1ይ ዜና 22
22
1ሽዑ ዳዊት “እዙይ ቤት እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ህዝቢ እስራኤል ዝስውኡሉ መሰውኢውን እዙይ እዩ” በለ።
ዳዊት ቤተ መቕደስ ንምስራሕ ዘድሊ ምድላው ከም ዝገበረ
2ዳዊት፥ እቶም ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝነብሩ ጓኖት ክእከቡ ኣዘዘ። ቤት እግዚኣብሄር ንኽስራሕ ከዓ ኣእማን ዝወቕሩ ወቐርቲ ኻብኣቶም መደበ። 3ንመዓፁ ኣፍ ደገታትን ንመተሓሓዝን ዝኸውን ሽንካር ምእንቲ ኽሰርሕ ብዙሕ ሓፂንን፥ ካብ ምብዛሑ ዝተልዓለ ኽምዘን ዘይከኣል ነሃስን ኣከበ። 4ሲዶናውያንን ጢሮሳውያንን ብዙሕ ዝግባ ንዳዊት የምፅኡሉ ስለ ዝነበሩ ኸዓ ቝፅሪ ዘይብሉ ኦም ዝግባ ኣከበ።
5ዳዊት “ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ለግለግን እዩ። እዛ ንእግዚኣብሄር ክሰርሓ ዘለዎ ቤተ መቕደስ ግና ኣብ ኵለን ሃገራት ስምይትን ንእድትን የመና ፅብቕትን ክትከውን ይግባእ፤ ስለዙይ ኵሉ ዘድሊ ኸዳልወላ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ስለዙይ ዳዊት ቅድሚ ሞቱ ብዙሕ ነገር ኣዳለወ።
6ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ፀዊዑ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ኣዘዞ። 7ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ሰሎሞን ወደይ! ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ብልበይ ሓሲበ ነይረ። 8ግና እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ ‘ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ፥ ብዙሕ ውግእ ኸዓ ተዋጊእኻ ኢኻ፤ እምበኣርከስ ኣብ ቅድመይ ብዙሕ ደም ኣብ ምድሪ ስለ ዘፍሰስካ፥ ንስመይ ቤተ መቕደስ ኣይትሰርሐለይን ኢኻ። 9እንሆ፥ ንስኻ ወዲ ኽትወልድ ኢኻ፤ ንሱ ኸዓ ናይ ህድኣት ሰብ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ዙርያኡ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ፀላእቱ ድማ ሰላም ስለ ዝህቦ፥ ስሙ ሰሎሞን ክበሃል እዩ፤ ብዘመኑ ድማ ንእስራኤል ሰላምን ህድኣትን ክህብ እየ። 10#2 ሳሙ. 7፡1-16፥ 1 ዜና. 17፡1-14። ንሱ ንስመይ ቤተ መቕደስ ክሰርሐለይ እዩ። ንሱ ውሉድ ክኾነኒ እዩ፤ ኣነ ድማ ኣቦኡ ክኾኖ እየ። ዙፋን መንግስቱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ።’
11“ሕዚ ኸዓ፥ ኣታ ወደይ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን። ከምቲ ንሱ ብዛዕባኻ ዝተዛረቦ ድማ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሰርሕ ይሓግዝካ። 12ንህዝቢ እስራኤል ከም ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትመርሖም፥ እግዚኣብሄር ኣእምሮን ምስትውዓልን ይሃብካ። 13#ኢያሱ 1፡6-9። ነቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል ዝሃቦም ሕግጋትን ፍርድታትን ተጠንቂቕካ እንተ ሓሊኻዮ፥ ክቐንዐካ እዩ። ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበር።
14“እንሆ ኣነ ኸዓ፥ ብዓቕመይ ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ወርቅን ልዕሊ ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩርን ኣዳልየ ኣለኹ። ነሃስን ሓፂንን ከዓ ብዙሕ ስለ ዝኾነ ኽምዘን ዘይከኣል ኣዳልየ ኣለኹ። ኣእዋምን ኣእማንንውን ኣዳልየ ኣለኹ። ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ወስኸሉ። 15ብዙሓት ክሰርሑ ዝኽእሉ ኸዓ ምሳኻ ኣለዉ። ኵሉ ዓይነት ስራሕ ዝፈልጡ፥ ቀረፅትን ወቐርትን ፀረብትንውን ኣለዉኻ፤ 16ብወርቂ፥ ብብሩር፥ ብነሃስ፥ ብሓፂን ክሰርሑ ዝኽእሉ ኸዓ ቝፅሪ የብሎምን። እምበኣር ተስእ እሞ ስራሕ ጀምር፤ እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻ ይኹን።”
17ዳዊት ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤል ንወዱ ሰሎሞን ክሕግዝዎ ኣዘዞም። ከምዙይ ከዓ በሎም፦ 18“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ስለ ዝኾነ ብዅሉ ወገን ሰላም ሃበኩም፤ ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኸዓ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሃበኒ፤ እዛ ሃገር ከዓ ንእግዚኣብሄርን ንኣኻትኩምን ተገዝአት። 19ሕዚ ድማ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግልዎ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄርን እቲ ቕዱስ ኣቑሑ ኣምላኽን ናብታ ንስም እግዚኣብሄር እትስራሕ ቤት ክኣቱስ፥ ተስኡ እሞ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስርሕዎ።”
Currently Selected:
1ይ ዜና 22: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in