1ይ ሳሙኤል 18
18
ሳኦል ንዳዊት ከም ዝቐንአሉ
1ዳዊት ምስ ሳኦል ዘረባኡ ወድአ፤ ብድሕሪዙይ ዮናታን ብፍቕሪ ዳዊት ተኣሰረ። ከም ነፍሱ ገይሩውን ኣፍቀሮ። 2ሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ወሰዶ፤ ናብ ቤት ኣቦኡውን ክምለስ ኣይፈቐደሉን። 3ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፥ ኪዳን ኣተወሉ። 4ዮናታን ከዓ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኻባ ኣውፂኡ ንዳዊት ሃቦ፤ ምስኡ ድማ ናይ ውግእ ኽዳኑን ሰይፉን ቀስቱን ቅናቱን ሸለሞ።
5ዳዊት ከዓ፥ ሳኦል ኣብ ኵሉ ዝለኣኾ ብምስትውዓል ተልእኾኡ ይፍፅም ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ ኽፋል ተዋጋእቲ ሰራዊቱ ሓለቓ ገበሮ። እዙይ ከዓ ንዅሎም ህዝብን ሹመኛታት ሳኦልን ኣሐጐሶም።
6ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመለሰ፥ ደቂ እስራኤል ካብ ውግእ ኣተዉ። ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ድማ ኣንስቲ ብኸበሮን ብዕልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ክቕበላ ወፃ። 7ከምዙይ ኢለን እናደረፋ ድማ ተቐበላኦ፦
“ሳኦል ሽሕ፥
ዳዊት ግና እልፊ ቐተለ።”
8ሳኦል ድማ የመና ተቘጥዐ፤ እዝ ዘረባ እዙይ ከዓ ተሰምዖ እሞ “ንዳዊት እልፊ ሂበናኦ፥ ንኣይ ግና ሽሕ ሂበናኒ፤ ደጊም መንግስቲ ጥራሕ እያ ተሪፋቶ ዘላ” በለ። 9ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ኽጥምቶ ጀመረ።
10ንፅባሒቱ ድማ እቲ ብኣምላኽ ዝተልአኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ ኣብ ውሽጢ ገዛኡ ትንቢት ተናገረ። ዳዊት ድማ ኸም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ፤ ሳኦልውን ብኢዱ ዂናት ሒዙ ነበረ። 11“ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣጣቢቐ ኽቐትሎ እየ” ኢሉ ድማ ዂናት ወርወረ። ዳዊት ግና ኽልተ ሻዕ ካብ ቅድሚኡ ዘወር በለ።
12እግዚኣብሄር ካብኡ ርሒቑ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፥ ሳኦል ንዳዊት ፈርሖ። 13ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ይኣቱን ይወፅእን ነበረ። 14ዳዊትውን ብዅሉ ኣካይዳኡ ኣስተውዒሉ ይገብር ነበረ፤ እግዚኣብሄርውን ምስኡ ነበረ። 15ዳዊት የመና መስተውዓሊ ኸም ዝኾነ ሪኡ ሳኦል ፈርሖ። 16ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ግና፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ይወፅእን ይኣቱን ስለ ዝነበረ፥ ንዳዊት ፈተውዎ።
17ሳኦል ድማ ንዳዊት “ጥራሕ ብርቱዕ ወዲ ኹነለይ፤ ውግእ እግዚኣብሄርውን ተዋጋእ እምበር፥ እንሆ እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ ሰበይቲ ኽትኮነካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ሳኦል ከዓ፥ “ኢድ ፍልስጥኤማውያን ደኣ ኣብኡ ይኹን እምበር ኢደይስ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን” ይብል ነበረ። #1 ሳሙ. 21፡11፥ 29፡5።
18ዳዊት ድማ ንሳኦል “ሓሙ እቲ ንጉስ ዝኸውንስ ኣነ መን እየ? ህይወተይከ እንታይ እያ? ዓሌት ኣቦይከ ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ?” በሎ። 19ግና ሜራብ ጓል ሳኦል፥ በታ ንዳዊት ክትወሃብ ዝተሓስበትላ ጊዜ፥ ንዓድርኤል ነቲ መሖላታዊ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ተውሃበት።
20ሜልኮል ጓል ሳኦል፥ ንዳዊት ፈተወቶ፤ እዙይ ድማ ንሳኦል ነገርዎ፤ እቲ ነገር ከዓ ንሳኦል ደስ ኣበሎ። 21ሳኦል ድማ “ፍልስጥኤማውያን ምእንቲ ኽቐትልዎ መፈንጠር ክትኮኖ፥ ንኣኣ ኽህቦ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካልኣይ ጊዜ “ሎሚውን ሰብኣይ ጓለይ ክትከውን ኢኻ” በሎ።
22ሳኦል ከዓ ነቶም ሓሻኽሩ “እንሆ፥ ንጉስ ብኣኻ ደስ ኢልዎ ኣሎ፤ ኵሎም ሓሻኽሩ ድማ ፈትዮምኻ ኣለዉ፤ ሕዚ ኸዓ ሰብኣይ ጓል ንጉስ ኩን ኢልኩም ንዳዊት ብምስጢር ተዛረብዎ” ኢሉ ኣዘዞም።
23እቶም ሓሻኽር ሳኦል ድማ እዝ ነገር እዙይ ንዳዊት ነገርዎ። ዳዊት ከዓ “ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብ እየ፤ ሰብኣይ ጓል ንጉስ ምዃንስ ንእሽተይ ነገርዶ ይመስለኩም ኣሎ?” በሎም።
24እቶም ሓሻኽር ሳኦል ከዓ ዳዊት ከምዙይ ከም ዝበለ ንሳኦል ነገርዎ። 25ሳኦል ድማ ንዳዊት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከውድቖ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ፥ “ኣብቶም ፀላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኽፈድስ፥ ንጉስ፥ ብዘይ ሚእቲ ቝልፈት ፍልስጥኤማውያን፥ ካልእ ዝደልዮ ውህብቶ የብሉን” ኢልኩም ንዳዊት ንገርዎ በሎም።
26እቶም ኣገልገልቲ ሳኦል ድማ እዝ ዘረባዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፥ ሽዑ ዳዊት ሰብኣይ ጓል ንጉስ ክኸውን ተሓጐሰ። ገና እተን መዓልቲታት እንተይኣኸላ ድማ፥ 27ዳዊት ምስቶም ሰዓብቱ ኸይዱ ኻብ ፍልስጥኤማውያን ክልተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ሰብኣይ ጓል ንጉስ ምእንቲ ክኸውን፥ እቲ ቝልፈቶም ቈሪፁ ኣምፅአ፤ ነቲ ንጉስ ከዓ ምሉእ ቍፅሪ ገይሩ ሃቦ። ሳኦል ድማ ጓሉ ሜልኮል ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ።
28ሳኦል እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎን ሜልኮል ጓሉ ድማ ኸም ዝፈተወቶን ምስ ረአየን ምስ ፈለጠን፥ #18፡28 ሜልኮል ጓሉ ድማ ኸም ዝፈተወቶ፦ ናይ ሰብዓ ሊቃውንቲ ትርጉም “ኵሎም እስራኤል ከም ዝፈተውዎ” ይብል። 29ንዳዊት የመና ፈርሖ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ኸዓ ፀላኢ ዳዊት ኮነ።
30ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽዋግኡ በብጊዜኡ ይወፁ ነበሩ። በብዝወፁላ ድማ ኻብ ኵሎም ሓሻኽር ሳኦል፥ ዳዊት ብምስትውዓል ይገብር ስለ ዝነበረ፥ ስሙ የመና ገነነ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 18: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in