1ይ ሳሙኤል 25
25
ሳሙኤል ከም ዝሞተ
1ሳሙኤል ሞተ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ተኣኪቦም በኸዩሉ፤ ኣብ ኣርማቴም ኣብ ገዛኡ ድማ ቐበርዎ።
ዳዊትን ኣቢግያን
ሽዑ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ፋራን ወረደ። 2ሓደ ኣብ ቀርሜሎስ መሬት ዝነበሮ ሰብኣይ ኣብ ፋራን ነበረ። ንሱ የመና ሃብታም ነበረ፤ ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሽሕ ኣጣልውን ነበራኦ። በቲ ጊዜ እቱይ ድማ ፀጕሪ ኣባጊዑ ኣብ ቀርሜሎስ ይቘርፅ ነበረ። 3ስሙ ናባል፥ ስም ሰበይቱ ኸዓ ኣቢግያ ነበረ። ሰበይቱ የመና መስተውዓሊትን መልክዐኛን ነበረት። ንሱ ግና ጨካን፥ ግብሩ ድማ ኽፉእ ነበረ፤ ካብ ዓሌት ካሌብውን ነበረ።
4ዳዊት ድማ ኣብ ምድረ በዳ እንተሎ፥ ናባል ፀጕሪ ኣባጊዑ ይቘርፅ ከም ዘሎ ሰምዐ። 5ሽዑ ዳዊት ዓሰርተ ኣጓብዝ ልኢኹ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ናብ ቀርሜሎስ ደይብኩም ናብ እንዳ ናባል እተዉ እሞ ብስመይ ሰላም በልዎ። 6ከምዙይ ድማ በልዎ፦ ‘ሰላም ንኣኻ ይኹን። ንስኻን ቤተ ሰብካን ዘለካ ዅሉውን ብሰላም ክትህልዉ እምነየልኩም።’
7“ሕዚ ኸዓ ፀጕሪ ኣባጊዕ ትቘርፅ ከም ዘለኻ ሰሚዐ። ጓሶትካ ምሳና ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣይዓመፅናዮምን፤ ኣብ ቀርሜሎስ ብዝነበሩሉ ጊዜ ኸዓ ዝኾነ እኳ ኣይጠፍኦምን። 8ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ንኣገልገልትኻ ጠይቆም፤ ንሳቶም ከዓ ኽነግሩኻ እዮም። እምበኣር ብመዓልቲ በዓል መፂእና ኣለና እሞ፥ እዞም ኣጓብዝ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ይርከቡ። በይዛኻ ኣብ ኢድካ ዝተረኽበ ንኣገልጋሊኻን ንወድኻ ዳዊትን ሃቦም።”
9እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ምስ መፁ ድማ ዅሉ እዝ ነገር እዙይ ብስም ዳዊት ንናባል ነገርዎ፤ ስቕ ኢሎም ከዓ ተፀበዩ።
10ናባል ድማ ነቶም ኣገልገልቲ ዳዊት “ዳዊት መን እዩ? ወዲ እሴይከ መን እዩ? ሎሚ እኮ ኸካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ኣገልገልቲ ብዙሓት እዮም። 11እንጀራይን ወይነይን፥ እቲ ንቘረፅቲ ፀጕሪ ኣባጊዐይ ኢለ ዝሓረድክዎ ስጋን፥ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ኽህብ እየ?” ኢሉ መለሰሎም።
12እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ድማ ዘይሮም ብዝመፁሉ መንገዲ ተመለሱ። መፂኦም ከዓ ዅሉ እዝ ነገር እዙይ ንዳዊት ነገርዎ። 13ሽዑ ዳዊት ነቶም ሰዓብቱ “ነፍሲ ወከፍኩም ሰይፍኹም ተዓጠቑ” በሎም። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሰይፉ ተዓጠቐ፤ ዳዊትውን ሰይፉ ተዓጠቐ። ደድሕሪ ዳዊት ከዓ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኡት ደየቡ። ክልተ ሚእቲ ድማ ኣቑሑ ኽሕልዉ ተረፉ።
14ንኣቢግያ ሰበይቲ ናባል ድማ ሓደ ኻብቶም ኣጓብዝ “እንሆ፥ ዳዊት ካብ ምድረ በዳ ንጐይታና ሰላም ክብልዎ ልኡኻት ሰዲዱ ነይሩ፤ ንሱ ኸዓ ሰጐጎም። 15እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ንኣና የመና ሕያዎት እዮም ዝነበሩ፤ ኣይዓመፁናን፤ በቲ ኣብ ምድረ በዳ ምስኣቶም ዝነበርናሉ ጊዜ ድማ ዝኾነ እኳ ኣይጠፍአናን። 16ኣባጊዕ ክንጓሲ ምስኣቶም እንተለና፥ ለይቲ ኾነ መዓልቲ፥ ኵልሻዕ ሓፁር ኮይኖምና ነበሩ። 17ንሱ ድማ ሓደ እኳ ተዛሪቡ ኸስምዖ ዘይኽእል ክፉእ ሰብ እዩ እሞ፥ ሕዚ ንጐይታናን ንብዘላ ቤቱን ክፉእ ይመፆ ኣሎ፤ ስለዙይ ረአዪ፤ እትገብርዮ ኸዓ ፍለጢ” በላ።
18ሽዑ ኣቢግያ ቐልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጀራን፥ ክልተ ሓርቢ ወይንን፥ ሓሙሽተ ዝተዳለዉ ኣባጊዕን፥ ሓሙሽተ መስፈሪ ጥቡስ ሸዊትን፥ ሚእቲ ጎጎ ዘቢብን፥ ክልተ ሚእቲ ጎጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣፅዓነቶ። 19ንኣገልገልታ ኸዓ “ቐቅድመይ ሕለፉ፤ እኒሀኹ ኽስዕበኩም እየ” በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን።
20ኣብ ኣድጊ ተቐሚጣ፥ ነቲ ጎቦ ብኸውላ ኸውሊ ኽትድይብ እንተላ፥ እንሆ፥ ዳዊትን ሰዓብቱን ከዓ ይወርዱ ነበሩ። ንሳ ድማ ተራኸበቶም። 21ዳዊት ከዓ ኸምዙይ ኢሉ ነበረ፦ “ኣነ ኣብ ምድረ በዳ ጥሪቱ ኸይጠፍኦ ኢለ ሓለኹሉ፤ ንሱ ግና ኸንቱ እዩ። ክንዲ ፅቡቕ ክፉእ መለሰለይ። 22ፅባሕ ክሳዕ ዝወግሕ፥ ካብ ዘለዎ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ ዝኾነ ሓደ እኳ እንተ ደኣ ብህይወት ሓዲገስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ከምዙይ ይግበር፤ ከምዙይውን ይወስኽ ኢሉ ነበረ።”
23ኣቢግያ ድማ ንዳዊት ምስ ረአየቶ፥ ቀልጢፋ ኻብቲ ኣድጊ ወረደት፤ ኣብ ቅድሚ ዳዊትውን ብገፃ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም በለት። 24ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸዓ ኸምዙይ በለቶ፦ “ኣታ ጐይታይ! እዝ በደል እዙይ ኣባይ ጥራሕ ይኹን። በይዛኻ፥ ኣነ ገረድካ ኣብ እዝንኻ ኽዛረብ፤ ቃል ገረድካውን ስማዕ። 25ጐይታይ! እልምነካ ኣለኹ፤ ኣብ ናባል፥ ኣብዝ ክፉእ ሰብ እዙይ፥ ኣይተቕልበሉ። ስሙ ናባል እዩ፤ ከም ስሙ ኸዓ ዓሻ እዩ፤ ከም ስሙውን ስራሕ ዓሻ ይሰርሕ። ኣነ ገረድካ ግና ነቶም ዝለኣኽካዮም ናይ ጐይታይ ሰባት ኣይረአኽዎምን።
26“ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ! እግዚኣብሄር ህያው እዩ! ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ። ኣብ ደም ካብ ምእታውን ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዝኸልከለካ እግዚኣብሄር እዩ። ሕዚ ድማ ፀላእትኻን እቶም ንኣኻ ንጐይታይ ክፉእ ዝደልዩልካን ከም ናባል ይኹኑ። 27ሕዚ ኸዓ እዝ ኣነ ገረድካ ንጐይታይ ዘምፃእኹልካ ገፀ በረኸት ነቶም ንጐይታይ ዝኽተሉ ኣጓብዝ ይወሃብ። 28ንስኻ ጐይታይስ ውግእ እግዚኣብሄር እትዋጋእ ሰብ ኢኻ እሞ፥ እግዚኣብሄር ፅንዕቲ መንግስቲ ኸም ዘቑመልካ ርግፅ እዩ። እምበኣርከስ፥ በይዛኻ፥ በደለይ በደል ገረድካ ይቕረ በለለይ። ብህይወት ክሳዕ ዘለኻ ድማ በዳሊ ዄንካ ኣይትረኸብ። 29ሰብ እኳ ኽሰጐካን ክቐትለካን እንተ ተስአ፥ ንኣኻ ንጐይታይስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይሓሉኻ፤ ንፀላእትኻ ግና ኸም ብወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፎም። 30እግዚኣብሄር ንጐይታይ ከምቲ ዅሉ ፅቡቕ ዘተስፈወካ ምስ ገበረ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ንጉስ ክትከውን ምስ ሸመካ፥ 31ንፁህ ደም ኣፍሲሰ፥ ሕነይውን ፈድየ ኢልካ ኣብ ሕሊናኻ ነስሓ ኣይስምዐካን እዩ። እግዚኣብሄር ንኣኻ ንጐይታይ ፅቡቕ ምስ ገበረልካ ድማ፥ ንኣይ ንገረድካ ዘክረኒ።”
32ሽዑ ዳዊት ንኣቢግያ ከምዙይ በላ፦ “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትራኸብኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን። 33ለባም ስለ ዝኾንክን በዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ምፍሳስ ደም ክምለስ ስለ ዝገበርክንን ብርኽቲ ኹኒ። 34በቲ ኽፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እምሕል ኣለኹ፤ ንስኺ ኽትራኸብኒ ቐልጢፍኪ እንተ ዘይትመፅስ ንናባል ፅባሕ ክሳዕ ዝወግሕ ሓደ ተባዕታይ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ” በላ።
35ዳዊት ድማ እቲ ዘምፅአትሉ ኻብ ኢዳ ተቐቢሉ፥ “እንሆ ዘረባኺ ሰሚዐ፥ ተቐቢለዮ ኣለኹ። ናብ ገዛኺ ብሰላም ተመለሲ” በላ።
36ኣቢግያ ድማ ናብ ናባል ተመለሰት። እንሆ ኸዓ ንንጉስ ዝበቅዕ ምሳሕ ኣብ ገዛኡ ነበሮ። ናባል ብመስተ ተሓጒሱ የመና ሰኺሩ ነበረ። ስለዙይ ክሳዕ ንፅባሒቱ ምንም ኣይተዛረበቶን። 37ንፅባሒቱ፥ ናባል ስኽራኑ ምስ ወፀሉ፥ ሰበይቱ እዝ ነገር እዙይ ነገረቶ። ሽዑ ልቡ ጠለሞ፤ ከም እምኒውን ኮነ። 38ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ኸዓ እግዚኣብሄር ቀሰፎ እሞ ሞተ።
39ዳዊት ድማ ሞት ናባል ምስ ሰምዐ፥ “እቲ ኻብ ናባል ዝበፅሐኒ ውርደት ዝፈረደለይ፥ ንኣይ ንባርያኡውን ክፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር፥ ይመስገን። ናባል ክፍኣት ስለ ዝገበረ እግዚኣብሄር ቀሰፎ” በለ።
ዳዊት ድማ ንኣቢግያ ሰበይቱ ኽትኮኖ ኸም ዝደሊ ለኣኸላ። 40እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ከዓ ናብ ቀርሜሎስ መፂኦም ንኣቢግያ “ዳዊት ሰበይቱ ኽትኮንዮ ኽወስደኪ ደልዩ፥ ናባኺ ልኢኹና” ኢሎም ነገርዋ።
41ሽዑ ንሳ ተሲኣ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፍአት፤ “እኒሀኹ ኣነ ገረዱ፥ ኣእጋር ኣገልገልቲ ጐይታይ ንምሕፃብውን ድልውቲ እየ” በለት። 42ኣቢግያ ከዓ ቐልጢፋ ተስአት፤ ኣብ ኣድጊ ድማ ተቐመጠት፤ ሓሙሽተ ኣግራዳ ኸዓ ተኸተላኣ። ደድሕሪ እቶም ልኡኻት ዳዊት ድማ ኸደት፤ ሰበይቱውን ኮነት። 43ዳዊት ንኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤል ድማ ወሲድዋ ነበረ። ክልቲአን ከዓ ኣንስቱ ኾና። 44#2 ሳሙ. 3፡14-16። ሳኦል ግና ንጓሉ ሜልኮል፥ ሰበይቲ ዳዊት ዝነበረት፥ ንፋልጢ ወዲ ለሌሳ በዓል ጋሊም ሂብዎ ነበረ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 25: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in