድ ረኸቡ እሞ “እቲ ረኣዪ ኣብዙይዶ ኣሎ?” ኢሎም ጠየቑወን።
12ንሳተን ከዓ “እወ፥ ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ፤ ሕዚ ቐልጥፉ፤ እዝ ህዝቢ ሎሚ ኣብቲ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ኽስውእ እዩ እሞ፥ ንሱ ሎሚ ናብዛ ኸተማ መፂኡ ኣሎ። 13ናብ ከተማ ምስ ኣተኹም፥ ገና ናብቲ በሪኽ ክበልዕ እንተይደየበ፥ ክትረኽብዎ ኢኹም። ንሱ እዩ ነቲ መስዋእቲ ዝባርኾ እቶም ህዝቢ ንሱ እንተይመፀ ኣይበልዑን እዮም። ድሕሪኡ እዮም እቶም ዕዱማት ዝበልዑ። በዛ ጊዜ እዚኣ ኽትረኽብዎ ኢኹም፤ ስለዙይ ሕዚ ደይቡ” በላኦም።
14ናብታ ኸተማ ኸዓ ደየቡ። ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ፥ እንሆ፥ ሳሙኤል ናብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ኽድይብ ናብኣቶም ኣቢሉ መፀ።
15ሳኦል ቅድሚ ምምፅኡ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዙይ ኢሉ ገሊፁሉ ነበረ፦ 16“ስቓይ ህዝበይ ሪአ፤ ገዓሮም ከዓ ናባይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሃገር ብንያም ናባኻ ኽሰድድ እየ፤ ንእኡ ኣብ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ክኸውን ቅብኣዮ፤ ንሱ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም እዩ።”
17ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረአዮ፥ እግዚኣብሄር፥ “እቲ ዝበልኩኻ ሰብኣይ እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዝገዝእ እዙይ እዩ” በሎ።
18ሳኦል ከዓ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ናብ ሳሙኤል ቀሪቡ “ቤት እቲ ረኣዪ ኣበይ ከም ዝኾነ በይዛኻ ኣርእየኒ?” በሎ።
19ሳሙኤል ድማ ንሳኦል “እቲ ረኣዪ ኣነ እየ፤ ሎሚ ምሳይ ክትመስሑ ኢኹም እሞ፥ ቅድመይ ናብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ደይቡ፤ ፅባሕ ግና ዅሉ እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ነጊረ ኽሰደካ እየ። 20እተን ካብ ዝጠፍኣ ሰለስተ መዓልቲ ዝገበራ ኣእዱግ ከዓ ተረኺበን እየን እሞ፥ ብኣኣተን ኣይትሕሰብ። ኵሉ እቲ እስራኤል ዝምነዮኸ፥ ንመን ድዩ? ንኣኻን ንቤት ኣቦኻንዶ ኣይኮነን?” በሎ።
21ሳኦል ድማ “ኣነስ ብንያማዊ፥ ካብቶም ኣናእሽቱ ነገዳት እስራኤል ሓደዶ ኣይኮንኩን? ዓሌተይ ከዓ እቲ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ነገድ ብንያም ዝንእስዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ኢኻ ኸምዙይ ዝበለ ዘረባ እትዛረበኒ ዘለኻ?” ኢሉ መለሰሉ።
22ሳሙኤል ድማ ንሳኦልን ነቲ ኣገልጋሊኡን ናብ ኣዳራሽ ኣእትዩ፥ ብልዕሊ እቶም ዕዱማት ኣቐመጦም፤ ንሳቶም ከዓ ኣስታት ሰላሳ ሰብ ነበሩ። 23ሳሙኤል ድማ ነቲ ሰራሒ ፀብሒ “ነቲ ምሳኻ ኣንብሮ ኢለ ዝሃብኩኻ ምቃል ስጋ ኣምፅአዮ” በሎ። 24እቲ ሰራሒ ፀብሒ ኸዓ፥ ነቲ ስጋ ሰለፍን ነቲ ምስኡ ዝነበረን ኣምፂኡ፥ ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣንበሮ። ሳሙኤል ድማ “ነቲ ህዝቢ ካብ ዝፅውዕ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ ምድብቲ ጊዜ እዚኣ ንኣኻ ተቐሚጡልካ ነይሩ እዩሞ፥ ነቲ ዝተቐመጠልካ ኣብ ቅድሜኻ ተነቢሩልካ እዩሞ እንሆ ብልዓዮ” በሎ። ሳኦል ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሳሙኤል በልዐ።
25ካብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ፥ ናብታ ኸተማ ምስ ወረዱ ድማ፥ ሳሙኤል ኣብ ዝባን ናሕሲ ኾይኑ ምስ ሳኦል ተዛራረበ። #9፡25 ኣብ ዝባን ናሕሲ ኾይኑ ምስ ሳኦል፦ ገሊኡ ጥንታዊ ብራና “ኣብ ናሕሲ ዓራት ቀረቡሉ” ይብል። 26ኣንጊሆም ከዓ ተስኡ። ምስ ወግሐ፥ ሳሙኤል ኣብ ናሕሲ ኾይኑ ንሳኦል “ከፋንወካ ተስእ” ኢሉ ፀውዖ። ሳኦል ከዓ ተስአ፤ ንሱን ሳሙኤልን ድማ ኽልቲኦም ናብ በረኻ ወፁ። 27ኣብ ወሰን እታ ኸተማ ምስ ወረዱ፥ ሳሙኤል ንሳኦል “ነዝ ሓሽከር ‘ንቕድሜና ክሓልፍ ንገሮ፤’ ንስኻ ግና፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኽነግረካስ፥ ኣብዙይ ደው በል” በሎ። እቲ ሓሽከር ከዓ ሓለፈ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in