ሳኦል ድማ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ ቍጥዓኡውን የመና ነደደ። ነቶም ፅምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቘራረፆም፤ “እቲ ወፂኡ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ሳሙኤልን ዘይስዕብ፥ ኣብዑሩ ኸምዙይ ክግበሩ እዮም” ኢሉ ነቶም ቍርፅራፅ ስጋ ዝሓዙ ልኡኻት ናብ ኵላ ወሰን ምድሪ እስራኤል ሰደዶም። ሽዑ እቶም ህዝቢ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወርድ መዓት ኣደንጊፁዎም ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ወፁ።