2ይ ነገስት 25
25
ውድቀት ኢየሩሳሌም
(2 ዜና. 36፡13-21፥ ኤር. 52፡3-11)
1 #
ኤር. 21፡1-10፥ 34፡1-5፥ ሕዝ. 24፡2። ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ብታሽዐይቲ ዓመቱ፤ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምስ ኵሉ ሰራዊቱ መፂኡ ንኢየሩሳሌም ከበባ። ብዙርያኣ ድማ ዕርዲ ነደቑላ። 2እታ ኸተማ ድማ ንሴዴቅያስ ክሳዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ ተኸቢባ ነበረት። 3ካብታ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዐ፤ ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ እንጀራ ተስኣነ። 4#ሕዝ. 33፡21። እቶም ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ እንተለዉ፥ ቅፅሪ እታ ኸተማ ብሓደ ወገን ኣፍረሱ። እቲ ንጉስን እቶም ሓሻኽሩን ብለይቲ በቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣቢሎም፥ ብመንጎ እቲ ኽልተ መካበቢያ ዘሎ ኣፍ ደገ ሓለፉ። ናብ ለሰ ዮርዳኖስ ኣቢሎም ከዓ ብለይቲ ሃደሙ። 5እቶም ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ደድሕሪኡ ስዒቦም ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ሓዝዎ፤ ኵሎም ሰራዊቱ ድማ ኻብኡ ፋሕ በሉ። 6ሽዑ ንሴዴቅያስ ሒዞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣደየብዎ፤ ንጉስ ባቢሎን ከዓ ፈረዶ። 7#ሕዝ. 12፡13። ንደቂ ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረድዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣዒንቱ ኣዕወርዎ። ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ድማ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
ቤተ መቕደስ ከም ዝፈረሰ
(ኤር. 52፡12-33)
8ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመቱ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ፥ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሓለውቲ ሓሻኽር ንጉስ ባቢሎን፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ። 9#1 ነገ. 9፡8። ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንኣባይቲ ዓበይቲ ሰባትን ብሓዊ ኣባርዐን። 10እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰራዊት ከለዳውያን ከዓ ንመካበብያታት ኢየሩሳሌም ብዙርያኡ ኣፍረስዎ። 11ናቡዘረዳን፥ እቲ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ድማ ነቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዝነበሩ ህዝብን ነቶም ሃዲሞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ዝተፀግዑን ነቶም ዝተረፉ ኻልኦት ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። 12እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ግና ነቶም ድኻታት እታ ሃገር፥ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽዓዩን መሬት ክሓርሱን ኢሉ ሓደጎም።
13 #
1 ነገ. 7፡15-26፥ 2 ዜና. 4፡16። እቶም ከለዳውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ብነሃስ ዝተሰርሐ ኣዕማድን ነቲ መቐመጢ ኣቑሑን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ጋብላ ነሃስን ሰባበርዎ። ነቲ ነሃስ ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። 14#1 ነገ. 7፡45፥ 2 ዜና. 4፡16። ከምኡውን ነቲ ድስትታትን መፅሓሪያታትን ካራታትን ፅዋዓትን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ብነሃስ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣቑሑን ወሰድዎ። 15እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ብወርቅን ብብሩርን ዝተሰርሐ ዅሉ ፅንሃሃትን ጭሐሎታትን ወሰዶ።
16እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዝገበሮ ኽልተ ዓምድን ሓደ ጋብላን መንኰራዅር ዘለዎ መቐመጢ ኣቑሑን ዝተሰርሐሉ ነሃስ ዓብዪ ስለ ዝነበረ ኽመዝንዎ ኣይከኣሉን። 17ቁመት እቲ ሓደ ዓምዲ ዓሰርተ ሸሞንተ እመት ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ ጕልላት ነበሮ፤ ቁመት እቲ ጉልላት ድማ ሰለስተ እመት ነበረ፤ ነቲ ጕልላት ከዓ ብዙርያኡ ዓይኒ ርግብን ሮማንን ነበሮ፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ብነሃስ ዝተገብረ ነበረ። ነቲ ኻልኣይ ዓምዲ ድማ ምስ ዓይነ ርግቡ ኸምኡ ነበሮ።
ህዝቢ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ከም ዝተወሰደ
(ኤር. 52፡24-27)
18ናቡዘረዳን፥ እቲ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ከዓ፥ ንሊቀ ካህናት ሰራያን ንሶፎንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን፥ ንሰለስቲኦም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስን፥ ማሪኹ ወሰዶም። 19ካብታ ኸተማ ድማ ሓደ ኣዛዚ ሰራዊትን ሓሙሽተ ኣማኸርቲ ንጉስን ወሰደ። ከምኡውን ነቲ ሓሻኽር ዝኸትብ ፀሓፍን፥ ካብቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረኽቡ ህዝቢ እታ ሃገር ስሳ ሰባትን ወሰደ። 20ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ነዚኣቶም ወሲዱ ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ዘለዎ ናብ ሪብላ ኣምፅኦም። 21ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም። ህዝቢ ይሁዳ ብኸምዙይ ካብ ሃገሮም ተማሪኾም ከዱ።
ጎዶልያስ መመሓደሪ ይሁዳ ኸም ዝኾነ
(ኤር. 40፡7-9፥ 41፡1-3)
22ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃ፥ ወዲ ሳፋልን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝተረፉ፥ ኣብ ይሁዳ መመሓደሪ ገበሮ።
23ኵሎም እቶም ዘይተማረኹ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ሰዓብቶም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ከም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፥ ናብ ጎዶልያስ፥ ናብ ምፅጳ መፁ። እዚኣቶም እስማኤል ወዲ ናታንያን፥ ዮሓናን ወዲ ቃሬኣሕን፥ ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋውን፥ ያእዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን ነበሩ። 24ጎዶልያስ ድማ “ካብ ሹመኛታት ከለዳውያን ኣይትፍርሑ፤ ኣብዛ ሃገር ተቐመጡ፤ ንንጉስ ባቢሎን ከዓ ተገዝእዎ እሞ ፅቡቕ ነገር ክኾነልኩም እዩ” ኢሉ መሓለሎም፤ ንኣኣቶምን ንሰቦምን ከዓ ኣረጋግኦም።
25 #
ኤር. 40፡7-9፥ 41፡1-3። በታ ሻውዐይቲ ወርሒ ግና፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ ዝነበረ እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ወዲ ኤሊሻማ፥ ዓሰርተ ሰብ ምስኡ መፂኦም ንጎዶልያስ ቀተልዎ፤ ነቶም ምስኡ ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ኣይሁድን ከለዳውያንንውን ቀተልዎም። 26ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊታትን ንከለዳውያን ፈሪሖም ነበሩ እሞ፥ ተሲኦም ናብ ግብፂ ኸዱ። #ኤር. 43፡5-7።
ኢኮንያን ከም ዝተፈትሐ
(ኤር. 52፡31-34)
27ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ዮርማሮዴቅ ንጉስ ባቢሎን፥ በታ ዝነገሰላ ዓመት ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅኦ። ብፍቕሪ ድማ ተናገሮ። እዙይ ድማ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ዝማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ ኣብ ዕስራን ሸውዓተን መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ ኾነ። 28ኤዊል መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ፅቡቕ ገይሩ ተኸናኸኖ፤ ንዙፋኑ ድማ ኻብ ዝፋናት እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ። 29ነቲ ኽዳን ቤት ማእሰርቱውን ለወጠሉ፤ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ኸዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እንጀራ ይምገብ ነበረ። 30ነንመዓልቲ ዝቕለቦ ቐለብ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ዅልሻዕ ካብ ንጉስ ይወሃቦ ነበረ።
Currently Selected:
2ይ ነገስት 25: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in