YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ሳሙኤል 24

24
ዳዊት ንሳኦል ከም ዝራህርሀሉ
1ሳኦል ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋጊኡ ምስ ተመለሰ “እንሆ፥ ዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ዓይንጋዲ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። 2ሽዑ ሳኦል፥ ካብ ኵሉ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኡት ወሲዱ፥ ንዳዊትን ሰዓብቱን ኣጣል በረኻ ናብ ዝነብርዎ ኣኻውሕ ጤለ በዱ ኽደልዮም ከደ።
3ናብቲ ጥቓ መንገዲ ዝነበረ ደምበታት ኣባጊዕ ድማ መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ በዓቲ ነበረ፤ ሳኦል ድማ ደገ ኽፍትን ኣተወ። ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ። 4ሽዑ እቶም ሰዓብቱ “እታ እግዚኣብሄር ‘ነቲ ፀላኢኻ ኸም ድልየትካ ኽትገብሮስ፥ እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ዝበለካ መዓልቲ እኒሃ ሎሚ እያ” በልዎ። ዳዊት ድማ ሰላሕ ኢሉ ኸይዱ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረፀ። #1 ሳሙ. 26፡20።
5ድሕሪዙይ ግና፥ ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለ ዝቘረፀ፥ ንዳዊት ልቡ ወቐሶ። 6ንሰዓብቱ ድማ “ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ንጐይታይ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፥ ክቐትል ኢለ፥ ኢደይ ካብ ምልዓል እግዚኣብሄር ይሰውረኒ” በሎም። #1 ሳሙ. 26፡11። 7ዳዊት ነቶም ሰዓብቱ ኸምዙይ ኢሉ ብምዝራብ ገንሖም፤ ንሳኦል ከይቐትልዎ ድማ ኸልከሎም። ሳኦል ከዓ ኻብቲ በዓቲ ወፂኡ መንገዱ ኸደ።
8ድሕሪዙይ ዳዊት ተሲኡ ኻብቲ በዓቲ ወፀ፤ “ኦ ጐይታይ ንጉስ!” ኢሉ ኸዓ ንሳኦል ፀውዖ። ሳኦል ድማ ንድሕሪኡ ግልፅ ምስ በለ፥ ዳዊት ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። 9ዳዊት ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “ስለ ምንታይ ኢኻ ዘረባ እቶም ‘እንሆ፥ ዳዊት ክቐትለካ እዩ ዝደሊ’ ዝብሉኻ ሰባት እትሰምዕ? 10እግዚኣብሄር ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ በዓቲ ኽቐትለካ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበኒ በዒንትኻ ርኢኻ ኣለኻ። ገሊኣቶም እኳ ኽቐትለካ መኺሮምኒ ነይሮም። ኣነ ግና፥ ‘ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ንጐይታይ ክቐትል ኢለ ኢደይ ኣየልዕልን እየ’ ኢለ ራህራህኹልካ። 11ኣቦይ፥ እቲ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎ ረአ። ጫፍ ክዳንካ ኽቘርፅ እንተለኹ፥ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ክፍኣት ኮነ በደል ከም ዘይብለይ ተረዳእን ፍለጥን። ንስኻ እኳ ኽትቀትለኒ እንተ ደለኻ፥ ኣነ ግና ኸም ዘይበደልኩኻ ርኢኻ ፍለጥ። 12እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፤ እግዚኣብሄርውን ንኣኻ ይበቀለለይ፤ ኢደይ ግና ኣብ ልዕሌኻ ኣይትኸውንን። 13ከምቲ ምስላ ቐዳሞት ‘ሓጢኣት ካብ ሓጢኣተኛታት ሰባት እዩ ዝወፅእ’ ከም እተብሃለ፥ ኢደይ ግና ኣብ ልዕሌኻ ኣይትኸውንን።
14 # 1 ሳሙ. 26፡20። “ንጉስ እስራኤል ደድሕሪ መን እዩ ወፂኡ ዘሎ? ንመንከ ኢኻ ንስኻ እተሳጕጎ ዘለኻ? ንምዉት ከልቢ? ወይ ንቝንጪ? 15ስለዙይ እግዚኣብሄር ዳኛ ኾይኑ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፤ ሪኡውን ይማጐተለይ፤ ካብ ኢድካውን የድሕነኒ።”
16ዳዊት እዝ ዘረባ እዙይ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ ሳኦል፥ “ወደይ ዳዊት እዙይ ድምፅኻ ድዩ?” በለ፤ ሳኦልውን ድምፁ ዓው ኣቢሉ በኸየ። 17ንዳዊት ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኽፉእ እናገበርኩኻ ፅቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፥ ካባይ ብዝበለፀ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ። 18እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እንተሎስ፥ ንኣይ ብዘይ ምቕታልካ ንስኻ ፅቡቕ ከም ዝገበርካለይ፥ ሎሚ ኣርአኻኒ። 19ሰብ ንፀላኢኡ ረኺቡ፥ ብፅቡቕ መንገዲ ሰንዩ ዝሰድድ መን እዩ? ስለ እዝ ሎሚ ዝገበርካለይ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ይፍደኻ። 20ሕዚ ኸዓ እንሆ፥ ንስኻ ብርግፅ ከም እትነግስ፥ እታ መንግስቲ እስራኤል ድማ ብዘመንካ ኸም እትፀንዕ እፈልጥ እየ። 21ሕዚ ኸዓ፥ ብድሕረይ ንዘርአይ ከይተጥፍኦ፥ ንስመይውን ካብ ቤት ኣቦይ ከይትድምስሶ፥ ብእግዚኣብሄር መሓለለይ።”
22ዳዊት ድማ ንሳኦል መሓለሉ። ሽዑ ሳኦል ናብ ቤቱ ተመለሰ፤ ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ናብ እምባ ደየቡ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in