YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ዜና 19

19
ዳዊት ንኣሞናውያንን ንሶርያውያንን ከም ዝሰዓሮም
(2 ሳሙ. 10፡1-19)
1ድሕሪዙይ፥ ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሓኖን ነገሰ። 2ዳዊት ድማ “ኣቦኡ ንኣይ ፅቡቕ ገይሩለይ ነይሩ እዩ እሞ፥ ኣነ ድማ ንሓኖን ወዲ ናዖስ ፅቡቕ ክገብረሉ እየ” በለ። ዳዊት ከዓ ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኸፀናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ።
እቶም ሓሻኽር ዳዊት ድማ ንሓኖን ከፀናንዕዎ ናብ ሃገር ደቂ ኣሞን ከዱ። 3እቶም መሳፍንቲ ደቂ ኣሞን ግና ንሓኖን “ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ ዘፀናንዑ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ? እዚኣቶም ነዛ ሃገር ምእንቲ ኽምርምርዋን ክስልይዋን ክሕዝዋን እዮም መፂኦም ዘለዉ” በልዎ። 4ሽዑ ሓኖን ነቶም ንልኡኻት ዳዊት ወሲዱ ላፀዮም፤ ንኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጥቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም።
5ዝኾኑ ሰባት ከይዶም ከዓ እቲ ነቶም ሰባት ዝበፅሖም ነገር ንዳዊት ነገርዎ። ንሱ ድማ እቶም ሰባት የመና ሓፊሮም ነበሩ እሞ፥ ዝራኸብዎም ሰባት ሰዲዱ “ጭሕምኹም ክሳዕ ዝበቍል ኣብ ኢያሪኮ ፅንሑ” በሎም።
6ደቂ ኣሞን ድማ ብዳዊት ከም ዝተፀልኡ ምስ ረአዩ፥ ካብ ላዕለዋይ መስጴጦምያን ካብ ሶርያ ናይ መዓካን ካብ ሱባን ዕሱባት ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ክቘፅሩ፥ ሓደ ሺሕ መክሊት #19፡6 ሓደ መክሊት፦ “42 ኪሎ” ኣቢሉ ይኸውን። ብሩር ለኣኹ። 7እቶም ዝተዓሰቡ ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰረገላን ፈረሰኛታትን ሰራዊት ንጉስ መዓካን መፂኦም ኣብ ጥቓ ሜዳ ሰፈሩ፤ ደቂ ኣሞንውን ካብ ከተማታቶም ተኣኪቦም ወፂኦም ንውግእ ተሰለፉ።
8ዳዊት ከዓ ሰሚዑ፥ ንኢዮኣብን ንዅሎም ጀጋኑ ሰራዊትን ሰደደ። 9ደቂ ኣሞንውን ወፂኦም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ረባት እትበሃል ከተማኣቶም ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ዝመፁ ነገስታት ግና ንበይኖም ኣብ ሜዳ ተሰለፉ።
10ኢዮኣብ ከዓ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ከም ዝተኸበበ ምስ ረአየ፥ ካብ ኵሎም እስራኤል ጀጋኑ ሓርዩ፥ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።
11እቲ ዝተረፈ ሰራዊት ከዓ ኣብ ትሕቲ ኣቢሳ ሓዉ ገበሮ፤ ንደቂ ኣሞን ክዋግእዎም ድማ ተሰለፉ። 12ንኣቢሳ ኸዓ “ሶርያውያን ካባይ እንተ ሓየሉ፥ ንስኻ ርድአኒ፤ ደቂ ኣሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ድማ፥ ኣነ ኽረድአካ እየ። 13ፅናዕ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በሎ።
14ሽዑ ኢዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊትን ንሶርያውያን ክዋግእዎም ንቕድሚት ደፍኡ፤ ሶርያውያን ከዓ ተስዒሮም ካብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ። 15እቶም ደቂ ኣሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረአዩ፥ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚ ኣቢሳ ሓዉ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
16ሶርያውያን ከዓ ብእስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ልኡኻት ሰዲዶም ካብቶም ኣብ ሰገር ሩባ ዝነበሩ ሶርያውያን ሰራዊት ኣምፅኡ፤ ናይ ሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ሓለቓ ሰራዊት ሾፋክ ድማ ይመርሖም ነበረ።
17እዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ንዅሉ እስራኤል ኣኽቲቱ፥ ሩባ ዮርዳኖስ ተሳገረ፤ ናብኣቶም ቀሪቡ ድማ ኽዋግኦም ተሰለፈ። ዳዊት ነቶም ሶርያውያን ክዋግኦም ምስ ተሰለፈ ኸዓ፥ ንሳቶም ምስኡ ተዋግኡ። 18እቶም ሶርያውያን ድማ ብእስራኤላውያን ተስዒሮም ሃደሙ። ዳዊት ከዓ ኻብ ሶርያውያን ሸውዓተ ሽሕ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ኣጋር ሰራዊትን ቀተለ፤ ንሾፋኽ ሓለቓ ሰራዊትውን ቀተሎ።
19እቶም ኣብ ትሕቲ ሃዳርዔዘር ዝነበሩ ነገስታት ብእስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ምስ ዳዊት ተዓረቑ እሞ ተገዝእዎ፤ ገበሩሉውን። ብድሕሪዙይ ድማ እቶም ሶርያውያን ንደቂ ኣሞን ምሕጋዝ ሓደግዎ።

Currently Selected:

1ይ ዜና 19: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in