1ይ ሳሙኤል 7
7
1እቶም ሰብ ቂርያትይዓሪም ድማ መፂኦም ንታቦት እግዚኣብሄር ኣደዪቦም ናብታ ኣብ ኰረብታ ዘላ ቤት ኣሚናዳብ ኣእተውዎ፤ ንወዱ ኣልኣዛር ከዓ ታቦት እግዚኣብሄር ክሕሉ ቐደስዎ። #2 ሳሙ. 6፡2-4፥ 1 ዜና. 13፡5-7።
ሳሙኤል ንእስራኤል ከም ዝመርሖም
2እቲ ታቦት ኣብ ቂርያትየዓሪም ካብ ዝቕመጥ ጊዜኡ ነውሐ፤ ኣስታት ዕስራ ዓመትውን ኮነ። ኵሎም ቤት እስራኤል ድማ ሓዚኖም ናብ እግዚኣብሄር ይቝዝሙ ነበሩ።
3ሳሙኤል ከዓ ንዅላ ቤት እስራኤል “ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንተ ዄንኩም፥ ባዕዳን ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቑ፤ ልብኹም ከዓ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፤ ንእኡ ጥራሕውን ኣምልኹ፤ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነኩም እዩ” በሎም። 4ደቂ እስራኤል ከዓ ንጣዖታት በዓልን ኣስታሮትን ኣርሒቖም ንእግዚኣብሄር ጥራሕ ኣምለኹ።
5ሳሙኤል ድማ “ንዅሎም ደቂ እስራኤል ናብ ምፅጳ ኣክብዎም፤ ኣነ ኸዓ ምእንታኻትኩም ንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ” በሎም። 6ሽዑ ኣብ ምፅጳ ተኣከቡ፤ ማይ ቀዲሖም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም መስዋእቲ ኣፍሰስዎ፤ በታ መዓልቲ እቲኣውን ፆሙ፤ ኣብኡ ኸዓ “ንእግዚኣብሄር በዲልና ኢና” ኢሎም ተናዘዙ። ሳሙኤል ድማ ንደቂ እስራኤል ኣብ ምፅጳ ፈረደ።
7ፍልስጥኤማውያን ከዓ ደቂ እስራኤል ኣብ ምፅጳ ኸም ዝተኣከቡ ምስ ሰምዑ፥ እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ንደቂ እስራኤል ክዋግእዎም ደየቡ። ደቂ እስራኤል ድማ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ንፍልስጥኤማውያን ፈርሕዎም። 8ንሳሙኤል ድማ “ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነናስ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምፅላይ ኣይትሕደግ” በልዎ። 9ሳሙኤል ድማ ሓደ ዝጠቡ ጡቦት በጊዕ ወሲዱ፥ ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ኣቕረበ። ምእንቲ እስራኤል ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ እግዚኣብሄር ድማ ሰምዖ።
10ሳሙኤል እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዕርግ እንተሎ፥ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ክዋግኡ ቐረቡ። እግዚኣብሄር ግና በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐድጓድ ኣንጐድጒዱ ኣሸበሮም እሞ፥ ብደቂ እስራኤል ተስዓሩ። 11እቶም እስራኤላውያን ድማ ኻብ ምፅጳ ወፂኦም ንፍልስጥኤማውያን እግሪ እግሮም ሰዓብዎም፤ ክሳዕ ትሕቲ ቤት ካር እናሰዓቡውን ቀተልዎም።
12ሽዑ ሳሙኤል ሓደ እምኒ ወሲዱ ኣብ መንጎ ምፅጳን ሼንን ኣንበሮ፤ “እግዚኣብሄር ክሳዕ እዙይ ረድአና” እንትብል ድማ፥ ኣቤንዔዘር ኢሉ ሰመዮ። 13ፍልስጥኤማውያን ተስዓሩ፤ ብድሕሪኡ መሊሶም ንወሰን እስራኤል ኣይወረርዎን።
ብዅሉ ዘመን ሳሙኤል ድማ መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ከቢዱ ነበረ። 14እተን ፍልስጥኤማውያን ካብ ደቂ እስራኤል ወሲዶምወን ዝነበሩ ኸተማታት ድማ፥ ካብ ኣስቀሎና ክሳዕ ጌት፥ ናብ ደቂ እስራኤል ተመለሳ፤ ንወሰነን ከዓ ደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣድሓንወን። ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ መንጎ ኣሞራውያንን ድማ ዕርቂ ነበረ።
15ሳሙኤል ድማ ምሉእ ዘመን ህይወቱ ንደቂ እስራኤል መርሖም። 16ዓመት ዓመት ከዓ ናብ ቤቴልን ጌልጌላን ምፅጳን ይዘውር ነበረ፤ ኣብ ኵለን እዘን ቦታታት እዚኣተን ከዓ ንደቂ እስራኤል ይፈርዶም ነበረ። 17ቤቱ ኣብ ኣርማቴም ስለ ዝነበረት፥ ናብኣ ይምለስ ነበረ፤ ኣብኣ ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 7: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in