1
ኢሳይያስ 43:19
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እንሆ፥ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፤ ንሱውን ሕዚ ኽበቍል እዩ፤ ንስኻትኩምውን ኣይትፈልጥዎን ዲኹም? መንገዲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ክገብር እየ።
Compare
Explore ኢሳይያስ 43:19
2
ኢሳይያስ 43:2
ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ፤ ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ።
Explore ኢሳይያስ 43:2
3
ኢሳይያስ 43:18
“ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸዓ ኣይትሕሰቡ።
Explore ኢሳይያስ 43:18
4
ኢሳይያስ 43:1
ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ።
Explore ኢሳይያስ 43:1
5
ኢሳይያስ 43:4
“ኣብ ኣዒንተይ ብሉፅን ክቡርን ስለ ዝኾንካን፥ ስለ ዘፍቀርኩኻን፥ ክንዲ ኽንዳኻ ሰባት፥ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ።
Explore ኢሳይያስ 43:4
6
ኢሳይያስ 43:3
ኣነ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ መድሓኒኻ እየ። ንግብፂ ንኣኻ ቤዛ ገይረ፥ ንኢትዮጵያን ሳባን ክንዲ ኽንዳኻ ሃብኩ።”
Explore ኢሳይያስ 43:3
7
ኢሳይያስ 43:5
ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራሕ።” “ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምፅኦም፥ ካብ ምዕራብ ከዓ ኽኣኻኽበካ እየ።
Explore ኢሳይያስ 43:5
8
ኢሳይያስ 43:25
ኣነ፥ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ፥ ሓጢኣትካ ዝድምስስ፤ መሊሰ ኸዓ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።”
Explore ኢሳይያስ 43:25
9
ኢሳይያስ 43:10
“ኦ እስራኤል፥ ኣምላኽኩም ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ምእንቲ ኽተስተውዕሉን ክትፈልጡን ንስኻትኩም መሰኻኽረይን፥ ዝሓረኹኹም ባሮተይን ኢኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ድሕሪ ሕዚውን ኣይህሉን እዩ።”
Explore ኢሳይያስ 43:10
10
ኢሳይያስ 43:11
“ኣነ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ዘድሕን የለን።
Explore ኢሳይያስ 43:11
11
ኢሳይያስ 43:13
ካብ ጥንቲ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ፤ ካብ ኢደይ ከናግፍ ዝኽእልውን የለን፤ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ክኽልክል ዝኽእልከ መን እዩ?”
Explore ኢሳይያስ 43:13
12
ኢሳይያስ 43:20-21
እቲ ዝሓረኽዎ ህዝበይ ምእንቲ ኽሰቲ፥ ማይ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝውን ኣብቲ ምድሪ ኣፃምእ ክህብ እየሞ፥ እንስሳ በረኻን፥ ወኻርያን ሰገንን ከዓ፥ ከኽብሩኒ እዮም። እቲ ንኣይ ዝፈጠርክዎ ህዝቢ፥ ምስጋናይ ክናገር እዩ።”
Explore ኢሳይያስ 43:20-21
13
ኢሳይያስ 43:6-7
ንሰሜን ‘ኣምፅእ’፥ ንደቡብ ከዓ ‘ኣይትኽላእ’ ክብሎ እየ። ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፥ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ኵሉ እቲ ብስመይ ዝተፀውዐ፥ ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝሰራሕኹዎን ዝገበርኩዎን፥ ኣምፅእ” ክብሎ እየ።
Explore ኢሳይያስ 43:6-7
14
ኢሳይያስ 43:16-17
ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጐደና፥ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከዓ፥ መሰጋገሪ ዝገበረ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ መሊሶም ከይትስኡ፥ ኵላቶም ብሓደ ኽወድቑ፥ ከም መብራህቲ ጥዋፍ ክጠፍኡ እዮም፤ ነቶም ሰረገላታትን ኣፍራስን ዝነበርዎም፥ ጀጋኑን ሰራዊትን ብሓደ ኽወፁ ዝገበረ፥ ከምዙይ ይብል፦
Explore ኢሳይያስ 43:16-17
15
ኢሳይያስ 43:15
እግዚኣብሄር፥ እቲ ቕዱስኩም፥ ናይ እስራኤል ፈጣሪ፥ ንጉስኩም ኣነ እየ።”
Explore ኢሳይያስ 43:15
Home
Bible
Plans
Videos