YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ሳሙኤል 22

22
ሳኦል ንኻህናት ከም ዘቕተለ
1ዳዊት ድማ ኻብ ጌት ሃዲሙ ናብታ ኣብ ጥቓ ኣዱላም ዘላ በዓቲ ተሓብአ። ኣሕዋቱን ኵሎም ቤት ኣቦኡን እዙይ ምስ ሰምዑ ኸዓ ናብኡ ወረዱ። #መዝ. 57፥ 142፡1። 2ኵሎም ግፍዒ ዝበፅሖምን ኵሎም ሰብ ዕዳን ኵሎም ነፍሶም ዝተመረረት ሰባትን ናብኡ ተኣከቡ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ድማ ሓለቓ ኾነ። ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ምስኡ ነበሩ።
3ካብኡ ድማ ዳዊት ናብ ምፅጳ ናይ ሞኣብ ከደ፤ ንንጉስ ሞኣብ ከዓ “ኣምላኽ ዝገብረለይ ክሳዕ ዝፈልጥስ፥ በይዛኻ ኣቦይን እኖይን ምሳኻትኩም ይፅንሑ” በሎ። 4ናብ ቅድሚ ንጉስ ሞኣብ ድማ ኣምፅኦም፤ ክሳዕ እተን ዳዊት ኣብ እምባ ዝነበረለን መዓልቲታት ከዓ ምስኡ ተቐመጡ።
5ነቢይ ጋድ ድማ ንዳዊት “ኣብዝ እምባዙይ ኣይትቀመጥ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በሎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሔሬት መፀ።
6ሳኦል ድማ፥ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ሓደ ቦታ ኸም ዘለዉ ሰሚዑ ኣብ ገባዖን ዂናቱ ሒዙ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ በሪኽ ዘላ ኦም ተቐመጠ፤ ኵሎም ሹመኛታቱ ድማ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ። 7ሳኦል ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሹመኛታቱ “ኣቱም ብንያማውያን፥ እስኪ ስምዑ፤ ወዲ እሴይስ ንዅልኹምዶ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ክህበኩም እዩ? ንዅልኹምከ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ክገብረኩም ድዩ? 8ነዙይ ዲኹም ኵልኻትኩም ዝተመሳጠርኩምለይ? ወደይውን ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም ዝተኣታተወ፥ ሓደ እኳ ዝነገረኒ የለን። ወደይ ንሓሽከረይ ዳዊት፥ ከምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ልዕለይ ከተስአለይ እንተሎ፥ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝተገደሰለይን ዝገለፀለይን የለን” በሎም።
9ሽዑ ምስቶም ሹመኛታት ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ፥ “ንወዲ እሴይ ናብ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ኣብ ኖብ መፂኡ ሪአዮ ነይረ። 10#መዝ. 52። ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፤ ምግቢውን ሂብዎ፤ ሰይፊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ጎልያድ ከዓ ሂብዎ” ኢሉ ንሳኦል ነገሮ።
11ሽዑ እቲ ንጉስ ንኻህን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብን ንዅሎም እቶም ኣብ ኖብ ዝነበሩ ኻህናት ኣዝማዱን ልኢኹ ፀውዖም። ኵላቶም ከዓ ናብ ንጉስ መፁ። 12ሳኦል ድማ፥ “ኣታ ወዲ ኣኪጡብ፥ እስኪ ስምዐኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ፥ ጐይታይ” ኢሉ መለሰ።
13ሳኦል ድማ “ንሱ ኸምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ልዕለይ ክትስአኒ ንእኡ እንጀራን ሰይፍን ብምሃብካ፥ ምእንታኡውን ንኣምላኽ ብምጥያቕካ፥ ስለ ምንታይ ንስኻን ወዲ እሴይን ዝተመሳጠርኩምለይ?” በሎ።
14ኣቢሜሌክ ከዓ ንንጉስ “ካብ ኵሎም ሹመኛታትካ ኸም ዳዊት ዝተኣመነ፥ ሰብኣይ ጓልካውን ዝኾነ፥ ሓለቓ ሓለውትኻ፥ ኣብ ቤተ መንግስትኻውን ዝኸበረ፥ መን ኣሎ? 15ብርግፅ ንኣምላኽ ጠይቐሉ ነይረ፤ እዙይ ከዓ ሽዑ ናይ መጀመርታይ ኣይነበረን። ኣነ ሓሽከርካ፥ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ፥ ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ ዝፈልጦ ነገር የብለይን እሞ፥ ንጉስ ንኣይን ንዅላ ቤት ኣቦይን ከም በደልቲ ኣይትቝፀረና” ኢሉ መለሰሉ።
16ንጉስ ግና “ኣቢሜሌክ፥ ንስኻን ኵላ ቤት ኣቦኻን ብርግፅ ክትሞቱ ኢኹም” በሎ።
17እቲ ንጉስ ከዓ ነቶም ከቢቦምዎ ዝቖሙ እግረኛታት “ዳዊት ከም ዝሃደመ ፈሊጦም እንተለዉ ስለ ዘይነገሩኒ፥ ልቦምውን ምስኡ ስለ ዝኾነት፥ ኬድኩም ንኻህናት እግዚኣብሄር ቅተልዎም” በሎም። እቶም ሹመኛታት ንጉስ ግና ንምቕታል ካህናት እግዚኣብሄር ኢዶም ከልዕሉ ኣይደለዩን።
18ሽዑ እቲ ንጉስ ንዶይቅ “ነዞም ካህናት፥ ንስኻ ቕተሎም” በሎ። እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ ድማ ኸይዱ ነቶም ካህናት ቀተሎም። ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰማንያን ሓሙሽተን ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ዝለበሱ ኻህናት ቀተለ። 19ንኖብ፥ ነታ ኸተማ ኻህናት፥ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዓ፤ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዝጠብዉ ህፃናትን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ብስሕለት ሰይፊ ቐተለ።
20ሓደ ኻብቶም ደቂ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ኣብያታር ዝስሙ፥ ግና መሊቑ ናብ ዳዊት ሃደመ። 21ኣብያታር ከዓ፥ ሳኦል ንኻህናት እግዚኣብሄር ከም ዝቐተሎም ንዳዊት ነገሮ። 22ዳዊት ድማ ንኣብያታር “ዶይቅ እቲ ኤዶማዊ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኡ ምስ ረአኽዎ፥ እዙይ ንሳኦል ከም ዝነግሮ ብርግፅ ፈሊጠ ነይረ። ንዅሎም ኣዝማድካ ምኽንያት ሞቶም ኣነ እየ። 23እቲ ንነፍሰይ ዝደልያ ንነፍስኻ ድማ ይደልያ እዩ እሞ፥ ንስኻ ኽትሕሎስ ምሳይ ተቐመጥ፤ ኣይትፍራሕ” በሎ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in