1ይ ዜና 21
21
ዳዊት ክእለት ውግእ ንዘለዎም ከም ዝቘፀሮም
(2 ሳሙ. 24፡1-25)
1ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተልዓለ፤ ንዳዊት ከዓ ንህዝቢ እስራኤል ክቘፅር ኣለዓዓሎ። 2ዳዊት ከዓ ንኢዮኣብን ነሕሉቕ ህዝብን “ኪዱ ኻብ ቤርሳቤህ ጀሚርኩም ክሳዕ ዳን ዘሎ ህዝቢ እስራኤል ቍፀርዎ። ብዝሖም ምእንቲ ኽፈልጥ ከዓ ፀብፃብ ኣምፅኡለይ” በሎም።
3ኢዮኣብ ድማ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብቲ ዘለዎ ሚእቲ ጊዜ የብዝሓዮ! ግና፥ ኦ ጐይታይ ንጉስ! ኵሎም ሓሻኽርኻ እዮም። ስለ ምንታይ ደኣ ነዝ ነገር እዙይ ትደልዮ ኣለኻ? ስለ ምንታይከ ንህዝቢ እስራኤል ምኽንያት በደል ትኾኖም?” በሎ።
4ንጉስ ግና ንኢዮኣብ በርትዖ። ስለዙይ ኢዮኣብ ወፀ፤ ናብ ኵሉ እስራኤል ከይዱ ኸዓ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ። 5ኢዮኣብ ድማ ድምር እቲ ዝተቘፀረ ህዝቢ ንዳዊት ሃቦ። ካብ ኵሉ እስራኤል ከዓ ሓደ ሚልዮንን ሚእቲ ሽሕን ክዋግኡ ዝኽእሉ ሰባት ነበሩ። ካብ ይሁዳ ኸዓ ኣርባዕተ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ ክዋግኡ ዝኽእሉ ሰባት ነበሩ።
6ኢዮኣብ ግና ነቲ ቓል ንጉስ ስለ ዘይተቐበሎ ንሌዊን ንብንያምን ኣይቈፀሮምን። 7ካብዝ ነገር እዙይ ዝተልዓለውን እግዚኣብሄር ተቘጥዐ፤ ንህዝቢ እስራኤል ከዓ ቐሰፎ።
8ሽዑ ዳዊት “እዝ ነገር እዙይ ብምግባረይ ንእግዚኣብሄር ብዙሕ በደልኩ፤ ዓብዪ ስንፍና ድማ ገይረ እየሞ፥ ሕዚ በይዛኻ፥ ንበደል ባርያኻ ክተወግዶ እልምነካ ኣለኹ” በለ።
9እግዚኣብሄር ድማ ናይ ዳዊት ረኣዪ ንዝኾነ ንጋድ 10“ኪድ እሞ ንዳዊት ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሰለስተ ነገር ኣቕሪበልካ ኣለኹ፤ ካብኡ ሓደ ምረፅ እሞ ኽገብሮ እየ’ ኢልካ ተዛረቦ” በሎ።
11ጋድ ከዓ ናብ ዳዊት ኣትዩ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እትደልዮ ምረፅ፦ 12ሰለስተ ዓመት ጥሜት፥ ወይ ሰይፊ ፀላእትኻ እናርከበካ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ፀላእትኻ ምህዳም፥ ወይ እቲ ሰይፊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፌራ ኣብዛ ሃገር ንሰለስተ መዓልቲ ምዃን፥ መልኣኽ እግዚኣብሄርውን ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ጥፍኣት ከምፅእ።’ ነቲ ዝለኣኸኒ እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝምልሰሉ ሕዚ ሕሰብ።”
13ዳዊት ከዓ ንጋድ “የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ግና ምሕረቱ ብዙሕን ዓቢይን እዩ እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ምውዳቕ ይሐሸኒ” በሎ።
14ሽዑ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ፌራ ሰደደሉ እሞ ኻብ እስራኤል ሰብዓ ሽሕ ሰባት ሞቱ። 15ኣምላኽ ንኢየሩሳሌም ከጥፍኣ መልኣኽ ሰደደ፤ እቲ መልኣኽ ከጥፍኣ እንተሎ ሪኡ ኸዓ በቲ ዝወረደ ሓዚኑ ኣናሕሰየላ፤ ነቲ ዘጥፍእ መልኣኽ “ይኣክል! ኢድካ መልስ” በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርና ኢያቡሳዊ ደው ኢሉ ነበረ።
16ዳዊት ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቈላሕ ኣበለ፤ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ሰማይን ኣብ መንጎ ምድርን ደው ኢሉ፥ ዝተመዘዘት ሰይፊ ኸዓ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ዘርጊሑ ረአየ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ወጮ ተኸዲኖም ብገፆም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ።
17ዳዊት ድማ “ኦ ኣምላኽ! ኣነ እየ እቲ ህዝቢ ኽቝፀር ዝኣዘዝኩ፤ ኣነ እየ ዝበደልኩን ክፉእ ዝገበርኩን፤ እዞም ኣባጊዕ እዚኣቶም ግና እንታይ ገበሩ። ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ! መቕፃዕትኻ ኣባይን ኣብ ቤት ኣቦይን ደኣ ትኹን እምበር ኣብ ህዝብኻስ ኣይትኹን” ኢሉ ለመነ።
18ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንጋድ፥ “ደዪቡ ኣብ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርበሉ ንዳዊት ንገሮ” ኢሉ ኣዘዞ። 19ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብጋድ ገይሩ ዝተዛረቦ ደየበ።
20ኦርና ምስ ኣርባዕተ ደቁ ኾይኑ ስርናይ የኽይድ ነበረ፤ ነቲ መልኣኽ ምስ ረአይዎ ድማ እቶም ደቁ ተሓብኡ። 21ዳዊት ናብ ኦርና ኽመፅእ እንተሎ ኸዓ፥ ኦርና ኣማዕድዩ ንዳዊት ረአዮ፤ ካብቲ ዓውዲ ወፂኡ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፍአ።
22ዳዊት ከዓ “እዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ መቕሰፍቲ ደው ምእንቲ ኽብል፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሐሉ፥ ነዝ ዓውዲ እዙይ ብምሉእ ዋጋ ሃበኒ” በሎ። 23ኦርና ኸዓ ንዳዊት “ጐይታይ ንጉስ! ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር፤ እንሆ እዞም ኣብዑር ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ እዝ ኣቑሑ ዓውዲ ንዕንፀይቲ፥ እዝ ስርናይውን ንመስዋእቲ እኽሊ ክኸውን ኵሉ ሂበካ ኣለኹ” በሎ።
24ንጉስ ዳዊት ግና ንኦርና “ኣይፋሉን፤ ናትካ ዝኾነ ወሲደ ንእግዚኣብሄር ክህብ ኣይደልን፤ ዋጋ ዘይሃብኩሉ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርብ ኣይደልን እየ እሞ፥ ብምሉእ ዋጋ ደኣ ሽጠለይ” በሎ።
25ዳዊት ከዓ ንኦርና ዋጋ እታ ቦታ ብሚዛን ሽዱሽተ ሚእቲ ቕርሺ ወርቂ ሃቦ። 26ሽዑ ዳዊት ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፤ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናን ከዓ ኣቕረበ፤ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተማህለለ። እግዚኣብሄርውን መልሲ ሃቦ፤ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ በልዖ።
27እግዚኣብሄር ድማ ነቲ መልኣኽ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለሶ” በሎ። እቲ መልኣኽ ከዓ ኸምቲ ዝተኣዘዞ ገበረ።
28በታ ጊዜ እቲኣ ዳዊት እግዚኣብሄር ኣብቲ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ መልሲ ኸም ዝሃቦ ምስ ረአየ፥ ኣብኡ መስዋእቲ ሰውአ። 29እቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝሰርሖ መሕደሪ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ናይ ዝቃፀል መስዋእቲ መሰውእን በቲ ጊዜ እቱይ ኣብቲ ናይ ገባዖን ኰረብታ እዩ ዝነበረ። 30ዳዊት ግና ሰይፊ መልኣኽ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሐ፥ ንእግዚኣብሄር ክጥይቕ ኢሉ ናብኡ ክኸይድ ኣይከኣለን።
Currently Selected:
1ይ ዜና 21: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in