1ይ ዜና 12
12
ቅድም ንዳዊት ዝሰዓቡ ነገድ ብንያም
1ዳዊት ገና ኻብ ገፅ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሓቢኡ ኣብ ፂቅላግ ክነብር እንተሎ፥ እቶም ኣብ ውግእ ዝሓገዝዎ ጀጋኑ ናብኡ መፁ። 2ንሳቶም ብየማኖም ኮነ ብፀጋሞም ምውንጫፍ ኣእማን ዝኽእሉ ብቐስቲውን ፍላፃ ዝውርውሩ ተዋጋእቲ ነበሩ። ንሳቶም ኣዝማድ ሳኦል ካብ ነገድ ብንያም ነበሩ። ስሞም ከዓ እዙይ እዩ፦
3ኣሒዔዝር እቲ ሓለቓኦምን ኢዮኣስን ደቂ ሸማዓ ጊብዓዊ፥ ይዝኤልን ፋሌጥን ደቂ ኣዝሞዌት፥ በራክያ ኢዩ ዓናቶታውን፥ 4ሰማያስ ገባዖናዊ፥ ንሱ ናይቶም ሰላሳ ሓለቓ ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ኤርሚያስ፥ ያሕዝኤል፥ ዮሓናን፥ ዮዛባት ገድሮታን፥ 5ኤሉዛይ፥ ኢያሪሙት፥ በዓልያ፥ ሰማርያ፥ ሰፋጥያስ ሓሩፋን፥ 6እቶም ቆሬሓውያን፦ ሕልቃና፥ ይሽያ፥ ዓዛርኤል፥ ዮዛር፥ ያሾብዓም። 7ደቂ ይሮሓም በዓል ግዶር ከዓ ዮዔላን ዘባድያን፥
ንዳዊት ዝሰዓቡ ነገድ ጋድ
8ሓድሓደ ኻብ ነገድ ጋድ ከዓ ኸዲዖም ናብ ዳዊት ናብቲ እምባ ኣብ በረኻ ዘሎ ምሽግ መፁ፤ ንሳቶም ሓያላት ጀጋኑ፥ ንውግእ ዕሉማት፥ ዋልታን ኲናትን ዝተዓጥቁ ሰባት ነበሩ። ገፆም ድማ ኸም ገፅ ኣናብስ ዘፍርሕ ነበረ፤ ከም ሰስሓውን ኣብ እምባታት ቅልጡፋት ነበሩ።
9ስሞም ከዓ እዙይ እዩ፦ ሓለቓኦም ዔፄር፥ ካልኣይ ኣብድዩ፥ ሳልሳይ ኤልያብ፥
10ራብዓይ መስመና፥ ሓምሻይ ኤርሚያስ፥
11ሻድሻይ ዓታይ፥ ሻውዓይ ኤሊኤል፥
12ሻምናይ ዮሓናን፥ ታሽዓይ ኤልዛባድ፥
13ዓስራይ ኤርሚያስ፥ መበል ዓሰርተ ሓደ መክበናይ፥
14እዚኣቶም ካብ ደቂ ጋድ ኣሕሉቕ ሰራዊት እዮም ዝነበሩ፤ ካብኣቶም እቲ ዝነኣሰ ሚእቲ፥ ዝዓበየ ኽንዲ ሽሕ ነበሩ። 15እቶም በታ መጀመርታ ወርሒ ንዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወሰና ኽሳዕ እተፍስስ ኣፍ ንኣፍ መሊኣ እንተላ ዝተሳገሩ፥ ነቶም ኣብ ለሰታት ዝነብሩ ዅሎም ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢሎም ዝሰጐጕዎም ድማ እዚኣቶም እዮም።
ንዳዊት ዝሰዓቡ ነገድ ብንያምን ይሁዳን
16ካብ ደቂ ብንያምን ይሁዳን ከዓ ናብ ዳዊት፥ ናብቲ እምባ መፁ። 17ዳዊት ድማ ክራኸቦም ወፀ፤ ንሱ ኸዓ፦ “ክትሕግዙኒ ኢልኩም ብሰላም ናባይ እንተ ደኣ መፂእኹም ኴንኩም፥ ልበይ ምሳኻትኩም ክሰማማዕ ድልዊ እዩ። ኣነ ኣብ ኢደይ ዝኾነ ዓመፅ ዘይብለይ እንትኸውን ኣብ ኢድ ፀላእተይ ኣሕሊፍኩም ክትህቡኒ እንተ መፂእኹም ግና፥ እቲ ኣምላኽ ኣቦታትና ይርኣዮ እሞ ይፍረድ” በሎም።
18ሽዑ ናብቲ ደሓር ሓለቓ ሰላሳ ዝኾነ ኣማሳይ መንፈስ እግዚኣብሄር ወረደ እሞ፥
“ኣታ ዳዊት ንሕናስ ናትካ ኢና፤
ኣታ ወዲ እሴይ ንሕናስ ምሳኻ ኢና።
ኣምላኽካ ሓጊዙካ እዩ እሞ ሰላም፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን
ንሓገዝትኻውን ሰላም ይኹን” በለ።
ዳዊት ከዓ ተቐበሎም፤ ኣሕሉቕ ጭፍራ ድማ ገበሮም።
ንዳዊት ዝሰዓቡ ነገድ ምናሴ
(1 ሳሙ. 29፡2-11)
19ዳዊት ምስ ፍልስጥኤማውያን ኮይኑ ንሳኦል ክዋጋእ ምስ ወፀ፥ ሓድሓደ ኻብ ነገድ ምናሴ ኸዲዖም ናብ ዳዊት መፁ። ግና እቶም መኳንንቲ ፍልስጥኤማውያን “ኣራእስና ቘሪፁ ንጐይታኡ ሳኦል ክሕግዝ እዩ” ኢሎም መኺሮም ንፂቅላግ ስለ ዝሰደድዎ ምስ ሳኦል ኣይተዋግአን። 20ናብ ፂቅላግ ክምለስ እንተሎ ድማ ኻብ ነገድ ምናሴ ናብኡ ዝሓለፉ እዚኣቶም እዮም፦ ዓድና፥ ዮዛባት፥ ይዲኤል፥ ሚካኤል፥ ዮዛባድ፥ ኤሊሁ፥ ፂልታይ እዮም። እዚኣቶም ናይ ነገድ ምናሴ ኣሕሉቕ ሽሕ ነበሩ። 21ንሳቶም ኵሎም ሓያላት ጀጋኑ፥ ኣብቲ ሰራዊት ከዓ ኣሕሉቕ ዝኾኑ እዮም ዝነበሩ እሞ፥ ንዳዊት ኣንፃር እቲ ጭፍራ ወረርቲ ሓገዝዎ። 22ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ንዳዊት ምእንቲ ኽሕግዝዎ ሰባት ይመፁ ነበሩ እሞ፥ እቲ ሰራዊት ከም ሰራዊት ኣምላኽ ዓብዪ ኾነ።
ኣብ ኬብሮን ንዳዊት ዝሰዓብዎ
23እቶም ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ሳኦል ናብ ዳዊት ምእንቲ ኸሳግርዋ ናብኡ ናብ ኬብሮን ዝመፁ ተዋጋእቲ ቝፅሮም እዙይ እዩ፦
24ደቂ ይሁዳ፥ ዋልታን ኲናትን ዝፆሩ፥ ንውግእ ዝተሰለፉ ሽዱሽተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን። 25ካብ ደቂ ስምኦን፥ ንውግእ ዝተዳለዉ ሓያላት ጀጋኑ ሸውዓተ ሽሕን ሚእትን።
26ካብ ደቂ ሌዊ ኣርባዕተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን። 27ዮዳሄ፥ እቲ መስፍን ማይ ቤት ኣሮን፥ ምስኡ ኸዓ ሰለስተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን። 28ሳዶቅ ድማ ጐበዝ፥ ሓያል ጅግና፥ ምስኡ ኸዓ ዕስራን ክልተን ኣሕሉቕ ካብ ቤት ኣቦኡ።
29ካብ ደቂ ብንያም ኣሕዋት ሳኦል ድማ ሰለስተ ሽሕ። ክሳዕ እዝ እዋን እዙይ ዝበዝሑ ኻብኣቶም ገና ምስ ቤት ሳኦል ፀኒዖም ነበሩ።
30ካብ ደቂ ኤፍሬም ከዓ ሓያላት ጀጋኑ፥ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ስሙያት፥ ዕስራ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ሰባት።
31ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ፥ ንዳዊት ከንግስዎ ዝመፁ፥ በብስሞም ዝተሰምዩ፥ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ።
32ካብ ደቂ ይሳኮር ከዓ፥ እስራኤል እንታይ ክገብር ከም ዝግብኦ ዝፈልጡ፥ ምስትውዓል ዘመናት ዘለዎም፥ ክልተ ሚእቲ ዋናታት፥ ምስቶም ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ዝኾኑ ዅሎም ኣሕዋቶም።
33ካብ ዛብሎን ብዅሉ ዓይነት ኣፅዋር ውግእ ዝተዓለሙ፥ ፈላጣት ስርዓት ውግእ ንዳዊት ከዓ ብዘይምውልዋል ብልቢ ዘገልግልዎ ሓምሳ ሽሕ።
34ካብ ንፍታሌም ከዓ ሽሕ ኣሕሉቕ፥ ምስኣቶም ድማ ብዋልታን ኲናትን ዝተሰለፉ ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕ።
35ካብቶም ሰብ ዳን ከዓ ንውግእ ዝተሰለፉ ዕስራን ሸሞንተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን።
36ካብ ኣሴር ድማ ንውግእ ተሰሊፎም ናብ ሰራዊት ዝወፁ ኣርብዓ ሽሕ።
37ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ድማ ኻብ ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፥ ብዅሉ ዓይነት ናይ ሰራዊት ኣፅዋር ውግእ ዝተዓለሙ፥ ሚእትን ዕስራን ሽሕ።
38ኵሎም እዚኣቶም ንውግእ ዝተዳለዉ ሰራዊት፥ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ከንግስዎ፥ ብፍፁም ልቢ ናብ ኬብሮን መፁ። እቲ ዝተረፈ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ንዳዊት ከንግስ ተሰማሚዑ ነበረ። 39ኣሕዋቶም ኣሰናድዮምሎም ነበሩ እሞ፥ ንሳቶም ኣብኡ ምስ ዳዊት እናበልዑን እናሰተዩን ሰለስተ መዓልቲ ቐነዩ። 40ኣብ እስራኤል ሓጐስ ኮይኑ ነበረ። እቶም ኣብ ቀረባኦም ዝነበሩ ድማ፥ ክሳዕ እቶም ኣብ ምድሪ ይሳኮርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ዝነብሩ ዝነበሩ በእዱግን በግማልን በባቕልን በብዑርን ብዙሕ ምግቢ፥ እንጀራ፥ ሕሩጭ፥ ጎጎ በለስ፥ ጎጎ ዘቢብ፥ ወይኒ፥ ዘይቲ፥ ከፍቲ፥ ኣባጊዕን ኣጣልን የምፅኡ ነበሩ።
Currently Selected:
1ይ ዜና 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: