YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ዜና 18

18
ዳዊት ዝረኸቦም ዓወታት
(2 ሳሙ. 8፡1-18)
1ድሕሪዙይ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊኡ ሰዓሮም ኣዋረዶምውን፤ ንጌትን ነተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ዓድታትን ድማ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደን።
2ንሞኣባውያንውን ሰዓሮም፤ ሞኣባውያን ከዓ ገባራቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ።
3ዳዊት ድማ ግዝኣቱ ክሳዕ ሩባ ኤፍራጥስ ከስፍሕ ስለ ዝደለየ፥ ንሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ተዋግኦ፤ ኣብ ሓማት ድማ ሰዓሮ። 4ዳዊት ከዓ ኻብኡ ሽሕ ሰረገላን ሸውዓተ ሽሕ ፈረሰኛን ዕስራ ሽሕ ኣጋር ሰራዊትን ማሪኹ ወሰደ። ንዅሎም ኣፍራስ ሰረገላ ድማ ቋንጃ ኣእጋሮም ቈረፆም፤ ካብኣቶም ግና ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትረፈ።
5ኣብ ደማስቆ ዝነብሩ ሶርያውያን ንሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ኽረድኡ ኢሎም ምስ መፁ ኸዓ፥ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰባት ቀተለ።
6ዳዊት ድማ ኣብኡ ኣብ ናይ ደማስቆ ሶርያ ሓለውቲ ወታደራት ኣቐመጠ፤ እቶም ሶርያውያን ከዓ ንዳዊት ገባራቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ይህቦ ነበረ።
7ዳዊት ከዓ ነቲ ኣብ ወታደራት ሃዳርዔዘር ዝነበረ ዋልታታት ወርቂ ወሰዶ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ድማ ኣምፅኦ። 8#1 ነገ. 7፡40-47፥ 2 ዜና. 4፡11-18። ካብተን ከተማታት ሃዳርዔዘር ዝኾና ጢብሓትን ኩንን ከዓ ብዙሕ ነሃስ ወሰደ። ደሓር ሰሎሞን በዝ ነሃስ እዙይ ገይሩ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ጋብላን ኣዕምድን ኣቑሑን ሰርሐ።
9ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ፥ ዳዊት ንዅሉ ሰራዊት ሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ኸም ዝሰዓሮ ሰምዐ። 10ሃዳርዔዘር ምስ ቶዑ ኵልሻዕ ይዋጋእ ስለ ዝነበረ፥ ንጉስ ዳዊት ንሃዳርዔዘር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ ኸሞግሶን ብዛዕባ ጥዕናኡ ኽጥይቖን ንወዱ ሃዶራም ለኣኸሉ። ምስኡ ድማ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ዝተሰርሐ ዅሉ ዓይነት ኣቑሑ ገፀ በረኸት ሰደደሉ።
11ንጉስ ዳዊት ነዙይን ነቲ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብ ኤዶማውያንን ካብ ሞኣባውያንን ካብ ኣሞናውያንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቃውያንን፥ ዝማረኾ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ወፈዮ።
12 # መዝ. 60። ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ድማ ኣብ ለሰ ጨው ንኤዶማውያን ስዒሩ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ቀተለሎም። 13ኣብ ኤዶምያስ ከዓ ሓለውቲ ወታደራት ኣቐመጠ፤ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ንዳዊት ዝግብሩ ኾኑ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ይህቦ ነበረ።
ሹመኛታት ዳዊት
14ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብማዕርነትን እናመሓደረ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ። 15ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ድማ ኣዛዚ ሰራዊት ነበረ። የሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ፀሓፊ ታሪኽ ነበረ። 16ሳዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ኻህናት ነበሩ፤ ሱሳ ኸዓ ፀሓፊ ነበረ። 17በናያስ ወዲ ዮዳሄ ድማ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ነበረ። ደቂ ዳዊት ከዓ ኣብ መንግስቲ ኣቦኣቶም ፍሉይ መዓርግ ነበሮም።

Currently Selected:

1ይ ዜና 18: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in