1ይ ነገስት 22
22
ነቢይ ሚክያስ ንኣክኣብ ከም ዘሰምዐሉ
(2 ዜና. 18፡2-27)
1ሶርያን እስራኤልን ከዓ እንተይተዋግኡ ሰለስተ ዓመት ተቐመጡ። 2በታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ኽበፅሖ ናብ ንጉስ እስራኤል ወረደ። 3እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኣገልገልቱ “ሬማት ዘገለዓድ ናትና ምዃና ትፈልጡ ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ደኣ ኻብ ኢድ ሶርያ ዘየምለስናያ?” ኢልዎም ነበረ።
4ንኢዮሳፍጥ ከዓ “ንሬማት ዘገለዓድ ክንዋግኣስ፥ ምሳይዶ ኽትከይድ ኢኻ?” በሎ። ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል “ኣነ ኸማኻ፥ ህዝበይውን ከም ህዝብኻ፥ ኣፍራሰይውን ከም ኣፍራስካ እዮም” በሎ። 5ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል፥ “ኣቐዲምካ ቓል እግዚኣብሄር ንኽትጥይቕ እልምነካ ኣለኹ” በሎ።
6ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ነቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ነቢያት ኣኪቡ “ንሬማት ዘገለዓድ ክዋግኣ ክኸይድዶ ወይ ክተርፍ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህባ እዩሞ ውፃእ” በልዎ።
7ንጉስ ኢዮሳፍጥ ግና “እንጥይቖ ኻልእ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” ኢሉ ጠየቐ።
8ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንጥይቖ ሚክያስ ወዲ ይምላ ዝበሃል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፤ ግና ንሱ ኽፉእ እምበር ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩ እሞ፥ ኣነ እፀልኦ እየ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ከዓ “ንጉስ፥ ከምኡ ኣይበል” በሎ።
9ሽዑ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ኻብ ሹመኛታቱ ፀዊዑ “ንነቢይ ሚክያስ ወዲ ይምላ፥ ቀልጢፍካ ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ።
10ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ከዓ ልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ኣብ ዘዙፋኖም ተቐሚጦም ነበሩ። ኵላቶም እቶም ነቢያት ድማ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኖም ይንበዩ ነበሩ። 11ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ኸዓ ኣቕርንቲ ሓፂን ሰሪሑ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንሶርያውያን፥ ክሳዕ ዝውድኡ፥ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ’ ” ኢሉ ተነበየ።
12ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኸምኡ “ንሬማት ዘገለዓድ ውረራ፤ ክቐንዐካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ዓወት ክህበካ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።
13እቲ ንሚክያስ ክፅውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከዓ “እንሆ እቶም ነቢያት ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ነቲ ንጉስ ፅቡቕ ይንበዩሉ ኣለዉ። ንስኻ ድማ በይዛኻ ኸምኣቶም ፅቡቕ ተነበ” በሎ።
14ሚክያስ ግና “እቲ እግዚኣብሄር ዝብለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በሎ።
15ናብ ንጉስ ምስ መፀ ድማ እቲ ንጉስ “ኣታ ሚክያስ፥ ከይድናዶ ንሬማት ዘገለዓድ ክንዋግኣ፥ ወይ ክንተርፍ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ደይብ፤ ክቐንዐካ ድማ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ዓወት ክህበካ እዩ” በሎ።
16እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ኣይትዛረበኒ። ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።
17ነቢይ ሚክያስ ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ንዅሎም ሰራዊት እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ኣብ እምባ ፋሕ ኢሎም ረአኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ ‘እዚኣቶም መራሒ የብሎምን፤ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቶም ይመለሱ’ በለ።” #ዘሑ. 27፡17፥ ማቴ. 9፡36፥ ማር. 6፡34።
18እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ “እዙይ ንኣይ ክፉእ እምበር፥ ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩዶ ኣይበልኩኻን?” በሎ።
19ሚክያስ ድማ “ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ። #ኢዮብ 1፡6፥ ኢያሱ 6፡1። 20እግዚኣብሄር ድማ ‘ንኣክኣብ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደዪቡ ኽዋጋእ እሞ ኣብኣ ኽወድቕስ መን የጋግዮ?’ በለ።
“እቶም ምስኡ ዝነበሩ ድማ ‘ሓደ ኸምዙይ፥ እቲ ሓደ ኸዓ ኸምቱይ’ በሉ። 21ሽዑ ሓደ መንፈስ ወፀ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ ‘ኣነ ኸጋግዮ’ በለ።
22“እግዚኣብሄር ከዓ ‘ከመይ ጌርካ?’ በሎ። ንሱ ድማ ‘ከይደ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነቢያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ‘ንስኻ ኽተጋግዮ ትኽእል ኢኻ እሞ፥ ኪድ ከምኡ ግበር’ በሎ።
23“ሕዚ ድማ፥ እንሆ፥ ኣብ ኣፍ እዞም ኵሎም ነቢያትካ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ኣንቢሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸዓ እግዚኣብሄር ክፉእ ተዛሪቡ ኣሎ” በሎ።
24ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ጕንዲ እዝኑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣኻ ዝዛረብስ ንኣይ መኣዝ ሓዲጉኒ እዩ?” በሎ።
25ሚክያስ ከዓ “እንሆ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ ምስ ከድካ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።
26ንጉስ እስራኤል ድማ፥ “ንሚክያስ ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን፥ ናብ ወዲ ንጉስ ናብ ኢዮኣስን መሊስኩም ውሰድዎ። 27‘ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ ነዝ ሰብ እዙይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንብርዎ፤ እንጀራ መከራ መግብዎ፤ ማይ መከራውን ኣስትይዎ፥ ይብል ኣሎ ንጉስ’ ኢልኩም ንገርዎም” በለ።
28ሚክያስ ድማ “ርግፅ ብሰላም እንተ ተመሊስካ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን” ኢሉ መለሰሉ። ወሲኹ ከዓ “ኣቱም ህዝቢ ዅልኻትኩም ስምዑኒ!” በለ።
ሞት ኣክኣብ ኣብ ሬማት ዘገለዓድ
(2 ዜና. 18፡28-34)
29ብድሕሪዙይ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደየቡ። 30ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ኣነ ዝኾነ ሓሽከር መሲለ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፤ ንስኻ ግና ልብሰ መንግስትኻ ተኸደን” በሎ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ትርኢቱ ለዊጡ ናብ ውግእ ኣተወ።
31ንጉስ ሶርያ ኸዓ ነቶም ሰላሳን ክልተን ኣሕሉቕ ሰረገላታቱ “ንንጉስ እስራኤል ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ምስ ንእሽተይ ኮነ፥ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ” ኢሉ ኣዚዙዎም ነበረ። 32እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ድማ፥ ንኢዮሳፍጥ ምስ ረአይዎ “እዙይ ርግፅ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ፤ ክዋግእዎ ኸዓ ገፆም ናብኡ መለሱ። ኢዮሳፍጥ ድማ ኣእወየ። 33እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ከዓ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ረአዩ፥ ካብ ምስጓጉ ተመለሱ።
34ግና ሓደ በዓል ሶርያ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትውረድ ኢሉ ነታ ፍላፃ ሰደዳ እሞ፥ ነቲ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። እቲ ንጉስ ሽዑ ነቲ መራሒ ሰረገላኡ “ተወጊአ እየ እሞ፥ ተመለስ ካብዝ ውግእ እዙይ ኣውፅአኒ” በሎ። 35በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዐ፤ ንጉስ ኣክኣብ ከዓ ኣብ ሰረገላኡ ተደጊፉ ንሶርያውያን ኣማዕድዩ ይሪኦም ነበረ። ደም ቍስሉውን ኣብ ትሕቲ እቲ ሰረገላ ይፈስስ ነበረ። ንምሸቱ ኸዓ ሞተ። 36ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ “እቲ ንጉስ ሞይቱ እዩሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፥ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ነናብ ሃገሩ ይመለስ” ዝብል ኣዋጅ ብሰፈር እስራኤላውያን ተሰምዐ።
37ስለዙይ ንጉስ ኣክኣብ ሞተ፤ ናብ ሰማርያውን መፁ፤ ንንጉስ ድማ ኣብ ሰማርያ ቐበርዎ። 38ነቲ ሰረገላ ኸዓ ኣመናዝር ኣብ ዝተሓፀባሉ ዒላ ሰማርያ ሓፀብዎ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ቓል ድማ፥ ነቲ ደሙ ኣኽላባት ለሓስዎ።
39እቲ ዝተረፈ ናይ ኣክኣብ ነገርን፥ እቲ ዅሉ ዝገበሮን፥ እታ ብስኒ ሓርማዝ ዝሰርሓ ቤትን፥ እተን ዝሰርሐን ኵለን ከተማታትን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 40ኣክኣብ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ክንድኡ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።
ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 20፡31—21፡1)
41ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። 42ኢዮሳፍጥ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኸዓ ዓዙባ እትብሃል ጓል ሺልሒ ነበረት። 43ኢዮሳፍጥ ከም ኣቦኡ ኣሳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ ገበረ፤ ካብኡ ኸዓ ኣይዘምበለን። እቲ ንጣዖት ዝሰግዱሉ ዀረብታታት ግና ኣየግለሶን ነበረ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ገና ኣብቲ ዀረብታታት ንጣዖት ይስውኡን ይዓጥኑን ነበሩ። 44ኢዮሳፍጥ ከዓ ምስ ንጉስ እስራኤል ሰላም ገበረ።
45እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮሳፍጥ ነገርን፥ እቲ ዝፈፀሞ ጅግንነቱን፥ እቲ ዝተዋግኦን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 46ነቶም ብዘመን ኣቦኡ ኣሳ እንተይጠፍኡ ዝተረፉ ሰዶማውያን ከዓ ኻብታ ሃገር ኣጥፍኦም። 47ሽዑ ግና ኣብ ኤዶምያስ ንጉስ ኣይነበረን፤ ወኪል እዩ ዝገዝእ ዝነበረ።
48ኢዮሳፍጥ ድማ ናብ ኦፊር ከይደን ወርቂ ኸምፅኣ መራኽብ ተርሴስ ሰርሐ፤ ግና እተን መራኽብ ኣብ ዔፅዮንጋብር ስለ ዝተሰበራ ኣይከዳን። 49ሽዑ ኣካዝ ወዲ ኣክኣብ ንኢዮሳፍጥ “ኣገልገልተይ ምስ ኣገልገልትካ ብመራኽብ ይኪዱ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ግና ኣይፈተወን።
50ኢዮሳፍጥውን ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮራም ነገሰ።
ኣካዝ ንጉስ እስራኤል
51ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመቱ ኣካዝ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ክልተ ዓመት ከዓ ኣብ እስራኤል ገዝአ። 52ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ከም ኣቦኡ ኣክኣብን ከም እኖኡ ኤልዛቤልን ከምቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ክፉእ ገበረ። 53ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ፥ ንበዓል ስለ ዘገልገለን ስለ ዝሰገደሉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቘጥዖ።
Currently Selected:
1ይ ነገስት 22: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: