ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ደቅኹም ብዝመፅእ ዘመን፥ ‘እዞም ኣእማን እዚኣቶም እንታይ እዮም?’ ኢሎም ነቦታቶም እንተ ጠየቑ፥ ‘ህዝቢ እስራኤል ነዝ ዮርዳኖስ እዙይ ብንቑፅ ከም ዝተሳገርዎ ምልክት እዩ።’ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ንማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀፆ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ እንሳገር ዘንቀፆ ኸምኡ ኸዓ ንዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀፆ።