ኤሊፋዝ በዓል ቴማን፥ በልዳዶስ በዓል ሹሓ፥ ሶፋር በዓል ናዕማ፥ ዝበሃሉ ሰለስተ ፈተውቲ ኢዮብ፥ እቲ ዝወረዶ መከራ ሰሚዖም ምስኡ ኽሓዝኑን ከፀናንዕዎን ንኺድ ተበሃሂሎም ከካብ ዓዶም መፁ። ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና፥ ዓው ኢሎም በኸዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኽዳውንቶም ብጓሂ ቐደዱ፤ ናብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ። ድሕሪዙይ ድማ ኣብ ምድሪ ተቐሚጦም ሸውዓተ መዓልትን ሸውዓተ ለይትን ምስኡ ቐነዩ። ቃንዛ በርቲዕዎ ስለ ዝረአዩ ድማ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረብዎን።