YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ቆሮንቶስ 10

10
ካብ ኣምልኾ ጣዖት ምጥንቃቕ ከም ዝግባእ
1 # ዘዳ. 14፡22፥ ዘሑ. 9፡15። ኣሕዋተይ፥ ንዅላቶም ኣቦታትና ደመና ኸም ዘፅለለሎም፥ ኵላቶምውን ባሕሪ ኸም ዝተሳገሩ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ። 2ኵላቶም ድማ፥ ምስ ሙሴ ኽሓብሩ ብደመናን ብባሕርን ተጠመቑ። 3#ዘፀ. 16፡4፥35። ኵላቶም ከዓ፥ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ። 4#ዘፀ. 17፡6። ኵላቶምውን፥ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኰዅሒ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ እቲ ኰዅሒ እቱይ ከዓ፥ ክርስቶስ እዩ። 5#ዘሑ. 14፡32። እንተ ኾነ፥ ብመብዛሕቶም እግዚኣብሄር ኣይተሓጐሰን። ስለዙይ ኣብ ምድረ በዳ ሞይቶም ተሪፎም እዮምሞ።
6 # ዘሑ. 11፡4፥ ገላ. 5፡24። እዙይ ከዓ ኸምቲ ንሳቶም ነቲ ኽፉእ ዝተመነይዎ፥ ንሕናውን ምእንቲ ኸይንምነ፥ ምሳሌ ኾነና። 7#ዘፀ. 32፡4፥6። “እቲ ህዝቢ ኽበልዕን ክሰትን ተቐመጠ፤ ክፃወትውን ተስአ” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ከምቶም ገሊኣቶም፥ መምለኽቲ ጣዖት ኣይትኹኑ። 8#ዘሑ. 25፡1-9፥ 1 ቆሮ. 6፡18። ከምቲ ገሊኣቶም ዘመንዘሩ እሞ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን #10፡8 ዕስራን ሰለስተን፦ ግእዝ “ዕስራን ክልተን” ይብል። ሽሕ ዝሞቱ፥ ኣይነመንዝር። 9#ዘሑ. 21፡5-6፥ ዘዳ. 6፡16። ከምቲ ገሊኣቶም ንጐይታ ዝተፈታተንዎ እሞ ብኣትማን ዝጠፍኡ፥ ንጐይታ ኣይንፈታተን። 10#ዘሑ. 14፡27-29። ከምኡውን ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕረምረሙ እሞ፥ በቲ ዘጥፍእ ከም ዝጠፍኡ፥ ኣይነዕረምርም። 11#ሮሜ 15፡4፥ 1 ጴጥ. 4፡7። እዝ ዅሉ ምሳሌ ክኸውን እዩ ዝበፅሖም፤ ንኣና፥ እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን፥ ንተግሳፅ ክኾነና እዩ ዝተፅሓፈ። 12#ሮሜ 11፡20። ስለዙይ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ፥ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። 13#መዝ. 100፡5፥ 103፡14፥ 1 ቆሮ. 1፡9፥ 2 ተሰ. 3፡3፥ 2 ጴጥ. 2፡9። ኣብ ሰብ ካብ ዝበፅሕ ፈተና ንላዕሊ ኣይበፅሐኩምን። ስለዙይ፥ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ዘይፈቅድ እግዚኣብሄር፥ እሙን እዩ። ምፅዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ ግና፥ ምስቲ ፈተና መውፅኢ ኽገብረልኩም እዩ።
14 # 1 ዮሓ. 5፡21። ስለዙይ ፍቑራተይ! ካብ ኣምልኾ ጣዖት ረሓቑ። 15መስተውዐልቲ ኸም ምዃንኩም መጠን እየ፥ ዝዛረበኩም ዘለኹ፤ ነዝ ዝብሎ ዘለኹ፥ ባዕልኻትኩም ፍረድዎ። 16#ማቴ. 26፡26፥28። እቲ ንሕና እንባርኾ ናይ በረኸት ፅዋዕ፥ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት፥ ዘለዎዶ ኣይኮነን? እቲ እንቘርሶ ሕብስትኸ፥ ምስ ስጋ ክርስቶስ፥ ሕብረት ዘለዎዶ ኣይኮነን? 17#1 ቆሮ. 12፡12፥27። ኵላትና ኻብ ሓደ ሕብስቲ ንቕበል ኣለና እሞ፥ እቲ ሕብስቲ ሓደ ኸም ዝኾነ፥ ከምኡ ንሕናውን ብዙሓት እንተለና፥ ሓደ ኣካል ኢና። 18እስኪ ብስጋ ንዝኮነ እስራኤል ረአዩ፤ እቶም ካብ መስዋእቲ ዝበልዑ፥ ምስቲ መሰውኢ፥ ሕብረትዶ የብሎምን እዮም? 19#1 ቆሮ. 8፡4። እሞኸ እዙይ ክብል እንተለኹ፥ ንጣዖታት ዝተሰውአ ዝጠቕሞ ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ? ወይ ከዓ ጣዖት ዝጠቅም ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ? 20#ዘዳ. 32፡17፥ መዝ. 106፡37። ኣይኮነን፤ እቲ ኣህዛብ ዝስውእዎ፥ ንኣጋንንቲ እዩ እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ኣይኮነን። ንስኻትኩም፥ ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ክህልወኩም ኣይደልን። 21#2 ቆሮ. 6፡16። ፅዋዕ እግዚኣብሄርን፥ ፅዋዕ ኣጋንንትን ክትሰትዩ፥ ካብ ማእዲ እግዚኣብሄርን፥ ማእዲ ኣጋንንትን ክትሳተፉ ኣይትኽእሉን። 22#ዘፀ. 20፡5። እምበኣርከ ንእግዚኣብሄርዶ ኽነቕንኦ? ንሕናዶ ኻብኡ ንብርትዕ ኢና?
23 # 1 ቆሮ. 6፡12። ዅሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፤ ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይሃንፅን እዩ። 24#ፊልጵ. 2፡4፥ ሮሜ 15፡1-2። ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብፃዩ ደኣ እምበር፥ ሓደኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። 25#1 ጢሞ. 4፡4። ብሕሊና እንተይመርመርኩም፥ ኵሉ ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ብልዑ። 26#መዝ. 24፡1። ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን፥ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ። 27ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ዓደመኩም እሞ፥ ክትከዱ እንተ ደለኹም፥ ዝጠራጠር ሕሊና ኣይሃልኹም፤ ኵሉ ዝተቐረበልኩም፥ እንተይመርመርኩም ብልዑ። 28ሓደ ሰብ “እዙይስ ንጣዖት ዝተሰውአ እዩ” እንተበለኩም ግና፥ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን፥ ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም፥ ኣይትብልዑ። 29ሕሊና ኽብል እንተለኹ ግና፥ ናይ ብፃይካ እምበር፥ ናትካ ማለተይ ኣይኮነን። ንስኻ “ስለ ምንታይከ፥ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዝፍረድ? 30#ሮሜ 14፡6። ኣነ ኣመስጊነ ዝበልዕ ኻብ ኮንኩ፥ ስለ ምንታይ ደኣ፥ በቲ ዘመስግነሉ ዝንቀፍ?” ትብል ትኸውን። 31#ቈላ. 3፡17። እምበኣርከስ እንተ በላዕኹም፥ ወይ እንተ ሰተኹም፥ ወይ ዝኾነ ይኹን እንተ ገበርኩም፥ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ግበርዎ። 32-33#ሮሜ 14፡13። ከምቲ ኣነ ንዅሉ ሰብ፥ ብዅሉ ነገር ዘሐጕስ ዘለኹ፥ ንስኻትኩም ድማ ንኣይሁድ ኮነ ንግሪካውያን ወይ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ መዐንቀፍቲ ኣይትኹኑ። ኣነ ምእንቲ ኽድሕኑስ፥ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፥ ጥቕመይ ኣይደለኹንሞ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in