1ይ ሳሙኤል 11
11
ሳኦል ንደቂ ኣሞን ከም ዝሰዓሮም
1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ብድሕሪ ሓደ ወርሒ ናዖስ ንጉስ ኣሞናውያን ደዪቡ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ኸተማ ኢያቤስ ከበባ። ኵሎም ሰብ ኢያቤስ ከዓ ንናዖስ “ክንግዝአልካስ ኪዳን እተወልና” በልዎ።
2እቲ ኣሞናዊ ናዖስ ኸዓ “ንዅልኹም የማነይቲ ዓይንኹም ብምምዝሓቝ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝኣቱ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልውን ነውሪ ኽገብር እየ” በሎም።
3እቶም ዓበይቲ ኢያቤስ ድማ “ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድስ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ጊዜ ሃበና፤ ዘድሕነና እንተ ሰኣንና ኸዓ ሽዑ ናባኻ ንመፅእ” በልዎ።
4እቶም ልኡኻት ድማ ናብታ ሳኦል ዝነብረላ ገባዖን መፁ፤ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ተናገሩ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ድምፆም ዓው ኣቢሎም በኸዩ። 5እንሆ ድማ ሳኦል ኣብ ማሕረስ ውዒሉ፥ ኣብዑር እናዀብኰበ መፀ። “እዝ ህዝቢ ዝበኪ ዘሎ እንታይ ኮይኑ እዩ?” ድማ በለ። ንሳቶም ከዓ ነቲ ዘረባ ሰብ ኢያቤስ ንሳኦል ነገርዎ።
6ሳኦል ድማ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ ቍጥዓኡውን የመና ነደደ። 7ነቶም ፅምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቘራረፆም፤ “እቲ ወፂኡ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ሳሙኤልን ዘይስዕብ፥ ኣብዑሩ ኸምዙይ ክግበሩ እዮም” ኢሉ ነቶም ቍርፅራፅ ስጋ ዝሓዙ ልኡኻት ናብ ኵላ ወሰን ምድሪ እስራኤል ሰደዶም። ሽዑ እቶም ህዝቢ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወርድ መዓት ኣደንጊፁዎም ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ወፁ። 8ሳኦል ኣብ ቤዜቅ ምስ ቈፀሮም ደቂ እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ፥ ደቂ ይሁዳ ኸዓ ሰላሳ ሽሕ ኮኑ።
9ነቶም ዝመፁ ልኡኻት ድማ “ንሰብ ኢያቤስ ናይ ገለዓድ ‘ፅባሕ ፀሓይ ምስ በርትዐት ምድሓን ክኾነልኩም እዩ’ ኢልኩም ንገርዎም” በልዎም። እቶም ልኡኻት ድማ ኸይዶም ንሰብ ኢያቤስ ነገርዎም፤ ንሳቶም ከዓ ተሓጐሱ። 10እቶም ሰብ ኢያቤስ ከዓ ንኣሞናውያን “ፅባሕ ክንወፀልኩም ኢና፤ ሽዑ ኸም ዝደለኹም ትገብሩና” በልዎም።
11ንፅባሒቱ ኸዓ ሳኦል ንህዝቢ እስራኤል ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም። ወጋሕታ ምስ ኮነ ኸዓ ናብቲ ሰፈር ኣሞናውያን ኣትዮም፥ ቀትሪ ኽሳዕ ዝኸውን ወቕዕዎም። እቶም ካብኣቶም ዝተረፉ ኸዓ ፋሕ በሉ፤ ነንበይኖም ከዓ ሃደሙ።
መንግስቲ ሳኦል ከም ዝፀንዐ
12ሽዑ እቶም ህዝቢ ንሳሙኤል “ ‘እቲ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ኣይነግስን እዩ’ ዝበለ መን እዩ? ነቶም ሰባት እቲኣቶም ክንቀትሎም ኣምፅኣዮም” በልዎ።
13ሳኦል ግና “እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ እስራኤል ምድሓን ገይሩ እዩ እሞ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ ሰብ ኣይመውትን እዩ” በለ።
14ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ “ንዑናይ! ናብ ጌልገላ ንኺድ፤ ኣብኡ ኸዓ ነቲ መንግስቲ ነሐድሶ” በሎም። 15ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ጌልገላ ኸዱ፤ ኣብኣ ኸዓ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንገስዎ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ሰውኡ። ኣብኣ ኸዓ ሳኦልን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ዓብዪ ታሕጓስ ገበሩ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in