1ይ ሳሙኤል 19:9-10
1ይ ሳሙኤል 19:9-10 ትመ15
እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ፤ ንሱ ዂናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ እንተሎ ኸዓ፥ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዂናት ምስቲ መንደቕ ከጣብቖ ወርወረ፤ ንሱ ግና ኻብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ፤ እቲ ዂናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኸለ። ዳዊት ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ሃዲሙ ኣምለጠ።