1ይ ዜና 29
29
ንመስርሒ ቤተ መቕደስ ዝቐረበ ውህብቶ
1ንጉስ ዳዊት ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎ፦ “እዝ ኣምላኽ ንበይኑ ሓርይዎ ዘሎ ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ተመክሮ ዘይብሉን እዩ። እዝ ኣዳራሽ እዙይ ግና ንእግዚኣብሄር እምበር ንሰብ ኣይኮነን እሞ፥ እቲ ስራሕ ዓብዪ እዩ። 2ኣነ ኸዓ ብዘለኒ ሓይሊ ንመስርሒ ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ብወርቂ ንዝስራሕ ወርቂ፥ ብብሩር ንዝስራሕ ብሩር፥ ብነሃስ ንዝስራሕ ነሃስ፥ ብሓፂን ንዝስራሕ ሓፂን፥ ብዕንፀይቲ ንዝስራሕ ዕንፀይቲ፥ ከምኡውን ኣዕናቝን እምንን፥ ዝዛነቕ እምንን ፀሊም ዘንፀባርቕ እምንን፥ ዝተቐርፀ እምንን፥ ኵሉ ዓይነት ክቡር እምንን፥ እምነ በረድን፥ ብዙሕ ቀሪበ ኣለኹ። #1 ዜና. 22፡5። 3ኣብ ልዕሊ እቲ ነታ ቕድስቲ ቤት ኢለ ዝቐረብክዎ ዅሉ ድማ፥ ነታ ቤት እግዚኣብሔረይ ፈትየያ ኣለኹ እሞ፥ ናይ ርእሰይ መዝገብ ወርቅን ብሩርን ስለ ዘለኒ፥ ወሲኸ ንቤተ እግዚኣብሔረይ እህብ ኣለኹ፦ 4ንመለበጢ መንደቕ ኣባይቲ ዝኸውን ሚእቲ ሺሕ ኪሎ ግራም ፅሩይ ወርቂ፥ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር፥ 5ወርቂ ንዘድሊ ወርቂ፥ ብሩር ንዘድሊ ድማ ብሩር፥ ብኢድ ብልሓተኛ ንዝግበር ኵሉ ስራሕ እንተይተረፈ እህብ ኣለኹ። ሎሚ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር ብልግሲ ዝህብ መን እዩ?”
6ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ነገዳት እስራኤልን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን እቶም ኣሕሉቕ እቲ ስራሕ ንጉስን ብድሌት ሃቡ። 7ንስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን፥ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩርን፥ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ኪሎ ግራም ነሃስን፥ ሰለስተ ሚልዮንን ኣርባዕተ ሚእትን ሽሕ ኪሎ ግራም ሓፂንን ሃቡ። 8እቶም ክቡር ኣእማን ዝነበሮም ከዓ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተውዎ፤ ንየሒኤል እቲ ጌርሾናዊ ድማ ሓላፍነት ሃብዎ። 9እቶም መራሕቶም ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ስለ ዝሃብዎ እቶም ህዝቢ ተሓጐሱ፤ ንጉስ ዳዊትውን የመና ተሓጐሰ።
ናይ ዳዊት ፀሎት ምስጋና
10ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ እናበለ ኣመስገኖ፦
“ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ ኣቦና ያእቆብ፥
ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ምስጉን ኩን።
11 #
ማቴ. 6፡13። ኦ ጐይታይ! ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ናትካ እዩ፤
ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማንውን ናትካ እዩ።
ኦ ጐይታይ! እታ መንግስቲ ድማ ናትካ እያ፤
ኣብ ርእሲ ዅሉ ልዕል ልዕል በልካ።
12ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን፤
ንስኻ ድማ ንዅሉ ትገዝእ፤
ሓይልን ስልጣንን ከዓ ኣብ ኢድካ እዩ፤
ንዅሉ ሰብ ዕቤትን ፅንዓትን እትህብ ንስኻ ኢኻ፤
13ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ኣምላኽና! ነመስግነካ ኣለና፤
ንኽቡር ስምካውን ንውድሶ ኣለና።
14“ከምዙይ ብድሌት ክነቕርብ ዝኸኣልናስ፥ ኣነ መን እየ? እዞም ህዝበይከ መን እዮም? ኵሉ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ እዩ፤ ነቲ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ ኸዓ ኢና ዝሃብናካ። 15ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኵሎም ኣቦታትና፥ መፃእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና። መዓልቲታትና ኣብ ምድሪ ኸም ፅላሎት ይሓልፋ፤ ንዅልሻዕ ኣብ ምድሪ ዝነብርውን የለን። 16ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና! እዝ ዅሉ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሰርሐሉ ኢልና ኣዳሊናዮ ዘለና ሃብቲ፥ ካባኻ ዝመፀ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ናትካ እዩ። 17ኦ ኣምላኸይ! ንስኻ ልቢ ኸም እትምርምር፥ ብቕንዕናውን ከም እትሕጐስ እፈልጥ ኣለኹ። ኣነ ኸዓ እዝ ዅሉ ብቕንዕና ልበይ ብድሌት ኣቕሪበልካ ኣለኹ። ሕዚ ድማ እዝ ኣብዙይ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ኸቕርበልካ እንተሎ ብሓጐስ ሪአ ኣለኹ። 18ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ኣብ ህዝብኻ ዘሎ ፅቡቕ ድልየት ንዘለኣለም ሓሉ፤ ልባቶምውን ናባኻ ኣቕንዕ። 19ንወደይ ሰሎሞንውን ትእዛዛትካን ስርዓታትካን ሕግጋትካን ክሕሉ፥ ንዅሉ ድማ ኽፍፅሞ፥ ነዝ ኣነ መስርሒኡ ኣዳልየሉ ዘለኹ ቤተ መቕደስ ክሰርሕውን ፍፁም ልቢ ሃቦ።”
20ድሕሪዙይ ዳዊት ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ እስራኤል “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣመስግንዎ” በሎም። ሽዑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣመስገንዎ። ድንን ድማ በሉ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ሰገዱ።
ሰሎሞን ከም ዝነገሰ
21ንፅባሒቱ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኡ። ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣቕረቡ፦ ሽሕ ብዕራይ፥ ሽሕ ማጕላ፥ ሽሕ ጡበት፥ መምስ ናይ መስተ መስዋእትታቶም፥ ብዙሕ መስዋእቲ ሕሩድ ድማ ምእንቲ ዅሉ እስራኤል ሰውኡ። 22በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክበልዑን ክሰትዩን እንተለዉ የመና ተሓጕሶም ነበሩ።
ንሰሎሞን ወዲ ዳዊትውን ካልኣይ ጊዜ ኣንገስዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ሰሎሞን ንጉስ ክኸውን ሳዶቅውን ካህን ክኸውን ቀብእዎም። 23#1 ነገ. 2፡12። ሽዑ ሰሎሞን ክንዲ ኣቦኡ ዳዊት ንጉስ ኮይኑ፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ዙፋን ተቐመጠ፤ ሰመረሉውን፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ይእዘዝዎ ነበሩ። 24ኵሎም ኣሕሉቕን ጀጋኑን፥ ደቂ ንጉስ ዳዊትውን እንተይተረፉ፥ ንንጉስ ሰሎሞን ከም ዝግዝእዎ ኣረጋገፁሉ።
25እግዚኣብሄር ከዓ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ልዕል ኣበሎን ኣግነኖን። ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበሩ ነገስታት ዘይነበሮም ግርማ መንግስቲ፥ ንንጉስ ሰሎሞን ሃቦ።
ሞት ዳዊት
26ዳዊት ወዲ እሴይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነጊሱ ነበረ። 27#2 ሳሙ. 5፡4-5፥ 1 ዜና. 3፡4። ኣርብዓ ዓመት ገዝአ፤ ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ሸውዓተ ዓመት፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ገዝአ። 28ዕድመን ሃብትን ክብረትን ፀጊቡ ኸዓ ብፅቡቕ ሽምግልና ሞተ። ክንድኡ ድማ ወዱ ሰሎሞን ነገሰ።
29እቲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ ኵሉ ነገራት ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ነቢይ ናታንን፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ጋድን ተፅሒፉ ኣሎ። 30ኣብዝ ታሪኽ እዙይ፥ ዳዊት ከመይ ገይሩ ኸም ዝገዝአን፥ ሓያል ከም ዝነበረን፥ እቲ ንእኡን ንእስራኤልን ንዅለን እተን ኣብ ዙርያኡ ዝነበራ መንግስታት ዝበፅሖም ኵነታትን ተፅሒፉ ኣሎ።
Currently Selected:
1ይ ዜና 29: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: