YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ቆሮንቶስ 9

9
ናይ ሃዋርያ መሰልን ግቡእን
1 # 1 ቆሮ. 1፡1፥ 4፡15፥ 15፡8። ሓራዶ ኣይኮንኩን እየ? ሃዋርያዶ ኣይኮንኩን እየ? ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስከ ኣይረአኽዎን ድየ? ንስኻትኩምከ፥ ብጐይታ ፍረ ስራሐይዶ ኣይኮንኩምን? 2#2 ቆሮ. 3፡2። ንኻልኦት እኳ ሃዋርያ እንተ ዘይኮንኩ፥ ንኣኻትኩምስ ሃዋርያኹም እየ፤ ማሕተም ሃዋርያነተይ፥ ብጐይታ ንስኻትኩም ኢኹምሞ።
3ነቶም ዝነቕፉኒ መልሰይ እዙይ እዩ፦ 4#ማቴ. 10፡10። ክንበልዕን ክንሰትንዶ፥ መሰል የብልናን ኢና? 5#ማቴ. 8፡14። ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን፥ ኣሕዋት ጐይታናን፥ ኬፋን ዝገብርዎ፥ ብእምነት ሓፍትና ዝኾነት ሰበይቲ ምሳና ኽንወስድዶ፥ መሰል የብልናን ኢና? 6#2 ተሰ. 3፡8-9። ወይ ከዓ ኣነን በርናባስን ጥራሕ ዲና፥ ብኢድና ፅዒርና ኽንበልዕ ዝግብአና? 7እንታዋይ ወታደር እዩ፥ ብገንዘቡ እናተመገበ ዘገልግል? ወይኒ ተኺሉ፥ ፍረኡ ዘይበልዕኸ መን እዩ? ወይ እናጓሰየ፥ ካብተን ዝጓስየን መጓሰ፥ ፀባ ዘይሰቲ መን እዩ?
8ከም ኣተሓሳስባ ሰብ ጥራሕ ድየ ዝዛረብ ዘለኹ? ሕጊ ሙሴስ ከምኡ ይብልዶ ኣይኮነን? 9#ዘዳ. 25፡4። ኣብ ሕጊ ሙሴ “ኣፍ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር” ዝብል፥ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኣብዑር ድዩ ዝግደስ ዘሎ? 10#ሮሜ 15፡4፥ 2 ጢሞ. 2፡6። ብሱሩኸ ምእንታናዶ ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ? እቲ ዝሓርስ፥ ምእንቲ ብተስፋ ኽሓርስ፥ እቲ ዘኽይድውን፥ ምእንቲ ብተስፋ ከኽይድ፥ ገግደኦም ክረኽቡ ዝግብኦም ስለ ዝኾነ፥ ምእንታና እዩ ዝተፅሓፈ። 11#ሮሜ 15፡27፥ ገላ. 6፡6። ንሕና ነቲ መንፈሳዊ ነገር ካብ ዘራእናልኩምከ፥ ናይ ስጋዊ በረኸትኩም እንተ ዓፀድናስ፥ ዓብዪ ነገር ድዩ? 12#ግ.ሓ. 20፡34፥ 2 ቆሮ. 11፡7-9፥ 12፡13፥ 2 ተሰ. 2፡9። እቶም ካልኦት፥ ምሳኻትኩም ክማቐሉ መሰል ካብ ሃለዎም፥ ንሕና ግዳ፥ ክንደይ ካብኡ ዝዓበየ መሰል ዘይህልወና? ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ ከይነዐንቅፍ፥ ንዅሉ ንፀውር ኣለና እምበር፥ ነዝ መሰል እዙይ ኣይተጠቐምናሉን። #9፡12 ግእዝ “ብሽመትና ኻልእ ዝቕድመና ካብ ኮነ፥ ዝሕሸኩም ንስኻትኩም ትፈልጡ። ኣነ ነዙይ ኣይደለኽዎን። ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ኸይዕገት ግና ብዅሉ እዕገስ ኣለኹ” ይብል። 13#ዘዳ. 18፡1-5። ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉ፥ ካብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዝምገቡ፥ እቶም ኣብ መሰውኢ ዘገልግሉ ድማ፥ ካብቲ መስዋእቲ ኸም ዝካፈሉ፥ ኣይትፈልጡን ዲኹም? #9፡13 ግእዝ “ኣገልገልቲ ጣዖት ናይ ጣዖት መባእ ከም ዝበልዑ፥ እቶም ኣብ መሰውኢ ዘገልግሉ ድማ፥ ካብቲ መሰውኢ ኸም ዝካፈሉ፥ ኣገልገልቲ ቤት እግዚኣብሄር ድማ፥ መነባብሮኦም ካብ መባእ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” ይብል። 14#ሉቃ. 10፡7። ከምኡ ድማ፥ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩ፥ ካብ ወንጌል ክናበሩ ሰሪዑሎም ኣሎ።
15ኣነ ግና፥ ካብዞም መሰላት እዚኣቶም ብሓደኳ ኣይተጠቐምኩን፤ ከምኡ ምእንቲ ክኾነለይ ኢለውን ኣይኮንኩን፥ እዙይ ዝፅሕፍ ዘለኹ። ሓደ ሰብ ነዝ ትምክሕተይ ከንቱ ኻብ ዝገብሮስ፥ ሞት ይሕሸኒ። 16#ኤር. 20፡9፥ ሉቃ. 11፡10። ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፥ ዝምክሐሉ የብለይን፤ ክሰብኽ ግዴታይ እዩ እሞ፥ እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። 17#1 ቆሮ. 3፡8፥ 4፡1፥ 1 ጴጥ. 5፡2። ነዙይ ፈትየ እንተ ገበርክዎ፥ ዓስቢ ኣለኒ፤ እንተይፈተኹ እንተ ገበርክዎ ግና፥ ብሕድሪ ስለ ዝተውሃበኒ እዩ። 18#2 ቆሮ. 11፡7። ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ? ወንጌል ክሰብኽ እንተለኹ፥ ነቲ ወንጌል ብምስባኽ ዝግብአኒ መሰል እንተይወሰድኩ፥ ክሰብኽ እንተለኹ እዩ።
19 # 1 ቆሮ. 10፡33። ኣነ ኻብ ኵሉ ሓራ እንተለኹ፥ ንብዙሓት ምእንቲ ኽጠቅም፥ ንርእሰይ ባርያ ዅላቶም ገበርኩ። 20#ግ.ሓ. 16፡3፥ 21፡23-24። ነቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኸድሕን፥ ንኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ኾንኩ፤ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኸድሕን ከዓ፥ ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኮንኩ እንተለኹ፥ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፥ ትሕቲ ሕጊ ኸም ዘሎ ኾንኩ። 21#ሮሜ 8፡2፥4። ነቶም ሕጊ ዘይብሎም ምእንቲ ኸድሕን፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ዘለንን፥ ብሕጊ ክርስቶስ ዝነብርን እኳ እንተ ሃለኹ፥ ምስቶም ሕጊ ዘይብሎም፥ ሕጊ ኸም ዘይብሉ ኾንኩ። 22#ሮሜ 15፡1፥ 2 ቆሮ. 11፡29። ነቶም ድኹማት ምእንቲ ኸድሕን ድማ፥ ምስቶም ድኹማት፥ ድኹም ኮንኩ፤ ብዅሉ መንገዲ ንገሊኣቶም ምእንቲ ኸድሕን፥ ምስ ዅሉ ብዅሉ ነገር ከምኣቶም ኮንኩ። 23#ፊልጵ. 2፡16፥ 1 ጢሞ. 4፡16። እዙይ ግና፥ ካብ በረኸቱ ኽካፈል፥ ምእንቲ ወንጌል ኢለ እየ ዝገብሮ ዘለኹ።
24 # ገላ. 5፡7፥ 2 ጢሞ. 4፡7። ኣብ ሜዳ ቕድድም ኵላቶም ከም ዝጐዩ፥ ነታ ሽልማት ዝወስዳ ግና፥ ሓደ ጥራሕ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንስኻትኩምውን ምእንቲ ኽትረኽቡ፥ ከምኡ ጕየዩ። 25#1 ጢሞ. 6፡12፥ 2 ጢሞ. 4፡8፥ ያቆ. 1፡12። እቲ ዅሉ ዝቃለስ፥ ብዅሉ ንባዕሉ መሊኹ እዩ ዝነብር። እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኽቕበሉ ይፅዕሩ፤ ንሕና ግና፥ ነቲ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክንቅበል ኢልና ኢና እንፅዕር። 26ስለዙይ ኣነ እጐዪ ኣለኹ፤ ግና ኸምቲ ዕላማ ዘይብሉ ኣይኮንኩን። እቃለስ፥ ምስ ንፋስ ከም ዝቃለስ ግና ኣይኮንኩን። 27ንኻልኦት እናሰበኽኩ፥ ንርእሰይ ዘይበቅዕ ምእንቲ ኸይከውን፥ ንሰብነተይ እቐፅዖን ኣግዝኦን ኣለኹ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in