1
ኢሳይያስ 46:10-11
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ ክኸውን ዘለዎ፥ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኮነ እንተሎ፥ ዝነገርኩ ኣነ እየ፤ ‘ምኽረይ ክቐውም እዩ፤ ኵሉ ፍቓደይውን ክፍፅም እየ’ ዝብል ኣነ እየ። ካብ ምብራቕ መንጣሊ ኣሞራ፥ ካብ ርሑቕ ሃገርውን፥ ምኽረይ ዝገብር ሰብ ክፅውዕ እየ፤ ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮውን እየ።
Compare
Explore ኢሳይያስ 46:10-11
2
ኢሳይያስ 46:4
ክሳዕ እርጋንኩም ኣነ እየ፤ ክሳዕ ሲበትውን ክፆረኩም እየ፤ ኣነ ገበርኩኹም፥ ኣነውን ከተስእ እየ፤ ኣነ ኽፆረኩምን፥ ከድሕነኩምን እየ።
Explore ኢሳይያስ 46:4
3
ኢሳይያስ 46:9
ነቲ ናይ ጥንቲ፥ ናይ ቀደም ዘክሩ፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የለን፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ዝመስለኒውን የለን።
Explore ኢሳይያስ 46:9
4
ኢሳይያስ 46:3
“ኣቱም ቤት ያእቆብ፥ ኣቱም ተረፍ ቤት እስራኤል ኵልኻትኩም፥ ካብ ማህፀን ዝሓዝኩኹም፥ ካብ እትውለዱ ጀሚረ ዝተሸከምኩኹም ስምዑ።
Explore ኢሳይያስ 46:3
Home
Bible
Plans
Videos