1ይ ቆሮንቶስ 11
11
ስርዓት ኣምልኾ
1 #
1 ቆሮ. 4፡16። ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ምሰሉ። 2#2 ተሰ. 2፡15። ብዅሉ ስለ እትዝክሩንን፥ ነቲ ኻባይ ዝተቐበልኩምዎ ስርዓትውን፥ ኣፅኒዕኹም ስለ ዝሓዝኩምዎን፥ እንእደኩም ኣለኹ። 3#ኤፌ. 5፡23፥ ዘፍ. 3፡16። ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ፥ ርእሲ ሰበይቲ ኸዓ ሰብኣይ፥ ርእሲ ክርስቶስውን እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። 4እቲ ኽፅሊ እንተሎ ወይ ክንበ እንተሎ፥ ርእሱ ዝጕልበብ ሰብኣይ፥ ንርእሱ የዋርድ። #11፡4 ንርእሱ የዋርድ፦ ግእዝ “ርእሱ የሕስር” ይብል። 5እታ ኽትፅሊ እንተላ ወይ ክትንበ እንተላ፥ ርእሳ ዘይትጕልበብ ሰበይቲ ድማ፥ ከምታ ልፅይቲ ርእሲ እያ እሞ፥ ነቲ ርእሳ ዝኾነ ሰብኣይ ተዋርዶ። 6ሰበይቲ ዘይትጕልበብ እንተ ኾይና ግና፥ ፀጕራ ትላፀ ወይ ትቈረፅ። ንሰበይቲ፥ ምቝራፅ ወይ ምልፃይ ፀጕራ ዘነውራ እንተ ኾይኑ ትጐልበብ። 7#ዘፍ. 1፡27። ሰብኣይ፥ ምስሊ እግዚኣብሄርን ክብሩን ዝገልፅ ስለ ዝኾነ፥ ክጕልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና፥ ክብሪ ሰብኣይ እያ እትገልፅ። 8#ዘፍ. 2፡22-23፥ 1 ጢሞ. 2፡13። ሰበይቲ እያ ኻብ ሰብኣይ ዝተረኽበት እምበር፥ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይተረኽበንሞ። 9#ዘፍ. 2፡18። ከምኡውን፥ ሰበይቲ እያ ምእንቲ ሰብኣይ ዝተፈጥረት እምበር፥ ሰብኣይ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን። 10በዝ ምኽንያት እዙይን፥ ምእንቲ እቶም መላእኽትን፥ #11፡10 ምእንቲ እቶም መላእኽትን፦ ግእዝ “ምእንቲ ኣገልግሎት” ይብል። ሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ስልጣን ናይ ሰብኣያ፥ ክህልዋ ይግባእ። 11ብጐይታ ዘለና ህይወት ግና፥ ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፥ ሰብኣይ ድማ ብዘይ ሰበይቲ፥ ከቶ ኣይኸውንን እዩ። #11፡11 ግእዝ “ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈለ፤ ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይሕደግ፤ ክልቲኦም ብጐይታ ሓደ እዮም እሞ” ይብል። 12ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝኾነት፥ ከምኡውን ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ። 13እስኪ ባዕልኻትኩም ፍረዱ፤ ሰበይቲ ርእሳ እንተይተጐልበበት፥ ናብ እግዚኣብሄር ክትፅሊዶ ይግባእ እዩ? 14ወይ ከዓ ሰብኣይ ፀጕሩ እንተ ኣንውሐ፥ ነውሪ ምዃኑስ እቲ ተፈጥሮ ባዕሉዶ፥ ኣይምህረኩምን እዩ? 15ሰበይቲ ፀጕራ እንተ ኣንውሐት ግና፥ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፥ ንእኣ ኽብረታ እዩ። 16ዝኾነ ሰብ፥ ብዛዕባ እዝ ነገርዙይ ክከራኸር እንተ ደልዩ፥ ንሕናን እተን ናይ እግዚኣብሄር ኣብያተ ክርስቲያንን፥ ከምዙይ ዝበለ ልማድ የብልናን።
ስርዓት ቅዱስ ቍርባን
(ማቴ. 26፡26-29፥ ማር. 14፡22-25፥ ሉቃ. 22፡14-20)
17ክትእከቡ እንተለኹም እትገብርዎ፥ ክንዲ ንፅቡቕ ንሕማቕ ስለ ዝኾነ፥ በዝ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዝ፥ ኣይንእደኩምን እየ። 18#1 ቆሮ. 1፡10-12። ቅድሚ ዅሉ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክትእከቡ እንተለኹም፥ ኣብ ማእኸልኩም፥ ምፍልላይ ከም ዘሎ ሰሚዐ ኣለኹሞ። ገሊኡ ኸዓ እኣምኖ እየ። 19#ማቴ. 18፡7፥ 1 ዮሓ. 2፡19። እቶም ቅኑዓት ምእንቲ ኽገሃዱስ፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይ ክኸውን ግድን እዩ። 20እቲ ብሓደ ምእካብኩም፥ ማእዲ ጐይታ ንምብላዕ ኣይኮነን። 21ክትበልዑ እንተለኹም፥ ነፍሲ ወከፍ ተቐዳዲሙ ደድራሩ ይበልዕ እዩ እሞ፤ እቲ ሓደ እንትጠሚ፥ እቲ ሓደ ይሰክር። 22እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ፥ የብልኩምን ኢኹም? ነቶም ዘይብሎም እተሕፍርዎም ዘለኹምስ፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ንዒቕኩም ዲኹም? እንታይ እሞ ኽብለኩም እየ? ወይ እንታይ እሞ ኽብል? በዙይዶ ኽንእደኩም እየ? ከቶ ኣይንእደኩምን።
23 #
1 ቆሮ. 13፡3። እቲ ንኣኻትኩም ዘመሓላለፍኩልኩም፥ ነቲ ኻብ ጐይታ ኢየሱስ ዝተቐበልኩዎ እዩ፤ ጐይታና ኢየሱስ፥ በታ ዝተትሓዘላ ለይቲ፥ ሕብስቲ ኣልዓለ። 24ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እንኩ፥ ብልዑ፤ እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ እዙይ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ። 25ከምኡ ኸዓ ምስተደረሩ፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ ብደመይ ዝኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ፤ ኣብ እትሰትዩሉ ጊዜ ዅሉ፥ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ። 26#ማቴ. 26፡20-29። ነዝ ሕብስቲ እዙይ ኣብ እትበልዕዎ፥ ነዝ ፅዋዕ እዙይውን ኣብ እትሰትይዎ ጊዜ ዅሉ፥ ክሳዕ ጐይታ ዝመፅእ፥ ሞቱ ኢኹም እትነግሩ።
27 #
ዕብ. 10፡29። ስለዙይ እንተይተገብኦ፥ ሕብስቲ ጐይታ ዝበልዕ ወይ ፅዋዕ ጐይታ ዝሰቲ፥ ንናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዝብድል። 28#2 ቆሮ. 13፡5። እምበኣር ሰብ ካብዝ ሕብስቲ እዙይ ቅድሚ ምብላዑን፥ ካብዝ ፅዋዕ እዙይ ቅድሚ ምስታዩን ንባዕሉ ይመርምር። 29እንተይተገብኦ ዝበልዕን ዝሰትን፥ ናይ ጐይታ ስጋ ስለ ዘይፈለጠ፥ ኣብ ባዕሉ ፍርዲ እዩ ዘምፅእ። 30በዝ ምኽንያት እዙይ እዮም፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፤ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። 31ንባዕልትና ብትኽክል እንተ እንፈርድስ፥ ኣይምተፈረደናን ነይሩ። 32#ዕብ. 12፡5-6። ግና እንተ ተፈረደና፥ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዅነን ኢሉ እዩ፥ ጐይታ ዝግስፀና።
33ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ንማእዲ ጐይታ ኽትእከቡ እንተለኹም፥ ንስንሳትኩም ደኣ ተፀባበዩ። 34#1 ቆሮ. 16፡5። ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ዝጠመየ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ገዛኡ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፥ ምስ መፃእኹ ኽሰርዐልኩም እየ።
Currently Selected:
1ይ ቆሮንቶስ 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: