YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ዜና 13

13
ንታቦት ኪዳን ካብ ቂርያት የዓሪም ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝወሰድዎ
(2 ሳሙ. 6፡1-11)
1ዳዊት፥ ምስ ኵሎም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ዝኾኑ ኣሕሉቕ ሰራዊት ተማኸረ። 2ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “እዙይ ንኣኻትኩም ፅቡቕ መሲሉ እንተ ተርእዩኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ወፂኡ እንተ ኾይኑ፥ ናብቶም ዝተረፉ ኣሕዋትና ናብ ኵለን ሃገራት እስራኤልን፥ ናብተን ካህናትን ሌዋውያንን ዝነብሩለን ከተማታት መምስ ከባቢአንን፥ ልኡኻት ንስደደሎም፤ ንሳቶም ከዓ ናባና ይተኣከቡ። 3ነቲ ብዘመን ሳኦል ረሲዕናዮ ዝነበርና ታቦት ኣምላኽና ኸዓ ናባና ነምፅኣዮ።” 4እዝ ነገር እዙይ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ቕኑዕ መሲሉ ስለ ዝተርኣዮም፥ “ሕራይ፥ ከምኡ ንግበር” በሉ።
5 # 1 ሳሙ. 7፡1-2። ዳዊት ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት የዓሪም ምእንቲ ኸምፅኦ ኸዓ፥ ካብ ሩባ ሲሖር ናይ ግብፂ ጀሚሩ፥ ክሳዕ መእተዊ ሓማት ንዝነበሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ኣከቦም። 6#ዘፀ. 25፡22። ዳዊትን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ናይቲ ኣብ ኪሩቤል ዝቕመጥ እግዚኣብሄር ብስሙ ዝተሰምየ ታቦት ኣምላኽ፥ ካብኡ ኸምፅኡ ናብ በዓላ ቂርያት የዓሪም ናይ ይሁዳ ኸዱ።
7ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ፅዒኖም ድማ ኻብ ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ። ዖዛን ኣሒዮን ከዓ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ። 8ዳዊትን ኵሎም እስራኤልን ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም ብመዝሙራትን ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብፀናፅልን ብመለኸታትን ብምሉእ ሓይሎም ይዝምሩ ነበሩ።
9ኣብ ዓውዲ ኺዶን ምስ በፅሑ ግና እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፥ ዖዛ ነቲ ታቦት ክድግፎ ኢሉ ሓዞ። 10ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ዖዛ ነደደ፤ ነቲ ታቦት ስለ ዝሓዞ ቐሰፎ እሞ፥ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞተ።
11ዳዊት ድማ፥ እግዚኣብሄር ንዖዛ ስለ ዝቐሰፎ፥ ሐዘነ እሞ፥ ነታ ቦታ እቲኣ፥ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ እትፅወዖ ዘላ መቕሰፍቲ ዖዛ ኢሉ ሰመያ። 12ዳዊት ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣምላኽ ፈሪሑ “ንታቦት ኣምላኽ ከመይ ገይረ ናባይ ከምፅኦ?” በለ። 13ስለዙይ ድማ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ቤት ኣቢዳራ እቲ ጌትያዊ ኣእተዎ እምበር፥ ናብ ከተማ ዳዊት ኣየግዓዞን። 14#1 ዜና. 26፡4-5። እቲ ታቦት ኣምላኽ ከዓ ምስ ስድራ ኣቢዳራ ጌትያዊ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንቤት ኣቢዳራን ንዅሉ ዘለዎን ባረኾ።

Currently Selected:

1ይ ዜና 13: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in