YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ቆሮንቶስ 3

3
ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር
1 # ዕብ. 5፡13። ኣሕዋተይ፥ ኣነ ግና ኸም ስጋውያን፥ ብክርስቶስ ከዓ፥ ገና ኸም ዘይዓበዩ ህፃናት እምበር፥ ከም መንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን። 2ድልዋት ስለ ዘይነበርኩም፥ ዕፁም ብልዒ ዘይኮነስ ፀባ ኣምዓጒኩኹም፤ ሕዚ እውን ድልዋት ኣይኮንኩምን። 3#2 ቆሮ. 1፡11፥ ገላ. 5፡19-20፥ ዕብ. 5፡12፥ ያቆ. 3፡14-16። እዙይ ከዓ፥ ገና ስጋውያን ስለ ዝኾንኩም እዩ፤ ኣብ ማእኸልኩም ቅንእን ባእስን ምህላዉስ፥ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኮነን? ከም ዓለማውያንዶ ኣይኮንኩምን እትመስሉ? 4ካባኻትኩም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ” ኻልእ ከዓ “ኣነ ናይ ኣጵሎስ እየ” ዝብል ኣሎሞ፥ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኮነን? 5#2 ቆሮ. 4፡5። እምበኣርከስ ኣጵሎስ እንታይ እዩ? ጳውሎስከ እንታይ እዩ? ብኣኣቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበፃሕኹም፥ ኣገልገልቲ እዮም፤ እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሃቦም እዮም፥ ዘገልግሉ። 6#ግ.ሓ. 18፡11-27፥ ፊልጵ. 2፡13። ኣነ ተኸልኩ፤ ኣጵሎስ ኣስተየ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣዕበየ። 7#መዝ. 127፡1፥ ሮሜ 9፡16። እቲ ዘዕቢ እግዚኣብሄር ደኣ እምበር፥ እቲ ዝተኸለ ኾነ፥ እቲ ዘስተየ ዝጠቅም የብሉን። 8#ሉቃ. 19፡17፥ ኤፌ. 6፡8። እቲ ዝተክልን እቲ ዘስትን፥ ማዕረ እዮም፤ ኵሎም ከከም ፃዕሮም፥ ዋጋኦም ክረኽቡ እዮም። 9#ማቴ. 20፡1፥ ግ.ሓ. 15፡4፥ 1 ጴጥ. 2፡5። ንሕና ምስ እግዚኣብሄር እንሰርሕ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና፥ ግራት እግዚኣብሄርን፥ ህንፃ እግዚኣብሄርን ኢኹም።
10ኣነ እግዚኣብሄር ብዝሃበኒ ፀጋ፥ ከም ፈላጢ ሓናፂ ኾይነ፥ መሰረት ሰረትኩ፤ ሓደ ኻልእ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንፅ ኣሎ፤ ነፍሲ ወከፍ፥ ከመይ ገይሩ ኸም ዝሃንፅ ይጠንቀቕ። 11#ሮሜ 1፡5፥ 15፡20፥ 1 ቆሮ. 4፡15፥ 9፡1፥ ኤፌ. 2፡20። ምኽንያቱ፥ ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፥ ንሱ ኸዓ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ካልእ መሰረት ክስርት ዝኽእል፥ ሓደኳ የለንሞ። 12ዝኾነ ይኹን ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ፥ ብወርቂ፥ ብብሩር፥ ብኽቡር እምኒ፥ ብዕንፀይቲ፥ ብሳዕሪ ወይ ብሓሰር እንተ ሰርሐ፥ 13#1 ቆሮ. 4፡5። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስራሕ፥ ክገሃድ እዩ፤ እታ መዓልቲ፥ ብሓዊ ኽትግለፅ ስለ ዝኾነት ክትቀልዖ እያ፤ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ከመይ ከም ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ ሓዊ ኽፍትኖ እዩ። 14እቲ ኣብ መሰረት ሃኒፁ፥ ስራሑ ዝፀንዐሉ ሰብ፥ ዓስቡ ኽቕበል እዩ። 15ስራሑ ዝተቓፀሎ ሰብ ግና፥ ዓስቡ ኽስእን እዩ፤ እንተ ኾነ ንሱ ኽድሕን እዩ፤ ግና ኸምቲ ብሓዊ ሓሊፉ ዝድሕን ሰብ እዩ ዝድሕን።
16 # ሮሜ 8፡9፥ 1 ቆሮ. 6፡19፥ 2 ቆሮ. 6፡16። ናይ እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ ከም ዝኾንኩምን፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ሓዲሩ ኸም ዘሎንዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? 17ዝኾነ ሰብ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ እንተ ኣፍረሰ፥ ንእኡ ድማ እግዚኣብሄር ከፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ቅዱስ እዩ፤ እዝ ቤተ መቕደስ እዙይውን፥ ንስኻትኩም ኢኹም። 18ሓደኳ ንባዕሉ ኣየታልል፤ ካባኻትኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ጥበበኛ ምእንቲ ክኸውን ዓሻ ይኹን። 19“ነቶም ጥበበኛታት፥ ብጕርሖም ይሕዞም” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዕሽነት እዩ እሞ። 20ከምኡውን “ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ኸም ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይፈልጦ እዩ” ዝብል፥ ተፅሒፉ ኣሎ። 21እምበኣርከስ ኵሉ ናታትኩም እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብሰብ ኣይመካሕ። 22#1 ቆሮ. 4፡5። ጳውሎስ ኮነ ኣጵሎስ፥ ኬፋ ኾነ ዓለም፥ ህይወት ኮነ ሞት፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ፥ ኵሉ ናታትኩም እዩ። 23#ሮሜ 14፡8። ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ኢኹም፤ ክርስቶስ ከዓ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in