YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ዜና መእተዊ

መእተዊ
መፅሓፈ ዜና መዋእል ነቲ ኣብ መፅሓፍ ሳሙኤልን መፃሕፍቲ ነገስትን ተገሊፁ ዘሎ ታሪኽ፥ ከም ብሓድሽ ብኻልእ መልክዕ ዝገልፅ መፅሓፍ እዩ። ኣብ መፃሕፍቲ ዜና መዋእል፥ ታሪኽ መንግስቲ እስራኤል ብኽልተ ዋና ዋና ሓሳባት ተገሊፁ ኣሎ፦
1. መንግስቲ እስራኤልን መንግስቲ ይሁዳን ኣብ ጥፍኣት ዝወደቓ እኳ እንተ ኾና፥ እግዚኣብሄር ግና እቲ ንህዝቡ ዝሃቦ ተስፋ ይሕሉ ኸም ዝነበረን፥ በቶም ኣብ ይሁዳ ዝነብሩ ገይሩ ድማ እቲ ንህዝቡ ዘለዎ ሓልዮት ብተግባር ይገልፆ ኸም ዝነበረን የመልክት። በዝ መሰረት እዙይ ድማ እቲ ፀሓፋይ ናብቲ ዳዊትን ሰሎሞንን ዝፈፀምዎ ዓበይቲ ተግባራትን፥ ናብቲ ኢዮሳፍጥን ሕዝቅያስን ኢዮስያስን ዝገበርዎ ምምሕያሽን፥ ናብቶም ኣብ እግዚኣብሄር ብእምነት ፀኒዖም ዝነበሩ ህዝብን ይጥምት።
2. ኣብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ከመይ ከም ዝተጀመረ ኸዓ ይገልፅ። ብፍላይ ድማ፥ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ካህናትን ሌዋውያንን፥ ብዛዕባ ስርዓቶምን ምምሕዳሮምን ይገልፅ። ቤተ መቕደስ ዝሰርሐ፥ ሰሎሞን እኳ እንተ ኾነ፥ ቤተ መቕደስን ስርዓት ኣምልኾን ዝመስረተ፥ ዳዊት ከም ዝነበረ ገይሩ ይገልፅ።
ትሕዝቶ
1. ትውልዲ ኻብ ኣዳም ክሳዕ ሳኦል 1፡1-9፡44
2. ሞት ሳኦልን ደቁን 10፡1-14
3. መንግስቲ ዳዊት 11፡1-29፡30
1) ዳዊት ከም ዝነገሰን ንኢየሩሳሌም ከም ዝሓዛን 11፡1-9
2) ጀጋኑ ኣሕሉቕ ሰራዊት ዳዊት 11፡10-12፡40
3) ታቦት ቃል ኪዳን ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝተወሰደ 13፡1-16፡43
4) ቤተ መቕደስ ዝሰርሕ ሰሎሞን ምዃኑ 17፡1-27
5) ናይ ዳዊት ዓወታት ኲናት 18፡1-20፡8
6) ዳዊት ህዝቢ ኸም ዘቝፀረን ዘስዓቦ ቝጥዓ እግዚኣብሄርን 21፡1-30
7) ቤተ መቕደስ ንምህናፅ ዝተገብረ ምድላው 22፡1-28፡21
8) ንቤተ መቕደስ መስርሒ፥ ህዝቢ ዝወፈዮ ውህብቶ 29፡1-20
9) ንግስና ሰሎሞንን፥ ዳዊት ከም ዝሞተን 29፡21-30

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in