YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ነገስት 21

21
ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ
1ንኢይዝራኤላዊ ናቡቴ ኣብ ኢይዝራኤል፥ ኣብ ጥቓ ቤት ኣክኣብ ንጉስ ሰማርያ፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ። 2ኣክኣብ ድማ ንናቡቴ “ኣታኽልቲ ወይንኻ ኣብ ጥቓ ቤተይ ስለ ዝኾነት፥ ቦታ ኣታኽልቲ ኽገብሮስ ሃበኒ። ክንድኡ ኸዓ ኻብኡ ዝበልፅ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ፥ ወይ እንተ ደሊኻ፥ ብዝተገመቶ ገንዘብ ክህበካ” ኢሉ ተዛረቦ።
3ናቡቴ ድማ ንንጉስ ኣክኣብ “ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” በሎ።
4ኣክኣብ ከዓ በቲ ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ “ርስቲ ኣቦታተይስ ኣይህበካን” ኢሉ ተዛሪብዎ ብዝነበረ ቓል ጕህዩን ተቘጢዑን ናብ ገዛኡ ኣተወ። ኣብ ዓራቱ ተገዲሙ ገፁ ተሸፈነ፤ እንጀራውን ኣይበልዐን።
5ሰበይቱ ኤልዛቤል ድማ ናብኡ መፂኣ “ስለ ምንታይ እዩ መንፈስካ ጕህዩ ዘሎ እንጀራ ዘይትበልዕ?” በለቶ።
6ንሱ ኸዓ “ንናቡቴ ኢይዝራኤላዊ፥ ብገንዘብ ወይ ንስኻ እንተ ደሊኻ ኽንድኡ ኻልእ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካስ፥ ኣታኽልቲ ወይንኻ ሃበኒ እንተ በልክዎስ ኣብዩኒ። ‘ኣታኽልቲ ወይነይስ ኣይህበካን እየ’ ኢሉ ስለ ዝመለሰለይ እየ” በላ።
7ሰበይቱ ኤልዛቤል ድማ “ሕዝስ ንስኻዶ ኣይኮንካን ኣብ እስራኤል ትገዝእ ዘለኻ? ተስእ፤ እንጀራ ብላዕ፤ ልብኻውን ይተሓጐስ፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ” በለቶ።
8ብስም ንጉስ ኣክኣብ መልእኽቲ ፀሓፈት፤ ብማሕተሙ ድማ ሓተመት፤ ናብቶም ኣብ ከተማ ኢይዝራኤል ምስ ናቡቴ ዝነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ለኣኸቶ። 9ኣብተን ደብዳቤታት ድማ፦ “ፆም ኣውጁ፤ ንናቡቴ ከዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ፥ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣቐምጥዎ። 10ኣብ መንፅሩ ድማ ኽልተ ኸንቱ ዝኾኑ ሰባት ኣቐምጡ። ንሳቶም ከዓ ‘ንኣምላኽን ንንጉስን ፀሪፍካ ኢኻ’ ኢሎም ይመስክሩሉ። ንስኻትኩም ድማ ኻብታ ኸተማ ኣውፂእኹም፥ ክሳዕ ዝመውት ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ” ኢላ ፀሓፈት።
11እቶም ሰብ ኢይዝራኤልን እቶም ኣብኣ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓበይትን ክቡራትን ከምቲ ኤልዛቤል ዝለኣኸትሎም፥ ከምቲ ኣብተን ዝሰደደትሎም መልእኽትታት ተፅሒፉ ዝነበረ ገበሩ። 12ፆም ኣዊጆም ንናቡቴ ኣብ ማእኸል እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣቐመጥዎ። 13እቶም ከንቱ ዝኾኑ ኽልተ ሰባት ድማ መፂኦም ኣብ ቅድሚ ናቡቴ ተቐመጡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ድማ “ናቡቴ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን እንትፀርፍ ሰሚዕናዮ” ኢሎም መስከሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣውፂኦም፥ ክሳዕ ዝመውት ብእምኒ ቐጥቀጥዎ። 14ሽዑ “ናቡቴ ብእምኒ ተቐጥቂጡ ሞይቱ” ኢሎም ንኤልዛቤል ለኣኹላ።
15ኤልዛቤል ናቡቴ ተቐጥቂጡ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት ድማ፥ ንኣክኣብ፥ “ናቡቴ በዓል ኢይዝራኤል ብህይወቱ የለን፤ ሞይቱ እዩ እሞ፥ ተስእ፤ ነቲ ብገንዘብ ምሃብ ዝኣበየካ ኣታኽልቲ ወይኑ ውረሶ” በለቶ። 16ኣክኣብ ድማ፥ ናቡቴ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐ ተስአ፤ ክወርሶ ከዓ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ በዓል ኢይዝራኤል ዘለዎ ቦታ ወረደ።
17እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ ቴስብያዊ ኸምዙይ በሎ፦ 18“ተስእ እሞ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዝነብር ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ውረድ። እንሆ ኽወርሶ ኢሉ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ ዘለዎ ወሪዱ ኣሎ። 19ከምዙይ ኢልካ ኸዓ ተዛረቦ፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ቀቲልካዮስ፥ ኣታኽልቲ ወይኑዶ ትወርስ ኣለኻ? እምበኣር፥ ኣብታ ኣኽላባት ደም ናቡቴ ዝለሓሱላ ቦታ፥ ንደምካ ድማ ኣብኣ ኣኽላባት ክልሕሱ እዮም።” #1 ነገ. 22፡38።
20ኣክኣብ ከዓ ንኤልያስ “ኣታ ፀላእየይ፥ ረኺብካኒዶ?” በሎ። ኤልያስ ድማ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንኽትገብር ንርእስኻ ስለ ዝሸጥካ እወ ረኺበካ” በሎ። 21ቀፂሉ ኸዓ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣነ ኽፉእ ከምፅአልካን ፈፂመ ኸጥፍአካን እየ፤ ኣብ እስራኤል ካብ ኣክኣብ ዝውለድ ኵሉ ዓብዪ ኾነ ንእሽተይ ወዲ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍኦ እየ። 22ስለ እቲ ዘቘጣዕኻንን ንእስራኤል ድማ ስለ ዘስሓትካዮምን፥ ንገዛኻ ኸም ቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባኦስ ወዲ ኣኪያን ከጥፍኣ እየ።
23“ብዛዕባ ኤልዛቤልውን እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ ‘ንኤልዛቤል ኣብ ፀግዒ መካበብያ ኢይዝራኤል ኣኽላባት ክበልዕዋ እዮም።’ #2 ነገ. 9፡36።
24“ካብ ቤት ኣክኣብ ኣብ ከተማ ንዝሞተ፥ ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፥ ኣብ በረኻ ንዝሞተ ኸዓ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን” በሎ።
25ሰበይቱ ኤልዛቤል ትደፋፍኦ ነበረት እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር፥ ከም ኣክኣብ ገይሩ ዝተሸጠ ሰብ ኣይነበረን። 26ንሱ ኸምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣሞራውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ፥ ደድሕሪ ጣዖታት ብምስዓቡ ብዙሕ ርኹስ ነገር ገበረ።
27ኣክኣብ ዘረባ ኤልያስ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ፆመ፤ ኣብ ወጮ ድማ ደቀሰ፤ ጕህዩን ሓዚኑን ቀስ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።
28ሽዑ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቴስቢያዊ፥ 29“ኣክኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሓተስ ርኢኻዶ? ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሓተ ነቲ ኽፉእ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ብዘመን ወዱ እየ ዘምፅኦ እምበር ብዘመኑ ኣየምፅኦን እየ” በሎ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in